2013-07-16 15:53:42

ከንያ፦ ልኡካነ ወንጌል ምስ ግዳም ሓደር ሕጻናት


RealAudioMP3 እማነ ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ዑቝር ሓይሊ ብዝብል ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ ሓሳብ ዝምራሕ መደን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዜጋታት ኬንያ ብኢጣሊያዊ ልኡካነ ወንጌል ተወላዲ ከተማ ፓዶቫ ኣባ ጋብሬለ ፒፒናቶ ኣብ 1977 ዓ.ም. ኣብ ኬንያ ዝቖመ ናይ ግብረ ሰናይ ማእከል ንኣካለ ስንኩላን ኣረጋውያንን ንእሱ ልቓሕ ሃብቲ ገንዘብ መሰረት ርእሰ ብቕዓት ነኸጎልብቱን ገዛእ ርእሶም ከመሓድሩን ብዝብል ዕላማ ዘነቓቕሕዎ ኣብ ንያሁሩሩ ዝርከብ ቅዱስ ማርቲን ማእከል ዘቕርቦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ብምስፋሕ ካብ ሕማም ኤይድስ ገዛእ ርእስኻ ንምክኻልን ግዳም ሓደር መንእሰያትን ሕጻናትን ካብቲ ሕሱም መከራን ድኽነትን ንኽላቐቑን ዘብቕዕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ የቕርብ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ እቶም ግዳም ሓደር ክፍሊ ሕብረተሰብ ካብቲ ዝወደቕሉ መከራ ክናገፉን ኣብ ሕብረሰብ ግቡእ ስፍራን ተቐባልነት ረኺቦም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓልዩሎም ክነብሩ ዘነቓቕሕ ማእከል እውን ምዃኑ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ናይቲ ማእከል ቅዱስ ማርቲን ኣመሓዳሪ ኣባ ማርያኖ ዳል ፖንተ ገሊጾም፣ ኣብቲ እቲ ማእከል ዘነቓቕሖ መደብ ማሕበረሰብ ኣውን ክዋሳእ ጻውዒት ዘቕርብን ዘተባብዕን እውን እዩ ኢሎም፣ እቲ ተቛም ተኣሚቱን ተሓሲቡን ዘይኮነስ ኣባ ጋብሬለ ፒፒናቶ ኣብ ናይ እምነት ተመክሮኦም ብዘጋጠሞም ክውን ታሪኽ መሰረት ብፍላይ ድማ ኣብ ንያሁሩሩ መቕተልቲ ሓደጋ ዝወረዶ ግዳም ሓደር ሕጻን ተተንኪፎም ናይቲ ዓመጽ ተሓታቲ እት መቕተልቲ ዝፈጸመ ጥራሕ ዘይኮነስ ማሕበርሰብ እውን እዩ ቢሎም፣ ማሕበረሰብ ነቶም ኣብ ድኽነትን ሕሰምን ዝርከቡ ስድራ ኣባይትን መንእሰያትን ሕጻናትን ክኣልን ክድገፍን ኣሚቶም ብወለንተይናታት ዝካየድ ተቛም ክኸውን ዝመስረትዎ እዩ፣ ቀስ እናበለ ድማ እቲ ተቛም ቅዱስ ማርቲን እዋናዊ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ክርስቶስ ብዝደልዮ መገዲ ዘቕርቦ ኣገልግሎት እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቲ ማሕበር ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምር ንደሓር ነቶም ኣብ ጸገም ዝረክቡ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ማሕበረሰብ እውን ዝማርኽን እናኾነ ኣብቲ ግብረ ሰናይ ኩሉ ዘተሓባብርን ዘሳትፍን ስለ እናኾነ ግዳም ሓደር ሕጻናት ኣብ ማሕበረሰብ ካብ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ረኺቦም ክነብሩን እቶም ኣካለ ስንኵላን እውን ካብቲ ተነጺሎም ዝነብርሉ ንጹል ኩነት ተላቒቖም ንኣኣቶም ዝኸውን ዘበለ ዕድል ክፍጠረሎም ዝብል ድላይ ኣብ ኩሉ ኣባል ማሕበረሰብ ክሰፍሕ ገይሩ እዩ ኢሎም፣ ነቲ ድጋፍ ዘድልዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት መደብ እውን መላእ ማሕበርሰብ ክዋሳእ ምግባር እቲ ናይቲ ማእከል ሸቶ ኮይኑ፣ ኩሉ ክዋሳእ ምስ ዝጅምር ጥራሕ ኩሉ ዝመሓየሽ ዝብል ግንዛቤ ኣብ ምስፋሕ ይርከብ ኣሎ እንልክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.