2013-07-30 16:05:22

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብፁዓን ጳጳሳት ንሕዝቢ ቀረባ ድኽነትን ምሕረትን ዝነበሩ ይኹኑ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝወከል ካብ ዕለት 29 ሐምሌ ክሳብ ዕለት 2 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ደ ጃኔይሮ ኣኼባ ነዘካይዱ ዘለዉ ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ኣወሃሃዲ ተቐቢሎም፦ “ብፁዓን ጳጳሳት ንሕዝቢ ቀረባን ዘይዕብልል ዘይውንን ናይ ገዛኢ መንፈስ ዘይብሉን ስነ ኣእምሮእዊ መሳፍንትነት ዘይስምዖም ንሕዝቢ ቀረባ ዝኾኑ ጓሶት ክኾኑ ይግብኦም” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝገለገሱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ኣመልኪቶም፣ ብዛዕባ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ህሉው ዓለም ኣገዳስነት ናይ ዘተ ባህልን እቶም ክልተ ዝዓበዩ ብዶሆታት ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ከምዝኾኑ ኣብቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ተረኺቦም ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮም፦ “ምልዋጥ ኣብ ወንጌል ብዘይ ቅድመ ኵነት ምእማን ዝብል ቅድመ ኩነት ዘለዎን ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝእውጅን ኣብቲ ብትንሳኤኡ ትንሳኤ ዓለም ዘበሰረን በቲ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ክፍኣት ዕዉት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ህላዌን መርሕነት ቅዱስ መንፈስን ኣብታ ኣካሉ ዝኾነት ናይቲ ትስብእቱ ጭቡጥ መቐጸልታ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እምነት ምንባር ማለት እዩ” ምስ በሉ ናይ ሕልና መርመራ ክገብሩን ተራ ኣመሓደርቲ ኮይኖም ከይተርፉን እቶም ርሒቖም ዝነብሩ ደቂ እግዚኣብሔር መታን ክምለሱ ናይ ምሕረት ጓሶት ክኾኑን ኣብዚ መዳይ ዓለማውያን ምእመናን ዘብይዕብልልን ብዘይገዝእን መንፈስ ክሳትፉ ከተባብዑን ብኻልኣ ደረጃ ድማ ዘተ ማለት ምስ ዓለም ክዝትዩን ናይ እዋናዊ ሰብ ሕቶ ህላዌ ጽን ክብሉን እዋናዊ ቋንቋ ተገንዚቦም ብደገፍ ወንጌልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርትን ተደጊፎምን ናይቲ ስሉጥ ለውጢ መጋበርያ ክኾኑ ከምዝግብኦም እንከመልክቱ፦ “ኣብቲ ድሩት ባህሊ ተሓጺርና እንተድኣ ተሪፍና እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኢና እነወግድ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ስፍራ እዩ ዘሎ፣ ስለዚህ ናይ ዝኾነ ይኹን ባህልን ቋንቋን ተጠቂምና ከነበስሮ መታን ንኣኡ ምርካብ ግድን እዩ” ከምዝበሉ ፓውሎ ኦንዳርዛ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ምሕረት ኣምላኽ ዘጋጥሞ ፈተና ብምምዝዛንን ብጥበብን ገጢምካ ዝስገር ምዃኑን እቲ ወንጌል ስነ ሓሳባዊ ዝገብርን ወንጌል ናብ ማሕበራውነት ዝነኣእስን ቀጥዒ ኣልቦ ዕዳጋን ማርክሳዊ ውዳቤ ዝኽተል ዕዳጋን ስነ ኣእምሮኣዊ ስነ ሓሳብ ስርጸትን ምስ ኢየሱስ ዝግበር ርክብ ዝነኣእስን ኢፈላጥነትን ዘቕርቦም ሓሳባትን ልዑላን ጉጅለን ብሉጻት ካቶሊካውያንን ናጻ ናይ ሰብ ፍቓድ ድላይ ዘወግድ ኣመለኻኽታ ዘቕርቦ ሓሳብን ክህነታውነትን ቤተ ክርስቲያን ከም ሓደ ትካል ናይ ማሕበራዊ ግብረ ሰናይ ዝጥምት ፈተናታት ዘበሉ ኩሉ ዘርዚሮም፦ “ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝተጠቕሱ ስነ ሓሳባትን ርእዮተ ዓለምን ክትስዕብ እንከላ ካብ ኣገልጋሊት ናብ ተገልጋሊት ትቕየርን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መርዓት ካብ ምዃን ተቛርጽ” ልኡካነ ወንጌል ሎሚ፦ “ኣብ እዋናዊ ዝተረጋገጸ ኩነት ምስ እግዚኣብሔር ምጉዓዝ ማለት እዩ፣ ስለዚህ ዘለኣለማዊ ሕይወት ኣብ ሎሚኣዊ ምንባር ሎሚ ናይቲ ዘለዓለማዊ ብልጭታ ክኸውን ከምዘለዎ ዘበስርን ናብ እምነት ዝመርሕን እዩ” ቀጺሎም ልኡካነ ወንጌል ናብቲ ናብ ደረት ሰገር ርክብ ዘምርሕ ንኢየሱስ ወይ ድማ ነቲ ወንጌል ዘቕርበሉ ሕዝቢ ዝምልክት እምበር ገዛእ ርእሱ ማእከል ኮይኑ ዝነብር ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ማእከል እቲ ዝእውጆን ዝጽልዮን ኢየሱስ ዝገብር ክኸውን ከምዘለዎን ቅዱስ ኣቦና ምስ ኣተሓሳሰቡ፦ “ብፁዓን ጳጳሳት ድኽነት ዘፍቅሩን ውሳጣውን ደጋውን ድኽነት ዝነብሩን ይኣኽለኒ ዝብሉን በቲ ግቡእን መሰረታዊ ኣድላይነት ብዘለዎ ጥራሕ ዝነብሩን ላዕሊ ላዕሊ ዝጥምቱ ዘይኮነስ ናይታ ህልውቲ ቤተ ክርስትያን መራዑ ኮይኖም ክነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.