2013-08-01 15:21:52

ርእይቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሓላፊ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ፍጻሜ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዕለት 29 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ናብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝነቐሉላ ነፋሪት ብሓባር ምሳኦም ምስ ዝተጓዕዙ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ተለቪዥንን ጋዜጣን ልኡካን ጋዜጠይናታት ነዘቕረብሎም ሕቶ ዝሃብዎ መልስታትን፣ ዘካየድዎ ዝርርብ ብሓቂ ኣብ ዓለም ዓቢይ ኣቃልቦ ተዋሂብዎን ብዝተፈላለየ መገዲ ይቃላሕ ከምዘሎ እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ተዋዛይነትን ቅንዕናን ፈታዊ ግልጺ ኣዘራርባን ዝነብርዎ ምሉእ ነጻነት ብሓቂ ንመላእ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ዘደንጸወ ኮይኑ ከምእተረኽበን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ሕትመት ክፍልን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬላ ቸራዞ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ “ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስ ጋዜጠይናታት ዘካይድዎ ዘተ ንዓይ ዝተንከፈኒ ድሕሪ እቲ ናይ ሓደ ሰሙን ጽዑቕ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ነቲ ናይ መልሲ ናይ ነዊሕ ሰዓታት ጉዕዞ ነፋሪት ክገጥም ዝስምዖ ድኻም ፍሉጥ እዩ ነዚ ኩሉ ግምት ከይሃቡ ምስቶም ጋዜጠይናታት ዘረባ ከካይዱ ስንዱው ኮይኖም ምርኻቦም እዩ። ካብቶም ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ግልጽነትን ቅንዕናን ምሉእ ቅሩብነት ብዘለዎን ብዘዕግብን ኣግባብ መልሲ ሂቦም፣ ሓቂ ምዝራብ ከፍርሓና ከምዘይብሉ ዝመስከረ ሃናጺ ኩነት እዩ ኔሩ” ኢሎም።
ንገለ ገለ ሕቶታት ዝሃብዎ መልሲ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ዓለም፣ ህዳሴ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝብል ርእይቶን ትንታነን ይህብሉ ኣለዉ ኮይኑ ግን ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተዃላፊ ከይዲ የሎን፣ ቅጻልነት እንተዘይኮይኑ፣ ስለዚህ ብዛዕባ ማዕርገ ክህነት ንደቂንስትዮ ምፍቃድ ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶን ቤተ ክርስቲያን እውን ዘዕግብ መልሲ ዝሃበትሉ እዩ ስለዚህ ዝተዓጽወ ሕቶ ምዃኑን ብኻልእ መዳይ እውን ብዛዕባ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ንዝቐረበሎም ሕቶ ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መዝገብ ዝተወከሰ ዝሃብዎ መልሲ ዘዕግብ እዩ፣ ብዛዕባ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ኣስተምህሮን ፈታው ድኻታት ብምዃኖም ብዙሓት ብኣኦም ዝማርኹን ክርስቶስ ናይ ሕይወትኩም ማእክገል ግበሩ ዝብል ቃልን ተግባርን ኮይኑ እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ ዝብልን፣ ብምስጢረ ንስሓ ናብ እግዚኣብሔር ንቐርብን እግዚኣብሔር ሓጢኣትና ዝምሕር ፍቕሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓጢኣትና ዝርስዕ ፍቕሪ እውን ምዃኑ ነረጋግጽ፣ ብዙሕ ግዜ ናይ ካልኦት ክፍኣትን ሓጢኣትን ምምልካት ዝተለምደ እዩ፣ ነዚ ግን ቅዱስ ኣቦና ኣነ መን እየ ዝፈርድ ብዝብል ናይ ሕቶ ቃል ምልሲ ሂቦም፣ ስለዚህ እዚ ምስጢረ ንስሓን ግብረ ምጥዓስን ብምልኣት ዘረድአ መልሲ ዝስምዕሉ ኩነት ከምዝነበረ ኣባ ሎምባርዲ ካብ ዝሃብዎ መልሲ ክፍለጥ አኻኢሉ ኣሎ።
ቅዱስ ኣቦና፦ “ንመንእሰያት ምስጋና ይኹኖም ክርስቶስ ሓድሽ ጽድያ ዓለም የሰናድው ኣሎ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣደጊፎም ኣባ ሎምባርዲ እንክትንትኑ፣ ጽድያ ለውጥን ሕዳሴ ኣብ ቀጻልነት ማለት እዩ እዚ ክህሉ ዝገበሮ ድማ ድልውነት መንእሰይ ምዃኑን፣ ካብ ፖለቲካዊ ርእዮት ዓለም ወይ ድማ ስነ ሓሳብ ናጻን ብዝኾነ ይኹን ፖሊቲካዊ ዓይነት ጽንሰ ሓሳብ ኣእምሮኡ ዘይተሓጽበ መንእሰይ እቲ ኩሉ ባዕሉን ብፖለቲካዊ ከይዲ ሓድሽ ዓለም ክሃንጽ ይከኣለኒ ዝብል ዝነበረ ወለዶ ተለዊጡን ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ ምትእምማን ኣብ ወዲ ሰብ ፍጹም ከምዘይኮነ ዘረድአ ሓሳብ ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም ኣስዒቦም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእሳ ክትተርፍን ኣብ ገዛእ ርእሳ ውካሴ ክህሉ ትዕድም ዘይኮነስ ንዓለም ክፍቲ ዝኾነት ልእኽቲ ወንጌል ምዃና ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘካይድዎ ናይ ብራዚል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ሱታፌ የረጋግጸልና ኩሉ ናይ ሰብኣዊ ሕቶ መልሲ ኣብ ኢየሱስ ከምዝኾነን፣ ቅዱስ ኣቦና ምስ መንሰያት ዘካይድዎ ርክብን ዝሃብዎ ስልጣናዊ ምዕዳንን ዘቕረብዎ ስብከታትን ዘካይድዎም ርክባትን ናይ ሕይወት ማእከል እቲ ንድኻታትን ዝተነጸሉን ዘቐድም ክርስቶስ ናይ ሕይወት ሰብ ማእከል ክኸውንን ንዝሳቐዩን ዝትናዕቁን ድኻታትን ሕዙናትን ኣብ ምቕዳም ምትጋህ ዘለዎ ኣገዳስነትን ሕጹጽነት ዘቃልሕ ምዃኑ ገሊጾም፦ “ተራ ደቂንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንታይን ከመይን ምዃኑ ዘይትፈልጥ ቤተ ክርስቲያን ነታ ኣብ ጽርሃ ጽዮን ምስ ደቀ መዛሙርቲ ዝነበረት ህላዌ ማርያም ዘይትርዳእ ቤተ ክርስቲያን እያ፣ ገዛእ ራእሳ ንመኻንነት ኣሕሊፋ እትህብ ቤተ ክርስቲያን እያ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሃሳብ እቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ማርያማዊ መንፈሳውነት ዝተነብሮ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፣ ሰለዚህ ቤተ ክርስቲያን ፍርያማን ቤተ ተስፋን ኣብ ዓለም ዘብላ እቲ ክርስቶስ ማእከል ዝግበር መንፈሳውነት ማርያም ምዃኑ ዘነጽር እዩ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.