2013-07-06 15:38:47

ተኣምር ዝኾነ ሕይወት


RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቀረባ እዋን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ መሰረት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክእወጀሎም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድስና ንኽእወጀሎም ዘብቕዕ መሰረታዊ መጽናዕቲ ኣቕራቢ ብፁዕ ኣቡነ ስላዎሚር ኦደር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ቅድም ቀዳድም ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ናይ ቅዱሳት ሕይወት ናይ ኣግዚኣብሔር ክብሪ መግለጺ እዩ። ጐይታ ኣብ ቅዱሳት ሕይወት ክብሩ የዝይም፣ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ጐይታ ነዚ እዩ ዝፈጸመ” ኢሎም።
ኣብ ኮስታ ሪካ ብኣማላድነት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓንቲ መንእሰይ ካብ ናይ ሓንጎል ውሻጣዊ ፍሰት ደም ዓቢይ ሕማም ብተኣምር ከምዝሓወየት ብፅዕነቶ ገሊጾም፣ ብዙሓት እውን ብኣማላድነቶም ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ፈውሲ ከምእተዓደሉ ዝገልጽ ናይ ምስክርነት ሰነድ እውን ከምዘሎን፣ ኩሉ ብኣግባብ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማህበር መሰረት ከምእተጸንዐ ሓቢሮም ብሓቂ መላእ ሕይወት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኣምር ክበሃል ዝከኣል ኢዩ ኢሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተላለይዎምን ኣብ ዝተፈላለየ በቢ ዓመቱ ኣብቲ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ዝዳለው ብውሳኔኦም ምሰረት ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ብዙሕ ግዜ ብሓባር ከምእተሳተፉ እውን ዘኪሮም፣ ኣብ 1963 ዓ.ም. ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ሓደ ዓውደ መጽናዕቲ ንፈለማ ግዜ ዝተላለዎም ምዃኖም ጠቒሶም ሎሚ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክትእውጀሎም ምስማዕ ብሓቂ ዘሕጉስ ዜና እዩ፣ ናይ መንእሰያት ር.ሊ.ጳ. ተባሂሉም ዝግለጹን፣ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መስራትን ኣብ ልቢ ኩሉ መንእሰይ ዝዝከሩ ዓቢይ ኣቦ ምዃኖም ገሊጾም ዝገበርዎ ቃለ መሕት ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.