2013-07-16 15:50:30

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


RealAudioMP3 ኣብቲ “ንዅሎም ኣሕዛብ…ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ. 28.19)፣ ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ካብ ዕለት 23 ሓምለ ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደጃነይሮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብኣካል ክሳተፉ ንዘይክእሉ መንእሰያት ኣብ ሰበኻታቶም ብናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ኣብቲ ናይ ብራዚል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መርሃ ግብርታት ዝተመርኮዘን ዘተኮረን መደባት መሰረት ብመንፈስ ሓቢሮም ክሳተፉ ምዃኖም ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዓይነት መንፈሳዊ መደብ ኣብ ምትግባሩ ክተግሃ ምዃነን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ እንክሕብር፣ ብዛዕባ እዚ መደብ’ዚ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ቨነቶ ሰበኻ ኪዮጃ ናይዚ መደብ ኣሰናዳኢ ኣባ ዳሚያኖ ቪኣነሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብ ሰበኻ ኪዮጃ ኣብ ዝርከባ ሸውዓተ ቁምስናታት ብመደብ መስዋዕተ ቅዳሴን፣ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ብምስክርነት ተመክሮ እምነትን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣስተንትኖን ጸሎትን ብጸሎት መቑጸርያን ተሰንዩን ነቲ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘቃልሑ መደባት መሠረት ክካይድ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ምስቲ ፍጻሜ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብምትሕሓዝ ኣብ ከተማ ቨነዚያ ብናይታ ከተማ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞራሊያ ዝተመርሔ መስዋዕተ ቅዳሴ መሰረት ናይ ትሪቨነቶ መደብ መዓልቲ መንእሰያት 2013 ዓ.ም. ክጠቓለል ምዃኑ ሓቢሮም።
እዚ መደብ መንሰያት ምስ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ እምነት ዓመትን ዝተተሓሓዘ ኮይኑ መንእሰይ ኣብ እምነቱ ክዓብ ካቶሊካዊ እምነቱ ከጽንዕን ዝድግፍ ከምዝኾነን ኩሎም ኣብቲ ናይ ብራዚል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ኣብ ትሪቨነቶ ዝቕመጡ መንሰያት ኣብቲ ናይ ትሪቨነቶ ሰበኻታት ዝተዳልወ መደብ መንሰእሰያት ክሳተፉ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጎስጓስ እውን ይግበር ከምዘሎ ገሊጾም፣ ኵሉ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክራኸብን ምሳኡ ሓቢሩ ክጓዕዝ ዝድግፍ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.