2013-07-06 15:35:53

ዓሚዩቕ ምትእስሳር ኣብ መንጎ እምንትን ፍቕርን ሓቅን


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 5 ሓምለ 2013 ዓ.ም. “Lumen fidei-ብርሃነ እምነት” ዘርእስታ ቀዳመይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝመርሕዎ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተሳተፍሉ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለትን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ሉድዊግ ሚዩለርን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላን በቢ ወገኖም ዘረባ ኣብ ዘስምዑሉ ጉባኤ ጋዜጣዊ መግለጺ ንንባብ ከምዝበቕዔት ክምልከት እንከሎ፣ ኣብቲ ጉባኤ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽባ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ፦ እቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ “ናይ እምነት ብርሃን ንወዲ ሰብ ዝዅልዕን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኽረክብ የብቅዖ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረ ገሊጸን ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ልድዊግ ሚዩለር ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ብእምነት ኣቦ ኵሉ ፍጥረት ዝኾነ ኣብርሃምን ታሪኽ እስራኤልን እቲ ፈተና ኣምልኮ ጣዖት ዝተነብሮ ሓደ ምዕራፍ ጉዕዞን ነዚ ንልግሲ እግዚኣብሔር ምስጋናንን እቲ እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ፍጻሜኡን ክሳብ እቲ ታሪኽ እስራኤል ዘቃልበሉ ታሪኽ ኢየሱስ ዳህሲሶም፣ ሕቶ እምነት ካብቲ ምስ ፍቕሪ ዘለዎ ምትእስሳር ፈጺሙ ክፍለ ዘይከኣል ምዃኑ፦ “እምነት ናብቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝምንጭው ፍቕሪ ክፉታት ይገብረና። እምነት ብገዛእ ርእሱ ብርሃን ስለ ዝኾነ ኣግባብ ርእየትና ይልወጥ (ቍ.29)። እዋናዊ ሰብ ናይ ፍቕሪ ሕቶ ምስ ሓቂ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ዘይግንዘብን ፍቕሪ ምስ መዳይ ስምዒት ዘተሓሕዞ እውን እንተኾነ “ፍቕሪ ካብ ሓቂ ፈጺሙ ዘይንጸል እዩ” ቢሎም ቤተ ክርስቲያን እምነት ዝውለደሉን ናይ እትጓዓዘሉ ተመክሮን ስፍራ ከምዝኾነት ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ተመልኩቱ ከምዘሎ እንከነጽሩ፦ ብዘይ ሓቅን ብዘይ እግዚኣብሔርን እቲ እዋናዊ ዓለም ዝወለዶ እንሓልሞ ኵላዊ ሕውነት ዘይረጋገጽ ኮይኑን እቲ ምኽንያት ትካዘ ዝኾነ ናይ ባቢሎን ተመክሮ ኣብ ምድግጋሙ እዩ ዝትረፍ፣ ሕውነት ብርግጽ ‘ካብቲ መሠረቱ ዝኾነ ሓደ ናይ ሓባር ኣቦ ዝተነጸለ እንተድኣ ኮይኑ ክዉን ክኸውን ኣይክእልን (ቍ.54)። እዚ ድማ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዘመናት ታሪኽ ነዚ ዘረጋግጽ ታሪኻዊ ሰነዳት ዝተመልአ እዩ” ምስ በሉ ብፁዕ ኣቡነ ሚዩለር ኣብ መንጎ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘሎ ቀጻልነት እንከስምሩ፦ እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ ቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ጠመት እወታውነት ዘረጋግጸልና ሰነድ እዚ ድማ እቲ ናይ እምነት ብርሃንን እቲ ክማረኽን ብእግዚኣብሔር ምሉእ ብምሉእ ክዕብለልን እትፈቅድ ሕይወት ማለት እዩ። ንቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ንናይዚ ዘመን’ዚ ሰብ እቲ ሓቀይና ናይ እምነትን ናይ ተፋን ብርሃን ዝምስክሩ ብምዃኖም ብሓቂ ብኣኦም ሕጉሳት ኢና” ከብዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።
ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ ብጭቡጥ እክዛረብ ንሕና ዝብል በዓል ቤት እዩ ዝጥቐም፣ እዚ ድማ ናይ ክብሪ መግለጺ ዘይኮነስ ሱታፌ ዘስምዕ ማለት እቲ ኣነ ዝብል በዓል ቤት ዝሰፍሓሉ ኣድማስን ምስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ዘርኢ ሰብ ምስ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ሁባሬ ማለት እዩ” ቢሎም እምነት እቲ ኣነ ዝብል በዓል ቤት ናብቲ ኣንሕና ዝብል በዓል ቤት ዘዕብይ ምዃኑ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም እንከረድኡ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ምልክት ምዃኑን ናብኡ ዝመርሕ እውን ኮይኑ እምነት ምስ ፍቕሪ ብጽኑዕ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ፦ “ኣብ መንጎ እምነትን ፍቕርን ዓሚዩቕ ተማስሎ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰብይት ዝእሰር ቃል ኪዳን ዘንበሮ ፍቕሪ መግለጺ ‘ክሳብ ፍጻሜ ዝኾነ ፍቕሪ ቃል ኪዳን ዝእተወሉን ነቲ ዝፍቀር ዝእተዎ ቃል ኪዳንን ዝውጠን መደብን ምሉእነት ክሳብ መወዳእታ ዝልገሰሉ ፍቕሪ እዩ’ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዶኒኒ ኣስዒበን ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ብወገኖም እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ብናይ እምነት ቅልውላው ኣብ ዝተጠቕዐ ዓለም ተልእኾኣ ዳግማይ ክትዕወቶ ዝመርሕን ኣብዚ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝወሰንዎ ናይ እምነት ዓመት ዝደረስዎ ምዃኑ ጠቒሶም፣ እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስንቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ እምነት ዓመት ክልግስዋ መደብ ዘንበሩሉ መልእኽቲ ከምዝነበረን ኮይኑ ግን እቲ ድሓር ዝተፈጸመ ታሪኽ ምኽንያት እቲ መደብ ክቕየር ከምዝገበረን እነሆ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፍጻሜ ኣብጺሖም ከምዝለገሱልና እንከመልክቱ፦ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝጥቐመሉ ናይ ጥንትን እዋናውን ዓበይቲ ሊቃውንትን ደረስትን ጥቕስታት ብምጥቃም ቀጥተይና ኣገላልጻን ኣነባብራ ምስልታትን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ መእተዊ ብዝበለጸ ፈሊኻ ንኽትርድኦ ዝድግፍ ምዃኑ ዝሕብርን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ዓዋዲ መልእኽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ምስ ተሓረዩን ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ስልጣናዊ ስብከቶም ዝተጠቀሙለን ግስታት ብጉዕዞን ሕንጸት ምንዛዝን ዝብሉ ከም ብሓድሽ ብምጥቓም፣ ናይዚ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዋመ መሠረት ገይሮም ትሕዝቶኡ ብዕምቆት በምግላጽ ይጥቀምሉ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.