2013-07-24 09:36:20

ሐዋርያዊ ዑደት ር ሊ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ብራዚል ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቅንቸስኮ አብቲ አብ ብራዚል አብ ሪዮ ደ ጃነሮ ዚካየድ መበል 28 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ክሳተፉ ትማሊ ንግሆ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ነቂሎም።ናይ ቅድስቲ መንበር ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ መንግስቲ ኢጣልያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኤንሪኮ ለታን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን አብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ለኦናርዶ ዳ ቪንቺ ተረኺቦም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አፋንዮምዎም ጽቡቅ ጉዕዞ ክአ ተመንዮምሎም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ Airbus A 330 አሊታልያ መንገዲ አየር ጣልያን ኢዮም ተጓዒዞም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሐለፈ ወርሒ መጋቢት ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ዝስየሙ አብ ወጻኢ ሀገር ሐዋርያዊ ዑደት ክገብሩ እዚ ናይ መጀመርያ ግዚኦም ኢዩ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ መጀመርያ ላቲን አመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትከም ዝኾኑ ክዝከር ከሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ክአ አብ ብራዚል ንመጀመርያ ግዜ ዚከየድ ዘሎ ከም ዝኾነ ይፈልጥ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ንግሆ ሰዓት ሾሞንተን ሐምሳን ሰለስተን ደቂቅ ተጓዒዞም ብናይ ብራዚል ሰዓት አቆጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት አርባዕተ ብሰላም ሪዮ ዲ ጃነይሮ አትዮም። ርሕቀት ሮማ ሪዮ 9.201 ኪሎሜትር ክኸውን ከሎ ናይ ጉዕዞ ግዜ 12. ሰዓትን ርብዕን ከም ዝኾነ ይፈልጥ ።ናይዚ መበል 28 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አርእስቲ ኪዱሞ አህዛብ ዓለም
ዓለም ሐዋርያት ከም ዝኾኑ ግበሩ ዝተሰየመ ከም ዝኾነ ይዝከር ።
ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎማባርዲ ንፓፓ ፍራንቸስኮ አብ አውሮፕላን ምስ ጋዜጠኛታት አፋሊጦምም ንሶም ክአ ሐጺር መግለጺ ከም ዝሀቡ ክምልከት ከሎ ምስ መንእሰያት ዓለም ክራኸቡ ንሪዮ ይኸዱ ከም ዘለዉ ጠቂሶም ንመንእሰያት ዘይምሕላይ ኢ ፍትሐዊ ከም ዝኾነ አመልኪቶም መንእሰያት ወለዲ ሀገር ባህሊ እምነት ዘለዎም ክቡራት ኢዮም ። ግን ሕብረተ ሰብአዊ ሐልዮ አይረኽቡን አለዉ ፡ ብስእነት ስራሕ ይሳቀዩ ብሩህ መጻኢ ዕድል አይርእዩን እንድሕሪ እቲ ዓለም ለኸ ቅልውላው ኤኮኖሚ ከምዚ ቀጺሉ ስራሕ ዘይብሉ ሐደ ትውልዲ ከይህሉ ዘስግእ ኢዩ ኢሎም። አብታ ርእሰ ሊቃነ ፓፓሳት ፍራንቸስኮ ዝነበርዋ ነፋሪት ናይ ጣልያን ብራዚል ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ፈረንሳ ኢንግሊዝ ጀርመን ምክክሲኮ ኣአርጀንቲና ጃፓን ሩስያ ፖላንድ ፕርትቱጋል ጋዜኛታት ከም ዝነበሩ ይምልከት።
እቲ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘዳለወ ኮሚቴ መግለጺ መሠረት ብክልተ ሚልዮን ዝግመቱ መንእስያት ዓለም ናይዚ ፍጻሜ”ዚ ተሳተፍቲ ኢዮም።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሪዮ ደ ጃይነሮ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ አብ ዝአተውሉ ግዜ ብወገን ቤተ ክህነት ናይ ሪዮ ደ ጃነይሮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ኦራኒ ጆዋው ተምፐስታ ናይ ብራዚል ረኪበ ጳጳሳት ፕረሲደንት ብፁዕ ካርዲናል ራይሙንዶ ዳመሰኖ አሲስ አብ ብራዚል ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ጆቫኒ ዳንየሎ ብወገን መንግስቲ ብራዚል ናይታ ሀገር መራሒት ፕረሲደንት ዲልማ ሩሰፍን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት መንግስትን ናይ ሪዮ ከንቲባን ብምዉቅ አገባብ ተቀቢሎሞም ።አብ ሪዮ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ራድዮ ቫቲካን ዝልአኽዎ ዜና ከም ዘመልክቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ሪዮ ደ ጃነይሮ ንቤተ መንግስቲ ጓናባራ ክጓዕዙ እንከለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ መኪና ትሐልፈሉ ጐደና ዘይተነጸረ ስለ ዝነበረ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳት ዝሐዘት መኪና መንገዲ ስለዝተጋገየት ህዝቢ ንፓፓ ፍራንቸስኮ ሰላም ክብል ከም ዝተጸቃቀጠን ናይ ትራፊክ ጸገም አጋጢሙ ከም ዝነበረን ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሐበሬታ ሂቦም ።
ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ተጓዒዞም ናይ ክብሪ ምብጻሕ ጌሮም ፕረሲደንት ዲልማ ሩሰፍ ናይ ክሊ ሪዮ አማሐዳሪን ከንቲባን ተቀቢሎሞም
ናይ ብራዚልን ቫቲካንን ሀገራዊ መዝሙር ተሰሚዑ ።ፕረሲደንት ሩሰፍ ክአ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ጌረን ። ናይ ብራዚል መራሒት መንግስቲ ፕረሲደንት ዲልማ ሩሰፍ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንቃዕ ንብራዚል ድሐን መጻእኩም ህዝቢ ብራዚል ናይ መጀመርያ ላቲን አመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቀቢሉ ከተአናግድ ዕድል ምርካቡ ዓቢ ሐጎስን ኩርዓትን ይስምዖ። 50 ሚልዮን መንእሰያት ብራዚል ምስ ካልኦት ካብ ወጻኢ ሀገራት ዝመጹ ብሚልዮን ዝቁጸሩ መንእሰያት ዓለም ሐቢሮም ኢዶም ዘርጊሖም ይጽበይኹም አለዉ እዚ ዓቢ ሐጎስ ዝፈጥር መንፈስ ዝቅስቅስ ፍጻሜ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር አይኮነን ።ፕረሲደንት ዲልማ ሩሰፍ አተሐሒዘን ፓፓ ፍራንቸስኮ ንስኹም ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ትግደሱ መራሒ ሃይማኖት ከም ዝኾንኩም ዝፍለጥ ኮይኑ ማዕርነት አልቦነት ብሸለልትነት ዘዓብለለ ኤኮኖምያዊ ጥምረት ከም ትጸልኡ አብ ዝተፈላለየ ግዜን እዋንን ካብ ዝግበርክምዎም ዲስኩራት ክንርዳእ ንኽእል ።
ንርእሱ ፓፓ ፍራንቸስኮ ተባሂልኩም ክትጽውዑ ምምራጽኩም ንድኻታት ንጽጉማትን ንድኹማትን ዘለኩም ሐልዮ ዘንጸባርቅ ኢዩ ብማለት አመልኪተን ።
አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ነቶም ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ዝተረፉ ስደተኛታት ክትጽልይሎም ምስቶም ዘለዉ ክትራኸቡ ንደሴት ላምፐዱሳ ምኻድኩም ንውጹዕ ህዝቢ ዝቆምኹም ከም ዝኾንኩም ምስክር ኢዩ ኢለን።
ፕረሲደንት ዲልማ ሩሰፍ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ቤተ መንግስቲ ጓናባራ ዝገበርኦ ዲስኩር አተሐሒዘን ፡ ብራዚል ዓቢ ማሕበራዊ ዕቤት እኳ እንተርአየት ግን ብዙሕ ዝጐደለ ነገር አሎ ጥሜት ጽምኢ ፍትሒ ብዝቀለጠፈ ግዜ ፍታሕ ክረኽቡ ዘለዎም ጉዳያት ኢዮም። አብ ዝሐለፈ ሳምንት አብ ብራዚል ዝተኻየዱ ህዝባዊ ሰልፍታት ማሕበራዊ ፍትሒ ጐዲሉ ከም ዘሎ ዘርኢ ኢዩ ኢለን። ቀጺለን ፓፓ ፍራንቸስኮ መንግስቲ ብራዚል ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብራዚል ብሐባር ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው ብፍላይ ሽግር ድኻ ማሕበረ ሰባት ስራሕ አልቦነትን መሰረታዊ ፍታሕ ክትረኽበሉ ትጽዕር አላ ።ናይ መንግስቲ ብራዚል መራሒት ዲልማ ሩሰፍ ነቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርኦ ዲስኩር አተሐሒዘን ህዝቢ ብራዚል አብ እግዚአብሔር ዝአምን ህዝቢ ከም ዝኾነ ጠቂሰን እዚ ዝሐለፈ ሳምንት ጸረ መንግስትን ውሳኒኡን ዝተኸየደ ህውከት ዝተሐወሶ ህውከት ዝሐሸ ክብሪ ዘለዎ ሕይወት ክህሉ ዝሐትት ዓቢ ብድሆ ንመንግስቲ ከም ዝኾነ መንግስቲ ይርዳእ ኢዩ ኢለን ።
መንእሰያት ብራዚል ማሕበራዊ አገባብ ክቅየር ከም ዝደልዩ አብ ግምት ብምእታው እዚ ሎሚ አብ ሪዮ ደ ጃይነሮ ዝተጀመረ ዓለም ለኸ ዕልተ መንእሰያት ንልዕሊ ሕደ ሰሙን ጸኒሑ ዓቢ አዎንታዊ ውጽኢት ከምጽእ ትጽቢት አለኒ ፡ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብዚ አብ ሪዮን አፓረሲዳን እተካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ብጽቡቅ ክካየድ ቅዱስ አቦና አብ ብ ራዚል አብ ትጸንሕሉ ግዜ ክአ ብስም መንግስትን ህዝብን ብራዚል ኩሉ ሰናይ ይምነየልኩም ብማለት ዲስኩረን ዛዚመመን ፕረሲደንት ዲልማ ሩሰፍ ።ፕረሲደንት ዲልማ ቫና ሩሰፍ ሊንሀረስ መበል 36 ፕረሲደንት ብራዚል ከም ዝኾና ይዝክር ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲዝግብርኦ ዲስኩር አመስጊኖም ። ፓፓ ፍራንቸስኮን ፕረሲደንት ዲልማ ሩሰፍን ን20 ደቂቃ ብብሕቲ ተራኺቦም ተዘራሪቦም ።
አብ መወዳታ ክአ ምስ መራሒት መንግስትን አማሕዳሪ ሪዮን ከንትባን ካልኦት ሰበስልጣናትን ተሰናቢቶም ናብቲ ሊቀ ጳጳስ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዝነብሩሉ ንሱማረ ዝተባህለ ቦታ ተጋዒዞም ቅድሚ ድራርን ድሕሪ ድራራን አብቲ አብኡ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ጸልዮም ንዕረፍቲ ናብቲ ዝተመደበሎም ቦታ ከም ዝኸዱ ናይ ትማሊ ሰኑይ 22 ሐምለ ሐዋርያዊ መደብ ሪዮ አመልኪቱ ።
ሎሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕረፍቲ ከም ዝገብሩ አብ ሪዮ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቫቲካን አመልኪቶም። ሎሚ ምሸት ብናይ ሪዮ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ ፈረቃን ናይ ምሸት አብ ሮማ ፍርቂ ለይቲን ፍረቃን አብ ኮፓኮባና ምጅማር መበል 28 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዚካየድን ፓፓ ፍራንቸስኮ አብ ቅዳሴ ከም ዘይርከቡን ነቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ሳዕ ሳበስትያው ሪዮ ደ ጃነሮ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ጆዋው ተምፐስታ ክም ዝኾኑን ክአ አፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.