2013-07-31 08:57:00

ሰንበት ዘመብረቕ 2005 ዓ.ም. (07/28/2013)


መዝሙር፡ በቀዳሚ ገብረ . . . . . . ።
ንባባት፡ ገላ 3፡23~29፥ 2ጴጥ 2፡1~9፥ ግ.ሓ. 17፡21~ፍ፥ ሉቃ 9፡18~22።
ምስባክ፡ ዘያበቁል ሣዕረ ለእንስሳ፥ ወሓመልማለ ለቅኔ እጓለ እምሕያው፥ ከም ያወጽእ እክለ እምድር። “ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ክርከብ፥ ንእንስሳ ዝኸውን ሣዕሪ ዘብቁል፥ ንጥቕሚ ሰብ ከአ ተኽሊ አብቆልካ” መዝ. 14፡14~15።
መዝሙር፡ አብ መጀመርያ እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ፈጠረ ብሰንበት ንኹሉ ፈጢሩ አዕረፈ፥ ንኖኅ እትድሕነላ መርከብ ሥራሕ፥ ንምድሪ እንደገና ብማይ አይኂ ከየጥፍአ አነ ምሳኻ ንዘለዓለም ኪዳን ኪአቱ እየ። ንምድሪ ሣዕርን ጠለትን ክረምትን ሓጋይን ዘርእን ፍረን ክህባ እየ። እዚ ኸአ እዩ ጸጋ እግዚአብሔር ንሱ ነቲ ዝበሎ ቃል አይጠልምን እዩ።
ሰብ ዝኸብር መንነቱ ክኸብር እንከሎ ጥራሕ እዩ። እንታይነቱ መንነቱ ዝተጋህሰ ሰብ ንመሰሉን መንነቱን ክብል ዋጋ ሕይወቱ ይህብ። አብ ብዙሓት ሃገራት ሰባት መንነቶም ምስተ ጋህሰ አንጻር ጭቆና አንጻር ዓመጽ ይዕጠቑ እንተ አድለየ ዋጋ ሕይወቶም ይኸፍሉ። ሰብ ከም ሰብ ምዃኑ ተዘንጊዑ አብ ደረጃ እንስሳ ክርአ እንከሎ ዘመን ጊላነት ንብሎ፥ እዚ አብ ታሪኽ ዝኸፍአ እዩ። ሎሚ እውን አብዚ ዓለም አብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሓትሉ አብ ዘላ እዋን ብዝተፈላለየ መገዲ መንነት ሰብ ተተንኪፉ ጎዲሉ ሰብ አብ ደረጃ እንስሳን አቕሓን ወሪዱ ይርአ አሎ። እዚ ኹሉ ዝሕብረና መንነት ሰብ ክብሪ ሰብ መልክዑ ስለ ዝተነፍጎ እዩ።
ኢየሱስ ሓዋርያቱን እቶም ዝአምንዎ ኩሎም መን ምዃኑ ፈሊጦም ክቕበልዎ ኢሉ መን ምዃኑ ክፈልጡ ኢሉ ሓቲትዎም። ንሱ አምላኽ እንከሎ ከማና ሰብ ኮይኑ ብኹሉ ብዘይ ኃጢአት ንአና ዝመሰለ እዩ። መን ምዃኑ ምስ ፈለጥናዮ ጥራሕ ኢና እንሰምዖን ድላዩ ክንገብር እንኽእልን። ናይ ክርስቶስ እንታይነት ንተፈጥሮና ሓቀኛ መልክዑን ክኸዶ ዝግብኦ መገድን እዩ። አነ መገድን ሓቅን እየ እናበለ መንነቱ ገሊጹልና። ንሱ አፍደገ ሰማይ ክኸፍተልና ከማና ኮይኑ። አብ ሰማያዊ ቤትና ክንአቱ ናቱ መገዲ ምስ እንኽተል ጥራሕ እዩ። አብ ካልእ እናጠመትና ክንክተሎ አይንኽእልን ኢና። ነዚ ከብርሃልና አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ መን ምዃኑ ይነግረና።
ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ንኢየሱስ ክንአምኖ ክንቅበሎ ክንክተሎ ንሱ መን ምዃኑ ክንፈልጥ ከምዝግብአና ይሕብረና። አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ንሓደ እትስዕቦ አበይ ገጹ ከምዝኸይድ ከይፈለጥካ አይትኽተሎን ኢኻ። ገለ ውሑዳት ሰባት ወላ አይፍለጡ አበይ ገጾም ከምዝኸዱ ከየስተውዓሉ ሱቕ ኢሎም ዝኽተሉ አለዉ። አብ ናይ ፖሎቲካ ዓለም መብዝሕትኡ ብስምዒት እዩ ዝኽተል። ንሓሶት ሓቂ አምሲሎም ይነግሩ ሰባት ክሳብ አብ ሕይወቶም ዝመጽኦም ዝኽተልዎ አይፈልጡን እዮም፥ አብ መጨረሽታ አታሊሉና ወይ አታሊሎምና ዝብሃል ዘረባ ይመጽእ። አብ ተመክሮ ከም እንዕዘቦ ምስ ሰባት አብ መንጎ ብሓንሳብ አብ ዘሎናሉ ጊዜ ምልአት ሓጎስ ዋሕስ ይስምዓና። ሓዋርያት ስድርኦም ንብረቶም ሓዲጎም ንኢየሱስ አብ ዝሰዓቡሉ እዋን እዚ ስምዒት እዩ አብኦም ነሩ። ንኢየሱስ ብምስዓቦም አብ ሕይወቶም ፍሉይ ዕግበትን ተስፋ ሂብዎም ነሩ። ኢየሱስ በቲ ዝብሎ ዝገብሮ ዝነበረ ኩላቶም ዕጉባት ስለ ዝነበሩ ተኸቲሎሞ እምበር ከምኡ እንተ ዘይከውን አይምሰዓብዎን።
ኢየሱስ አብ ሕይወት ሰባት ምስ አተወ ተስፋ፥ ሓዲስ ሕይወት ይህብ። ንሱ አብ ሕይወትና ክነእትዎ ክንቅበሎ ምስ ከአልና አብ ሕይወትና ሓደ ለውጢ የምጽአልና። ሰባት አብ ሕይወትና ዓቢ ጽልዋ እንተ ገበሩልና ብዛዕብኦም ክንፈልጥ ክንግደስ ንግደድ። ብዙሓት ኢየሱስ አብ ሕይወቶም ስለ ዝተንከፎም ብዛዕብኡ ክግደሱ ክስዕብዎ ንሱ መን ምዃኑ ክፈልጡ ደልዮም። በቲ ንሱ አብ ሕይወት ሰባት ዝገበሮ ንሱ አብ መንጎኦም ምስ ሃለወ ዘምጽኦ ፍሉይ ነገር ሰባት መንነት ኢየሱስ ክሓቱ ኽፈልጡ ግድን ኮይኑ። እዝስ መን እዩ። ዮሓንስ መጥምቕ ከይተረፈ መን ምዃኑ ክፈልጥ ሓቲቱ፥ መራሕቲ ሃይማኖት አማሓደርቲ ሃገር መን ምዃኑ ክፈልጡ ሓቲቶም። ጲላጦስ ንስኻ መን ኢኻ ኢሉ ሓቲትዎ፥ እዚ ኹሉ በቲ ኢየሱስ አብ ሕይወት ሰባት ዝገበሮ ጽልዋን ዘርአዮ ፍሉይ ምዃኑ ካብ ካልኦት ዘምጽኦ እዩ። ሰባት አብ ሕይወቶም እንተ ዘይተንከፍናዮም ክዝክሩና አይክእሉን እዮም። አብ ሕይወቶም እንተ ተንከፍናዮም ግን ኩሉ ጊዜ ይዝክሩና። ኢየሱስ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ዝብሎ ዝነበረ ክዝከር ግድን እዩ። ኢየሱስ አብ መስቀል እንከሎ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ክመውት ምስ ረአዮ ንኹሉ ርእዩ እዚስ ብሓቂ ወዲ አምላኽ ነሩ እዩ ኢሉ ተዛሪቡ። ልቡ ተተንኪፉ ኢየሱስ መን ምዃኑ በቲ ዝረአዮ ክፈልጥ ክኢሉ። አብ ቅድመና እንታይነት አምላኽ ዝገልጽ እንተ ረኤና ክንቅበሎ ክንርድኦ የድልየና።
ቅ. ሉቃስ አብ ሓደ ዓቢ ነጥቢ ከእትወና ኢሉ ብዛዕባ መንነት ኢየሱስ ክገልጸልና ኢሉ አብ ቂሳርያ ፍሊጶስ አይሁድን አረማውያንን ብሓደ ተሓዊሶም አብ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝነበሩ ነዚ ሕቶ ሓቲቱ። ኢየሱስ ነቲ ሕቶ ብዛዕባ መን ምኻኑ ዝገልጽ ባዕሉ እዩ ዝጅምሮ እምበር ሓዋርያት ወይ ካልኦት ሰባት አይኮኑን ዝሓተትዎ። ስለዚ ርኢቶ ሓዋርያቱ ክፈልጥ ኢሉ ሰባት መን እዩ ይብሉኒ እናበለ ሓቲቱ። ከምዚ ዝአመሰለ ሕቶ አብ ገለ እዋን ከቢድ እዩ ምኽንያቱ እቲ ንስኻ እትሰምዖ መልሲ ምስቲ ንኻ ክትሰምዖ እትደሊ ብሳሕቲ ክመሳሰል ይኽእል እዩ። ዝተፈላለየ መልሲ እዮም ሂቦሞ፥ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ ካብ ሞት ተንሢኡ ይብሉኻ፥ ገለ ኸአ ኤልያስ ነብይ፥ ገለ ኸአ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነብያት ከምዝኾካ እዮም ዝሓስቡ ኢሎሞ። እቲ ህዝቢ ኢየሱስ ሓደ ካብቶም ዝሓለፉ እሞ ዝተመልሰ ኮይኑ እዩ ዝርአዮም ነሩ ከምዚ መበሊኦም ከአ ናይ መስሕ ምምጻእ ከምዝቐረበ ገሮም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ ነጻነት ካብ ሮማውያን ክህቦም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ስለ ዝነበሩ እዩ። ርኢቶ ህዝቢ ዘየዕግብ ምስ ኮኖ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክሓቶም ደልዩ፥ “ንሱኹምከ መን እዩ ትብሉኒ’? እዚ ሕቶ ንሓዋርያት ከቢድ እዩ ነሩ። ጴጥሮስ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ ንስኻ ክርስቶስ እቲ መስሕ አምላኽ ኢኻ ኢልዎ (ክርስቶስ ማለት ቅቡእ ማለት እዩ) እዚ ብቋንቋ ግሪኽ ክርስቶስ ዝብል ብዕብራይስጢ መስሕ ማለት እዩ። ጴጥሮስ ብሓጺሩ ዝብሎ ዘሎ እዚ አብ ቅድመይ ዘሎ ሰብአይ እቲ ንዘመናት ዝተጸበይዎ መድኃኒ አይሁድ እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ ናይ ብሓቂ ሓዋርያት ብእምነት ክሳብ ክንደናይ ይዓብዩ ከምዝነበሩ እዩ ዝገልጽ። እንተኾነ አዕሚቕና እንተ ረአናዮ እዚ መልሲ ብዝያዳ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ዓወት እዩ ዘተኩር እምበር ብዛዕባ ስቓያትን ውርደትን አይዛረብን እዩ። ዘገርም ንሓዋርያቱ ነዚ ነገር ንኻልእ ከይነግሩ አጠንቂቕዎም። እንተ ኾነ ብርግጽ ንሳቶም ብአንጻሩ እዮም ገሮም። እንተኾነ እቲ ህዝቢ ነዚ ርድኢት አይበቕዐን ነሩ፥ ንሳቶም ድሩትን ብዛዕባ መስሕ ቅድሚኦም ዝነበረ አተሓሳስባን ጥራሕ እዩ ነርዎም። ንሳቶም ብናይ ፖልፕቲካዊ አተሓሳስባ ጥራሕ እዮም ርእዮሞ። ካብ አርዑት መግዛእቲ ነጻ ዘውጽኦም እሞ ነጻ ዝኾነ መንግስቲ አይሁድ ዝምስርተሎም እዮም ዝጽበዩ ነሮም። ድሕሪ ትንሣኤ ከይተረፈ አብ ግ.ሓ. 1፡6 ከም እንርእዮ ሓዋርያት እውን “ጎይታ አብዚ ጊዜዚ ዲኻ ንእስራኤል መሊስካ መንግስቲ እተቑመላ” እናበሉ ክሓትዎ ንርኢ። አብዚ ካብቲ ናይ ህዝቢ አተሓሳስባ ዘይተፈለ ከምዝነበሮም ንዕዘብ። አብ ወንጌል እዚ ዓይነት አተሓሳስባ ምስ ረአየ እዩ ቀልጢፉ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ክዛረቦም ዝጀመረ። ንሱ መን ምዃኑ ክገልጸሎም እንከሎ ክሳቐ ክመውት ምዃኑ ገሊጽሎም ብሓቂ ክቕበልዎ ከቢድ ነገር። ሕጂ እውን እቲ ብዓቢ ትብዓት ንስኻ መስሕ ኢኻ ዝብል ዝነበረ ጴጥሮስ እዝስ አይውረድካ ኢሉ ክመክርን ክግስጽን ንርእዮ። ሓለቓ ሓዋርያት ናይ ቤተ ክርስትያን መሰረት ኪድ ርሓቕ ሰይጣን ክብሎ ንሰምዕ። እቲ ኢየሱስ ዝበሎ ጨሪሹ አንጻር ትጽቢቶም ስለ ዝነበረ ክቕበልዎ ከቢድዎም። እዚ ዝበሎም አብ ርድኢቶምን ትጽቢቶምን ሓንቲ ቦታ አይነበሮን፥ መጀመርያ ኢየሱስ ከም መስሕ ክክሓድን ብመራሕቶም አሕሊፎም ክህብዎን እዩ፥ ካልአይ ጨካን ዝኾነ ውርደትን ስቓይን ዝመልኦ ሞት ክመውት እዩ፥ ወላ እኳ ብሳልሳይ መዓልቲ ዝትንሥእ ይኹን ሓንቲ ትርጉም አይህቦን እዩ ንርድኢቶም።
ቅዱስ ማርቆስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ ምስ ኢየሱስ ዝነበሮም ርክብ እናዓበየ ከምዝኸደ ገሩ ይገልጾ። መስሕ ከምዝኾነ ከለልይዎ ጀሚሮም እንተኾነ እንታይ ዓይነት መስሕ ከምዝኾነ ክምሃርዎ አለዎም፥ ንሱ ከመይ ገሩ እዩ ነጻ ዘውጽኦም ካልእ አርእስቲ እዩ ከምቲ ንሶም ዝፈልጥዎን ዝርድእዎን አይኮነን። ንሱ ንአታቶም ጥራሕ ነጻ ዘውጽእ ዘይኮነ ንኹሉ ዓለም ነጻ ዘውጽእ እዩ።
ንሕና እውን በዚ ዓይነት ጉዕዞ ክንከይድ አሎና። ብዛዕባ መንነት ኢየሱስ ዘሎና ርድኢት ክነዕምቖ አሎና። ሞትን ስቓይን ኢየሱስ ምስ አምላኽ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት እውን ዕርቂ ፈጢሩልና እዩ። ሞትን ስቕይን ኢየሱስ እምብአር ብፍሉይ ክንርድኦን ክንፈልጦ ብአኡ አቢልና ትርጉም ስቓይ ክንርዳእ አሎና። ኩሉ ስቓይ መቕጻዕቲ አይኮነን ስቓይ አብ ትንሣኤን ዓወትን እውን የብጽሕ እዩ።
ክትሳቐ ምድላይ፡
ብዙሓት ንሳቓይ ካብ ሕይወቶም ካብ ዘረብኦም ካብ ኩሉ ክአልይዎ እዮም ዝደልዩ። ኢየሱስ ግን ንሳቓይ ናይ ሕይወቱ ማእከል ይገብሮ። ንሓቂ ክሽፍና ክኸውላ አይደልን እዩ። ንተኸተልቱ ብሓሶት ዘይከውን ተስፋ እናሃበ ከታልል አይደልን እዩ። ብሓሶት አብዘይ ጭቡጥ ተስፋ ክነብሩ አይደልዮምን እዩ። አብ ናይ ፖሎቲካ ዓለም ብሓሶት ንሰባት አታሊልካ ክሳብ ዝጥዕመካ ምትላልል ልሙድ እዩ። አብ ምርጫ ዝአትዉ ተወዳደርቲ ምስ ተመረጽኩ እዚ ክገብር እየ እዚ ክልውጥ እየ እናበሉ ንህዝቢ ብናይ ጥርሑ ዝኾነ ተስፋታት ከም ዝምረጹ ይገብሩ ምስተመርጹ ወላ ሓንቲ ካብቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ዝገብር የለን። ናይ ኢየሱስ ነገር ግን ከምኡ አይኮነን። ክስዕበኒ ዝደሊ መስቀሉ ጸሩ ይስዓበኒ፥ ተኸተልተይ እንተ ኾንኩም ነነድሕድኩም ተፋቐሩ፥ ናተይ እንተ ኾንኩም ዓለም ክጸልአኩም እዩ እናበለ አብሪሁ ተዛሪብዎም። ኢየሱስ እምብአር አብቲ ድላይ አርድእቱ መሰረት ገሩ ንሱ እንታይ ከምዝደሊ ነጊርዎም። ንኢየሱስ ክትክተል ፈሊጥካ አስተውዒልካ ምስዓብ ከምዘድሊ ይነግር። አርድእቲ ክርስቶስ መለለዪ መንነቶም ነቲ አሚኖም ዝተቐበልዎ አብ ግብሪ ንአኡ ክትግብሩ እሽትኦም ክገልጹ ከለዉ አብዘርእይዎ ዋጋ እዩ ዝምስረት።
ሓዋርያት ንኢየሱስ ይኽተልዎ ነሮም እዚ ኸአ መርአያ ናይ እቲ አብኦም ዘሕደሮ ጽልዋ ምልክት እዩ። ሓዋርያት ንሓደ ብመደብ ክመውት ዘለዎ አይኮኑን ዝስዕቡ ዝነበሩ ንሳቶም ዓያሹ ሱቕ ኢሎም ምስ ዝነፈሰ ዝኸዱ አይኮኑን። ንሳቶም ምስ ሓደ ከምዘየታልሎም ዝአመንዎ እዮም ዝስዕቡ ነሮም። ምስ ሓደ ንሓቂ ዝኾነ ነገር ብዓቢ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝገጥም እዮም ዝስዕቡ ነሮም። ዝኾነ ንፍቕሪ ኢልካ እትገብሮ ተዋፋይነት ንስቓይ ክትቅበል ፍቓደኛ ምዃን እዩ ዘስምዕ። እዚ ዓይነት ተወፋይነት እዩ ሎሚ እውን ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍ ዝኸተሎ ክገብሮ ዝደሊ።
ሎሚ ኢየሱስ ክፍለጥ ክልለ ይደሊ አሎ። ዓይንና ብዝተፈላለየ ነገር ተሸፊኑ ምርአይ ስኢና አብ ጸልማት እንነብር ውሑዳት አይኮናን። ሎሚ ንጸልማት ቀንጢጥና አብ ብርሃን ክርስቶስ አቲና ነለልዮ እሞ መስቀልና ጸርና ንዝኾነ ዝጓነፈና ፈተና አሸኒፍና እሙናት ተኸተልቲ ክርስቶስ ንኹን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.