2013-07-28 10:01:11

መበል 28 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ፡


እቲ አብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ብራዚል ዝሐለፈ ሰሉስ ዝተጀመረ መበል 28 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ብጽቡቅ አገባብን ብዝተሐንጸጸ መደብን ይቅጽል አሎ ።
ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ አብ መላእ ዓለም ዘለዉ ካቶሊካውያን መንእሰያት ምእንቲ ክራኸቡን እምነተ ብሐባር እምነተ ሃይማኖኖቶም ከሐድሱን ከደልድሉን ብ1987 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ከም ዝጀመረት ይዝከር ።እዚ አብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ዚካየድ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት”ዚ መበል 28 ከም ዝኾነ ይዝከርን ይፍለጥን ። ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አብ ክፍለ ዓለም ላቲን አመሪካ ክካየድ እዚ ካልአይ ግዚኡ ከም ዝኾነ ይዝከር ።አብ ውሽጢ 28 ዓመታት ብዘይካ አብ ክፍለ ዓለም አፍሪቃ አብ አርባዕቲኤን ክፍላተ ዓለማት ተኻይዱ ።ቅድሚ”ዚ አብ ሪዮ ዞካየድ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አብ ኤውሮጳ እስፓኛ ርእሰ ከተማ ማድሪድ ተኻየዱ ኔሩ ።
እዚ ከምዚ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ንግሆ በቲ መርሀ መደቦም መሰረት ትማሊ አብቲ አዕሪፎምሉ ዘለዉ አብ ሱማሬ ቤተ ሊቃነ ጵጵስና ሪዮ ዚርከብ ቤተ ጸሎት አባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን አብ ዝተረኽብሉ ቀዲሶም ።ትማሊ ቤተ ክርስትያን አቦን አደን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲት አምላኽ ያቄምን ሃናን ትዝከረሉ ዕለት ስለ ዝነበረ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብዚ ብምምርኳስ ከም ዝሰበኹ ክምልከት እንከሎ አባሐጎታትን አደዓባታትን ልቦና ብልሃት ፍልጠት ዘውርሱ ናይ ሕብረተ ሰብ ጥዕም ወይኒ ከም ዝኾኑ አመልኪቶም። ሃናን ያቄምን ወዲ ጓሎም አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ወዲ ሰብ አብ ዘካየዶ መስርሕ ዓቢ ጊደ ከም ዝነበሮም ጠቂሶም ፡ ንሳቶም ወዲ ጓሎም አብ ሕይወቱ ዕዉት ክኸውን ተመንዮምሉ ባህርያዊ ኢዩ ብትሕትና ክአ ኩል ሰናይ ተመንዮምሉ ቅዱስ መጽሐፍ ከም ዝነግረና መንፈሳውያን አርሒቆም ዝርእዩ ንዓለም ንክርስቶስ ዘውረሱና ከም ዝኾኑ ክአ አገንዚቦም። ዓበይቲ ሽማግለታት ነቲ ድሕሪኦም ዘሎ ትውልዲ ሰላም ሰናይ ከውርሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ይባርኮም ብማለት ክአ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ካብቲ ቅዳሴ ዝተኻየደሉ ቦታ ካብ ሱማሬ ዝመጸና ዜና ሐበሬታ ሂቡ ። ድሕሪ ሥርዓተ ቅዳሴ ናብቲ ዓሰርተ ትሽዓተ ኪሎሜትር ርሒቁ ዝርከብ Quinto da Boa Vista ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ፓርክ መናፈሻ ቤተ መዘክር፡ ናይ ጥንታዊ ሀገራዊ ታርኽ ስነ ጥበብ ስነ-ፍልጠት ቤተ መዘክር ተጓዒዞም ንዓሰርተ ክልተ መንአስያት ሚስጢረ ንስሓ ሂቦም ማለት አናዚዞም ።ብድሕሪኡ ብሪዮ ሰዓት አቆጻጽራ ረፍዲ ሰዓት ዓሰርተ ሐደን ፈረቃን ንቤተ ሊቃነ ጳጳሳት ሪዮ ተጓዒዞም አብቲ አዳራሽ ካብ ቤት ማሕቡስ ምስ ዝመጹ መንአስያትን ነዚ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ምስ ዘዳለወ ብሳላሳ ሰባት ዝቆመ ኮሚቴን ተራኺቦምተዘራሪቦም። ፍርቂ መዓልቲ ክአ ብሰገነት ቤተ ሊቃነ ጵጵስና ተቀልቂሎም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ከም ዝደገሙ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብኡ አብ ቤተ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ክሳተፉ ሪዮ አብ ሪዮ ዝርከቡ ካብ ሐሙሽቲኤን ክፋለተ ዓለም ዝተውጽኡ 12 መንእሰያት አብ ሥርዓተ ምሳሕ ተሳቲፎም።አብዚ ሥርዓት”ዚ ናይ ሪዮ ደ ጃነይሮ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ጀዋው ተምፐስታን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ተሳቲፎም ከም ዝንበሩ ይምልከት ።ድሕሪ ምሳሕ ናብቲ አዕሪፎምሉ ዘለዉ ሱማሬ ከም ዝተመልሱን ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ክአ ብናይ ሪዮ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሐሙሽተን ዕስራን አብ ሮማ ለይቲ ሰዓት ዓሰርተን ዕስራን ናብቲ ብክልተ ሚልዮን ዝግመቱ መንእሰያት ዓለም ዝርከብሉ አብ ደቡባዊ ሪዮ ዝርከብ ኮፓካባና ዝተብህለ አርባዕተ ኮሎሜትር ዝንውሐቱ ገምገም ባሕሪ ተጓዒዞም ምስ ዓለም ለኸ መንእሰያት ተራኺቦም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጀመሪ ፍኖተ መስቀል ሥርዓተ ጸሎት መሪሖም ንመንእሰያት ክአ ዲስኩር ጌሮም ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፡ ዝተፈኹሙ መንእሰያት ሎሚ ናብዚ ዘምጽአና ዓቢ ምኽንያት ጉዕዞ ስቅያትን ፍቅርን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዝክርን ክነስተንትን ኢዩ ። እዚ እነካይዶ ፍኖተ መስቀል መትኒን ማእከልን ዕለተ መንእሰያት እዩ ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ከምቲ ትዝክርዎ ነዚ ዕለተ መንእሰያት”ዚ ከም ዝጅመር ዝገበሩ ብፅዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ኢየሱስ መስቀል ምልክት ፍቅሪ ንፍጥረት ሰብ ዝሀቦ ኢዮሞ አብ መላእ ዓለም ከም ዝበጽሕ ግበርዎ ብኡንኮ ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ድሕነት ከም ዝርከብ ክአ ንኹሉ ሰብ ንገሩ ሐደራ ኢሎምኹም ኔሮም ብማለት አዘኻኺሮም። እምብአር ከስ ሎሚ ምሸት ሥርዓተ ፍኖተ መስቀል ከም እነካይደሉ ግዜ አብ ልብኹም ስለስተ ነገራት ከንጸባርቃ አለወን እዚ ማለት ክአ ነቲ እነስዮ ጉዕዞ ስቃይን ፍቅርን መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ዓይነት አሰር ገዲፈሉ፡ እዚ ቅዱስ መስቀል”ከ ንዓይ እንታይ ገዲፉለይ እዚ መስቀል”ዚ አብ ሕይወትና ዝህበና ትምህርቲ እንታይ ኢዩ ኢልና ክንሐስብ ክንሰተንትን ንኢየሱስ ክርስቶስ ክንረክብ ክንጽሊ ትእዛዛቱ ክነኽብር ወትሩ ክአ ዘልዓለማዊ ድሕነትና ንሱ ከም ዝኾነ ክንርዳእ ክንዝክር ክንግንዘብ ይግብአና ኢሎም ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ትማሊ አብ ኮፓካባና ዝተኻየ ሥርዓተ ፍኖተ መስቀል አብ 900 ሜትር ዝንውሐቱ አብ 14 ምዕራፋት ብመንፈሳውነት ዝመልኦ አገባብ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ አሎ ። አብዚ ንሐደ ሰዓትን ርብዕን ዝተካየደ አብ ዓሰርተ አርባዕቲኡ ምዕራፋት ፍኖተ መስቀል ብናይ ብራዚል ፑኤርቶ ሪኮ መሲኮ አርጀንቲና ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ጀርመን ሥነ ጥበባውያን ዝተቀብኤ ንኢየሱስ ክርስቶስን ናይ ሕጂ ወለዶ መንእሰያትን ዘንጸባርቅ ከም ዝነበረ ይምልከት ። ድሕሪ ሥርዓተ ፍኖተ መስቀል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርንቸስኮ ምስ ን መንእሰያት ብራኼ ሂቦም ናብቲ አዕሪፎምሉ ዘለዉ ሱማሬ ተመሊስም። ሎሚ ረፍዲ ካብ ሱማሬ ንካተድራል ሪዮ ደ ጃነሮ ተጓዒዞም ሊቀ ቀጳስ ሪዮ ብፁዕ አቡነ ጀዋው ተምፐስታን ውሉደ ክሕነትን ተቀቢሎሞም ። ተሳተፍቲ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ጳጳሳት ካህናት መነኲስያት መነኮሳንን ተመሀርቲ ዘርአ ክህነትን አብ ዝተረኽብሉ መስዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም ። ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንመዘጋጃቤት ሪዮ ደ ጃነይሮ ከይዶም ምስ ናይ ብራዚል ሰበ ስልጣናት መንግስቲን ናይ ዲፕሎማሲ ሰባትን ወኪላት ቤርጌሳውያንን ባህልን ተራኺቦም። እቲ ርክብ ምስ ተፈጸመ ክአ ንቤተ ሊቃነ ጵጵስና ብምኻድ ምስ ናይ ብራዚል ረኪበ ጳጳሳት ተራኺብምን ብሐባር ክአ መአዲ ቀሪቦምን ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ርክብ ምስ ረኪበ ጳጳሳት ብራዚል ንሱማሬ ተመሊሶም ። ሎሊ ምሸት ብናይ ሪዮ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሾውዓተን ፈረቃን አብ ሮም ፍርቂ ለይትን ፈረቃን አብ ጓራቲባ እምነተ ሜዳ ጸሎተ ዋዜማ ቅዳሴ ከም ክመርሑ መደብ አለዎም።አብዚ ሥርዓተ ዋዜማ”ዚ ሕደ ሚልዮንን 800 ሺሕን መንእሰያት ከም ዝርከቡን ናይ ሪዮ ጠባይ አየር ሕማቅ ስለ ዘሎ አብ ጓራቲባ ብብዝሒ ዝናብ ጨቅዩ ከም ዘሎ ልዑካን ዜና አመልኪቶም አለዉ ናይ ሎሚ መደበ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍቭራንቸስኮ በዚ ክዛዘም ኢዩ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.