2013-07-09 16:01:06

ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ሱታፌ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኢጣሊያ


RealAudioMP3 ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ምክልኻል መደበይና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፐልቪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ላምፐዱዛ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ኢጣሊያ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ምቕባልን ምእንጋድን ባህሊ ትጉሃትን፣ ነቶም ብሜዲትራኒያን ኣቢሎም ናብ ኢጣሊያ ደሴት ላምፐዱዛ ዝኣትዉ ስደተይናታት ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ባሕሪ ዶብ ምስ ዝረኣዩ ቀዳማይ ድጋፍ ዘቕርቡ ተቐቢሎም እውን ናብ ደሴት ላምፐዱዛ ዘሰንዩ ከምዝኾኑን ስለዚህ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ማለት ጸረ ሕይወት ምዃን ማለት ዘይኮነስ ኣፍቓሪ ሕይወት ምዃን ማለት እዩ። ተኸላኻሊ ሕይወት እምበር ጸረ ሕይወት ዝእምት ሓይሊ ምክልኻል ኣይኮነን ኢሎም።
እተን ኣብ ላምፐዱዛ ዝተኣከባ በቢ ኣዋኑ ስደተይናታት ዘጓዓዛ ነኣሽቱ ጀላቡን መርከባት ናይቶም ስደተይናታት ቤተ መዘክር ኮይነን እየን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ስደተይና ታሪኽ ሕይወት ዝተነብረሉ ቤተ መዘክር እዩ ምስ በሉ፣ እቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዘገልግሉ ዘለዎ ቆሞስ ኣውን እታ ደሴት ናይ ንስደተይናታት ናይ ባሕሪ በሪ ብምዃና ድማ ኣብታ ደሴት ኣባላት ቁምስናን ናይታ ደሴት ቤት ምኽርን ኣብታ ደሴት ዝርከቡ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ዜጋታትን ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ሓቢሮም ክንቀሳቐሱ ዘተባብዕ መደባት እውን ብምንቕቓሕ ዘተሓባብር ሰብኣውነት ዝረኣየሉ ስፍራ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.