2013-07-06 11:16:18

ሰንበት ዘክረምት 2005 ዓ.ም.(7/7/2013)


“ንቃል አምላኽ ሰሚዕካ ምኽአል”
መዝሙር ዘክረምት፡ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም. . . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡33~51፥ ያዕ. 5፡16~ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡11~21፥ ሉቃ 8፡1~22
ምስባክ፡ ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር፥ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። “ ንሰማይ ብደመና የጎልብቦ፥ ንምድሪ ዝናም የሰናድወላ፥ አብ ጎቦታት ሣዕሪ የብቁል”። መዝ. 147፡8።
ናይ ኩሉ ምንጪ አምላኽ እዩ፥ ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ አምላኽ ንአና ንደቂ ሰብ ክጠቅም አብ ዝተፈላለየ እዋናት ከከም አድላይነቱ ይህበና። ኩሉ ዝተዋህበና ክነፍሪ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንጥቀም እዩ ስለዚ ንኹሉ ዝሀበ አምላኽ ክነመስግኖ ይግብአና። ማይ ሓደ ካብቲ ቀንዲ አብ ሕይወት ወዲ ሰብ ጠቓሚ እዩ፥ ሰውነትና ዝበዝሐ ትሕዝትኡ ማይ እዩ፥ ማይ ድሕሪ ዘየለ ሕይወት የለን፥ አብ ጸማኢ ቦታ ዘለዉ ናይ ማይ ጥቕሚ ልዕሊ ኩሉ ይርድእዎ። አብ እምነትና ማይ ናይ ምንጻሕ ምልክት እዩ፥ አብ ጥምቀት፥ አብ ዝተፈላለየ እዋን ብማይ ጸሎት ነገራት ነንጽሕ፥ አብ ቅዳሴ አብ ወይኒ ማይ ንሕውስ፥ ካህን ናይ ምንጻሕ ምልክት ብማይ ይሕጸብ፥ ስለዚ ማይ ፍሉይ እዩ። ጊዜ ክረምቲ እምብአር ነዚን ካልእን ቀንዲ ነገራት አብ ሕይወት ወዲሰብ ዝሓዘ እዩ።
ካብ 25 ሰነ ክሳብ ቂርቆስ 19 ሓምለ ዘሎ መዝሙር ዘዘርእ፥ ዘደመና፥ ዘጊሜ ክረምት ተባሂሉ ይስመ እዚ ኸአ መምስቲ ጊዚኡ ክሰማማዕ እሞ አብኡ ተመስሪትና መንፈሳዊ ጥቕሚ ክንረኽበሉ ንማለት እዩ። ናይ ሎሚ ሰንበት “ዘክረምት” ይብሃል።
ክረምቲ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ክፍለ ዓመት ንደቂ ሰባት ፍሉይ ጥቕምን ምስ መንፈሳዊ ሕይወቶም አዛሚዶም ትርጉም ክህብዎ ዝሕግዝ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ክረምቲ ኩሉ ፍጡር ሰብ እንስሳ አታኽልቲ ሳዕሪ መሮር ኮታስ ኩሉ ዝሕደሰሉ ወቕቲ እዩ። ሓዲስ ተኽሊ ዝበቑለሉ እንስሳ ብአየት ዓቢረን ክሰብሓሉ ዝጅምራሉ መረት ሓጋይ ነሩ ቆጽላይ መሲሉ ንኽትርእዮ ደስ ዘብለካ ዝኾነሉ ወድሰብ ምሉእ ተስፋ ረኺቡ ዝዘርኣሉ እዋን ስለ ዝኾነ ናይ ተስፋ ጊዜ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ፍጡር ዝሕጎሰሉ እዋን እዩ። ደቂሰብ ምሉእ እምነት አብ አምላኽ ዝገብሩሉ ጊዜ እዩ። ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ የንብርዎ። ዝናም እንተ ደንጎየ አደታት አቦታት ይምህለሉ እንተ በርትዐ እውን አብ አምላኽ ይምህለሉ ንቆልዑት ከይተረፈ ተማህለሉ አምላኽ ዓቕምና ክህበና እናበልና እንልምነሉ ጊዜ እዩ። ነዚ አብ አምላኽ ቀሪብና እንልምነሉ እዋን ክንጥቀመሉ እሞ ንኣኡ ዘሓጉስ ተግባር ክህልወና ክንጽዕር ክነስተንትን እዋኑ እዩ። ነዚ አመልኪቱ ናይ ሎሚ መዝሙር ከምዝስዕብ ይብል፡
መዝሙር፡ “ዝናም የድምጽ እሞ እንክዘንም ጥሙያት ይጸግቡ፥ ድኻታት ይሕጎሱ. . . ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓ ዝናም ድምጹ የስምዕ” ይብል።
ናይ ሎሚ መዝሙር ምስቲ አብ ክራማት ዝርአ ነገራት አተሓሒዙ ህያባት አምላኽ ይገልጸልና። አብ ሃገረሰብ ዝዓበና ፍሉይ ጣዕሚ ክራማት ይርድአና እንተ በልኩ ዝተጋነነ አይመስልንን። አብ ጊዜ ክራማት ኩሉ ሓምላይ ኮይኑ ክትርእዮ ንልቢ ዝማርኽ እንስሳ ክጸግባ ሰብ ብተስፋ ዘራእቱ ክርኢ ፍሉይ እዩ። ደመና ክደባኖ ምድረ ሰማይ ጸልሚቱ ነጎዳን በርቅን ክስማዕ እንከሎ አብ በረኻ ዝወዓለ ዓዲ ገጹ ይአቱ አብ ጻህያይን ሓለዋን ዝወዓለ አብታ መዕቆቢት ገዝኡ ኮይኑ ብሓንሳብ ንአና ዝኸውን ሃበና እናበለ ጸሎት ዝግበረሉ ፍሉይ እዋን እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወት እውን ክረምቲ ፍሉይ እምነት ዝግለጸሉ እዋን እዩ። ንአምላኽ ዝልመነሉ ኩሉ ካብ አምላኽ ምዃኑ ተአሚንሉ ንሰማይ ቋሕ እናበልካ አቕልለልና ዓቕምና ሃበና እናበልና ንጽልየሉ ጊዜ እዩ፥ ከምኡ ዝዘራእናዮ ክፈርየልና ብተስፋን እምነትን አብ አምላኽ ገርና እንጽልየሉ፥ ምስ አምላኽ ቅሩብ ርክብ እንገብረሉ እዋን እዩ።
ወንጌል ሉቃስ ምስ እዚ ወቕቲ ዝሰማማዕ ይነግረና። እዚ አብ ማር 4፡3~8፥ ማቴ 13፡4~8 እውን ክነንብቦ ንኽእል ኢና። እዚ ናይ ሉቃስ ወንጌል ብብዙሕ መገዲ እኳ ክንትርጉሞ ዝክአል እንተኾነ እቲ አብ ኁልቅ 11~15 ዘሎ ነቲ ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ ምስሌ ዝሃብዎ ትርጉም ይነግረና።
እቲ ዘርኢ ቃል አምላኽ ኮይኑ አብ ልቢ ደቂ ሰብ ምስሓደረ ፍረ ከፍሪ ዝድለ እዩ። እቲ ዘፍሪ መሬት አምሳል ልቢ ደቂ ሰብ እዩ። እንተ ኾነ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ ዝተዘርአ ይኹን እቲ መሬት ከምቲ ዝድለ ዘየፍሪ አሎ። ወንጌል ነዚ ክገልጽ እንከሎ ገሊኡ ጨራሩ በሊዐንኦ፥ ገሊኡ አብ ትሕቲ ገረብ በቚሉ ፀሓይ ስለ ዘይረኸበ፥ ገሊኡ አብ ሕማቕ መሬት ተዘሪኡ፥ በዚ ከፍሪ አይከአለን ይብለና። ፍረ ብባህጊ ጥራሕ አይመጽእን እዩ፥ ኩሉ እቲ ንኽፈሪ ዘድሊ ነገራት ክቕረብ አልኦ ድሕሪኡ አብ አምላኽ ንሓድጎ።
አብ ኁልቅ 13~15 ዘሎ ነቶም ዝሰምዕዎ ከም ዘርኢ እምበር ከምቲ መረት ገሩ አየቕርቦምን በዚ ምኽንያት ከአ ኢየሱስ ነርድእቱ ናይ እቲ ምሳሌ ዓሚቕ ምስጢርን ትርጉምን ክርድኡ ይደልዮም። ድላይ ኢየሱስ ዝረአዩ ሓዋርያት አብኡ ካብቶም ሕዝቢ ቅርብ ኢሎም ንብሕቱ ምስጢር ናይ እዚ ምሳሌ ክነግሮም ሓቲቶሞ። አብ ኢሳያስ 6፡9 ዘሎ እናጠቐሰ ‘ምፍላጥ ምስጢራት መንግስቲ አምላኽ ንአኻትኩም እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፥ ንኻልኦት ግና እናረአዩ ምእንቲ ኸይርእዩ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ ብምስላ ተዛረቦም” እናበለ ትርጉም ናይ እቲ ምሳሌን ንሶም ከም አርድእቱ ክኾንዎ ዝግብኦም ክኽተልዎ ዝደልዩ መገድን ሕይወትን አብሪሁ አስተምሂርዎም። ነቲ ንሱ ዘስተምህሮም ሰሚዖም አብ ፍረ ከብጽሑ እዩ ድላዩ።
እዚ ኢየሱስ ዘቕረቦ ምሳሌ እቲ ቃል አምላኽ አብ ልቢ ብዙሓት ከም ዝዝርእ እሞ ፍረ ክህልዎ ድላይ አምላኽ ከምዝኾነ ምሕሳብ የድሊ። ነዚ አብ ግብሪ ክነውዕል ነዞም ዝስዕብ ነገራት ክንገብር ይግባእ፡

ቃል አምላኽ ክንሰምዕ እዩ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘስተምህረና። እቲ አብ ልብና ዝተዘርአ ቃል አምላኽ ከከም ዓቕሙ ከፍሪ እንከሎ ጥራሕ እዩ አብ ሕይወትና ትርጉም ዝህልዎ። አብ አፍደገ ልብና ኮይኑ ክፈቱለይ ቃለይ ከስምዕኩም ይብለና አሎ መድኃኔ ዓለም። ንኽይትሰምዕ ከዊሉካ ዘሎ ምቕንጣጥ የድሊ። አብ ልብኻ ጠቢቁ አይለቅቕን ኢሉ ንዘሎ ድኹም መንፈስ ሎሚ ክንስዕሮ የድሊ።
ሰሚዕካ ክትቅይር ኩላትና አብ ሕይወትና ከም እንፈልጦ ቀሊል አይኮነን። ጸጋ አምላክ የድልየና ስለዚ ንአምላኽ ክሰምዓካ ሓግዘኒ ንበሎ። አምላኽ ቃሉ ብብዙሕ መገዲ እዩ ዘስምዓና ነሕዋትና ልኢኹ መልእኽቱ ይሰደልና፥ አብ ገለ እዋን ከአ በቲ ዝጓነፈና ነገራት ቃሉ የስምዕና። ነቲ ዝመጸካ መልእኽቲ ነቲ ዝተገልጸካ ርኢኻ ምኽአል የድሊ። ሎሚ እንታይ መልእክቲ አምላኽ መጺኡኒ አሎ ኢልና ክንሓትት እንተ ኸአልና አብ ሕይወትና ተሓድሶ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ክነግስ እዩ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.