2013-07-16 15:56:01

ጋና፦ ካቶሊካውያን ምእመናን “ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መሰል ኵሉ”


RealAudioMP3 ምቛም ሓድሽ ቅዋም ሃገር ኣብ ጋና ዓቢይ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ሰፊሕ ምይይጥ ይግበረሉ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብቲ ናይ ሓድሽ ቅዋም ሃገር ቅድመ ንድፊ ሰነድ ናብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣደጊፎም ኣብታ ሃገር ናይ ካቶሊካውያን ብሔራዊ ማሕበር ዋና ጸሓፍን ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣብቲ ናይ ቅዋም ሃገር ብዛዕባ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝምልከት ርእሰ ዓንቀጽ ኣደግይፎም እቲ ብቑዕ ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ክህሉ ዝብል ሓሳብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ኩሉ መሰል ዝብል ሓሳብ ክሕወሶ ከምዝሓተቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ብቑዕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምርካብ ዝብል ሓሳብ ምስቲ መሰንል ክብርን ውሳኔ ዝገልጾ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ናይ ኵሉ ዜጋ ብዝብል ሓሳብ ክምራሕ ከምዝሓተቱ ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ መሰል ዝተመጣጠነ መግብን ናይ ከባቢ ሥነ ጽርየትን ዘጠቓለለ ኮይኑ ስኡን ክፍሊ ሕብረተስብ ብፍሉይ ኣብ ኵሉ መዳይ ክድገፍ ዘተሓሳስብን መሰል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ መላእ ጋና ክሰፍሕ ጻውዒት ብምቕራብ ኣብዚ መዳይ ጎስጓስ የካይድ ከምዘሎ ናይ ጋና ብሔራዊ ማሕበር ካቶሊካውያን ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ ጉዳይ ሓልዮ ሓላፊ ሳሙኤል ዛን ኣኮሎጎ ከምዝገለጹን ኣብዚ ጎስጓስ’ዚ መላእ ቍምስናታት ክሳተፋ ዝጽውዕ መልእኽቲ እውን ከምእተመሓላለፈ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.