2013-08-01 15:28:18

ብፁዕ ካርዲናል ኦውለት፦ ቅዱስ ኣቦና ናይ ድኻታትን ሕዳሴ ተስፋን


RealAudioMP3 ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ምስ ቅዱስ ኣቦና ርክብ ዘካየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ብፁዓን ጳጳሳት ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባ ይቕጽል ከምዘሎን፣ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቶም ናይ ላቲን ኣመሪካ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦውለት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣብ ሪዮ ዝገበርዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ እትርክበ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሕድስ ንቀጻሊ ሕዳሴ ዘተባብዕ ከምዝኾነን፣ ማሕበራዊ ሕይወትን ሕውነትን ፍትሕን ዘማእከለ ከይዲ ዝተባብዕን እዩ። እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ድኽነትን ሕሱሙ ድኽነት ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዓለም ዝንበር ዘሎ ማሕበራዊ ስልቲ ዘስዕቦ ዘሎ ኩነት እዩ። ስለዚህ እቲ እንኽተሎ ማሕበራዊ ሕይወት ብወንጌል ክስበኽን ሕይወትን ፍትሕን ማዕርነትን ምትሕልላይን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝንበሮ ክኸውን ይግባእ። ቅዱስ ኣቦና ናብ ሕዳሴ ማሕበራዊ ሕይወትን ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያንን ዝመርሑ ምዃኖም ብፁዕነቶም ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ቀዳማይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላቲን ኣመሪካዊ ከምዝኾኑ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ጠቒሶም ናይ ድኻታት ር.ሊ.ጳ. ዝብል መጸውዒ እውን ይወሃቦም ኣሎ ኢሎም።
ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት መፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናንን ቤተ ክርስቲያን ምዃን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣውን እንታይ ምዃኑ ክግንዘቡ ወንጌል ዘለዎ ማእከላዊ ስፍራ ከስተውዕሉን ወንጌል ክነብሩ ይግባእ፣ ቅዱስ ኣቦና ብቓልን ሕይወትን ነዚ እዩም ዘተሓሳስቡ ዘለዉ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.