2013-07-19 16:54:40

ሐዋርያዊ ጕዕዞ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንብራዚል፣


ናይ ረድዮ ቫቲካንን ናይ ቫቲካን ኅትመትን ዜናን ሓላፍን አባ ሎምባርዲ ብዛዕባ እቲ አብ ዝመጽእ ሶሙን ካብ ዕለት 22 ሓምለ ክሳብ 29 ሓምለ አብ ርዮ ዲ ጃነሮ ዚካየድ መበል 28 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ንምስታፍን ንምምራሕን ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ መገሻ አመልኪቶም ሓበሬታ ሂቦም፣
ቅዱስነቶም ሥልጣነ ጴጥሮስ ካብ ዝርከቡ ድሮ እኳ አርባዕተ ወርሒ እንተኾነ ናይ መጀመርያ ዓለም ለኸ ሐዋርያዊ ጕዕዞም እዚ አብ ዝመጽእ ሶሙን ናብ ብራዚል ዝገብርዎ ኢዩ፣ እዚ ብአጋጣሚ ዝኾነ ዝመስል ናይ መጀመርያ ናይ ደቡብ አመሪካ ር.ሊ.ጳ ናብ ዓዶም ደቡብ አመሪካ ናይ መጀመርያ ጕዕዞኦም ምግባር ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ እውን አጋጢሙ ነይሩ ኢዩ፡ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ጀርመናዊ ምዃኖምን ናይ መጀመርያ ሐዋርያዊ ጕዕዞኦም ከአ አብ ዓዲ ጀርመን ገይሮም ነሮም፣ አባ ሎምባርዲ ትማሊ አብ ዝሃብዎ ሓበሬታን መግለጽን ቅዱስነቶም ንናይ ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ ውርሻ ከምዝቅጽሉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ውርሻ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ተቀቢሎም ክቅጽልዎ ኢዮም፣ እቲ ጕዕዞ አቀዲሞም ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ወሲኖሞ ዝነበሩ ኢዩ ኰይኑ ግን አብቲ ቀደም ዝነበረ መደብ ሓደስቲ ጕዳያት ተወሲኾሞ ኢዮም፣ ንአብነት ንግደት አብ መካነ ንግደት ናይ አፐረሲዳ ከማኡ እውን ምብጻሕ አብቲ ብፋርጊን ወይ ፋቨላስ ዝፈልጥ ዞባ ድኻታት ዝኾነ ገዛ ታኒካ ወይ ሻውል ከምኡ’ውን ምብጻሕ ሆስፒታል ምስ ኮሚቴ ናይ ደቡብ አመሪካ ረኪበ ጳጳሳት ይርከብዎ፣ እዚ መደባት እዚ አብቲ ቀዳማይ መደብ ናይ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አይነበረን፣
ሰኑይ ዕለት 22 ሓምለ ንርዮ ዲ ጃነሮ አብ ዝግበር ጕዕዞ አብ ነፋሪት ቅዱስነቶም ምስቶም ምስ ኦም ዝገሹ ጋዜጠኛታት ክዘራረቡ ኢዮም፣
“እዚ ርክብ እዚ ግን ቅዱስነቶም ከምዝበሉኒ እንተኾይኑ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለ ኢዩ ስለዝኾነ ከአ እቲ ልሙድ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ዝህሉ አይመስለንን፣ ቅዱስነቶም ንኩሎም በብሓደ ሰላም ንኽብልዎም ከምዝሓስቡ ነጊሮምኒ፣ ብዝመስለኒ ሕውነታውን ልባውን ርክብ ክኸውን ኢዩ ኮይኑ ግን ብቃለ መጠይቃዊ ናይ ሕቶን መልስን መልክዕ አይኮነን” ክብሉ ገሊጾም፣
ቅዱስነቶም ሰኑይ 22 ሓምለ አብ ርዮ ዲ ጃነሮ ክበጽሑ ኢዮም፣ አብ ከተማ ርዮ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ አብ ዝንቀሳቀሱሉ ንምንቅስቃስ ም እንቲ ክምች እ ብ ዕጽውቲ ማኪና ኢዩ ክኸውን፣ ሕዝቢ አብ ዘለዎን ሰላምታ አብ ዘቅርቡሉን ግን እቲ ናይ መኪና መኽደን ክኽፈት ኢዩ፣ ሰሉስ 23 ሓምለ ዕለተ ዕረፍቲ ኢዩ፣ ካብ ረቡዕ ዕለት 24 ሓምለ ጀሚሩ ጽዑቅ መደባት ናይ ርክባትን ሥርዓታትን አሎ፣
“አብዚ ጕዕዞ እዚ ብቀዳምነት ዝሥራዕን ቅዱስነቶም ክገብርዎ አጥቢቆም ዝሓተትዎን ንግደት ናብ አፓረሲዳ ኢዩ፣ እዚ ንግደት እዚ አብቲ ምስሊ እኖና ድንግል ማርያም ዘአፓረሲዳ እትርከበሉ አብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ናይቲ መካነ ንግደት ብምኻድን አብ ዓቢ አደራሽ ናይቲ መካነ ንግደት መሥዋዕተ ቅዳሴ ብም ዕራግ ክግበር ኢዩ፣ ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ናብ ቦን ኸሱስ ዘርአ ክህነት ክኸዱ ኢዮም፣ አማስያኡ ናብ ርዮ ዲ ጃነሮ ተመሊሶም ናብ ሆስፒታል ክኸዱ ኢዮም፣ እዚ ሆስፒታል እዚ ብሳልሳይ ማኅበር ፍራቸስካውያን ዚካየድ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ዕለተ ሮቡ ዕ ምስ ተዛዘመ፣ ሓሙስ ንግሆ ናብ ናይቲ ከተማ አደራሽ ማዘጋጃ ቤት ብምኻድ ነቲ አብ ብራዚል ንክካየድ ምቅርራብ ዝግበረሉ ዘሎ ኦሎምፒክ ዝኸውን ባንደራታት ኦሊምፒክ ክባርኹ ኢዮም፣ ብድሕሪኡ ናብቲ ብዙሓት ድኻታት ዝቅመጠሉ ገዛ ታኒካ ናይ ርዮ ዲ ጃነሮ ብምኻድን ነቶም ሕዝቢ ክረኽቡን አብ ገዛ ሓንቲ ሥድራ ቤት ብምኻድ ምስታ ክራኽቡን ክዘራርቡን ኢዮም፣ ብድሕሪኡ አብቲ ናይቲ ከባቢ መጻወቲ ኵዕዞ ንኩሎም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ክረኽቡ ኢዮም፣ ድሕሪ ቀትሪ አብ ዘሎ ጊዜ አብ ኮፓካባና ንምጅማር ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ምስ መንእሰያት ክራኸቡ ኢዮም፣
ዓርቢ ንግሆ አብ ኲንታ ዳ ቦአ ቪስታ አብ ዝበሃል ቦታ እቲ ዕለት ብኑዛዜ ክጅምር ኢዩ ቅዱስነቶም እውን ሓደ ሓሙሽተ ዝኾኑ መን እሰያት ከናዝዙ ኢዮም፣ ድሕሪ ኑዛዜ ቅዱስነቶም ናብ ቤተ ሊቀ ጳጳስ ክበጽሑ ኢዮም፣ ቅዱስነቶምን ሊቀ ጳጳስ ርዮ ዲ ጃነሮን አብ ቤት ጸሎት ክራኸቡ ኢዩኦም ነተን አባኡ ዘለዋ ደናግልን አባኡ ንዘገልግሉን ሰላም ምስ በሉ ብሰግለለት ናይቲ ፐላሶ ተቀልቂሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ክመርሑ ኢዮም፣ ብድሕሪዚ ናብቲ ፓላሶ ተመሊሶም ነቶም አሰናዳእቲ ሰላም ክብሉን አብኡ ምስ 12 ዝኾኑ መንእሰያት ክምስሑ ኢዮም፣ አብ ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ግዜ ቅዱስነቶም ፍኖተ መስቀል ክመርሑ ኢዮም አብ ነፍሲ ወከፍ ም ዕራፍ ከአ ሓደ ጸገም ናይ መን እሰያት ብምጥቃስ ክጽልዩ ኢዮም፣
ቀዳም ንግሆ አብ ካተድራል ናይ ርዮ ዲ ጃነሮ ዓቢ ቅዳሴ ክሥራዕ አብዚ ቅዳሴ እዚ ኩሎም ነቲ በዓል ከኽብሩ ዝመጹ አቡናት ካህናትን ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ክቅድሱ ኢዮም፣ ድሕሪ ቅዳሴ እንደገና ንሕጽር ዝበለ ግዜ አብ ማዘጋጃ ቤት ናይ ከተማ ርዮ ብምኻድ ምስ ሰበ ሥልጣን ብራዚል ክራኸቡ ኢዮም፣ ብድሕሪዚ ናብ ምስ ካርዲናላትን አቡናትን ናይ ብራዚል ክምጽሑ ኢዮም፣ አብ አጋ ምሸት አብቲ ናይ ምሉእ ለይቲ ጸሎትን አስተንትኖን ዝግበረሉን መዛዘሚ ቅዳሴ ዚዓርገሉን ቦታ ኪኸዱ ኢዮም፣ እዚ ቦታ እዚ ጓራቲባ ዚበሃል ዓቢ ጎልጎል እንኪኸውን ሓዲሽ ስሙ ግን ሜዳ አመንቲ ካምፑስ ፊደይ ኢዩ፣ አብ ናይ ምሸት ጸሎት ምስ ተሳተፉ ናብ ሱማረ ተመሊሶም ክድቅሱ ኢዮም፣ መንእሰያት ግን ምሉእ ለይቲ አብኡ ክጽልዩ ክሓድሩ ኢዮም፣ ንጽባሒቱ ሰዓት 10 ቅ.ቀ መዛዘሚ ቅዳሴ ክዓርግ ኢዩ፣ አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ናይ ዝቅጽል ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አበይ ከምዝፍጸም ክ እውጁ ኢዩም፣ እንክብሉ መግለጺኦም ድሕሪ ምዝዛም ክቡር አባ ሎምባርዲ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ብራዚል እንክበጽሑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሳልሳይ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣
“ር.ሊ.ጳ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አርባዕተ ጊዜ ከማኡ እውን ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ሓደ ጊዜ ደቡብ አመሪካ በጺኦም፣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከስ ሳልሳይ ር.ሊ.ጳ ኢዮም፣ ቅዱስነቶም ናብ ብራዚል ንክበጽሑ ዕድመ ዘቅረቡሎም ናይቲ ፍጻሜ ማለት መበል 28 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አሰናዳእቲ ጳጳሳት እንክኾኑ ቅዱስነቶም ከአ ድሕሪ ቍሩብ ዕለታት ምርጫኦም ነቲ ዕድመ ተቀቢሎም፣” እንክብሉ ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.