2013-07-04 16:44:25

ደቡብ ሱዳን፦ ጸሎት ምእንቲ ሰላም


RealAudioMP3 ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ከተማ ሩምበክ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ኣባ ፈርናንዶ ኮሎምቦ ኣብታ ሃገር ዝተጀመረ ጸሎተ ሰሙን ምእንቲ ሰላም ምኽንያት፦ “ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ኣብ ሱዳን ዓሚዩቕ ማሕበራውን ሰብኣውን በሰላ ከምዝሓደገን እውነተይና ዕርቂ ክረጋገጽ ብዙሕ ዓመታት ይሓትት፣ እዚ ግን ክርስቲያንን ናይ ምዃን እምነትና መምዘኒ እዩ እሞ፣ እቲ ዕርቂ በቲ እንቕበሎ ስቓይ ዘይኮነስ ብኣብነት ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባር እዩ ዝዕቀን” እክብሉ ከምዝገለጹ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ መደብ ጸሎተ ሰሙን ምእንቲ ሰላም ኣብ ሱዳን በቲ ብመንግስቲ ዝቖመ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ኮሚቴ ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ እታ ኮሚቴ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ዳኔል ደንግን ናይ ቶሪት ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓሪደ ታባን ሊቀ መንበርነት ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ፣ እታ ኮሚቴ ዝተሳተፈትሉ ሰሙነ ጸሎት እምንቲ ሰላም ዕለት 3 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣብ ካልቫ ኪር ግዝኣት ብዘዕረግዎ ናይ ሓባር ጸሎት ከምእተጀመረን ቀጺሉ ኣብ ዓሰርተ ከቢቢ ደቡብ ሱዳን ክቕጽል ምዃኑን እቲ ምእንቲ ሰላም ናይ ሰሙን ጸሎት ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ማሕበራዊ ብስለት ኣብነት ዝተኸተለ ከምዝኾነ ኣባ ኮሎምቦ ከምዝሓበሩን፣ ብፋላይ እቲ ካብ 1983 ክሳብ 2005 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኻየደ ካልኣይ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዘስዓቦ ሰብኣውን ማሕበራውን ኪሳራን ማህሰይትን ሞትን ዝነቕል ድላይ ብሩህ ተስፋ ክውለድ ዝብል መደብ ጸሎት እዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ብሔራዊ ጸሎተ ሰሙን ምእንቲ ሰላም ናይ ደቡብ ሱዳን ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ዝጠናቐቕ ከምዝኸውን ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ደቡብ ሱዳን 60 ዝተፈላለዩ ዓሌት ከምዘለዉን ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን እውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ በዓል ቤት ንምዃን ብዝብል ድላይ መሰረት ሕድ ሕዳዊ ምስሕሓብ እውን ዝርአይ ምዃኑን ናይዚ ምስሕሓብ’ዚ መንቀሊ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሕድ ሕድ ግጭት ዝተሰርተ ከምዝኾነ ኣባ ኮሎምቦ ከምዝሓብሩ ገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ማላካል ሓዋርያዊ መንበር ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ሮኮ ታባን ኣብታ ሃገር ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ጸሎት ወሳኒ ምዃኑን ጸሎተ ሰሙን ምእንቲ ሰላም መንፈሳዊ መደብ ኣብ ዝተጀመረሉ ዕለት ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ኣስተንትኖ “ሰላም ኣብ ዓውደ መጽናዕትታት ዘይኮነስ ኣብቲ ግርጭት ዘለሉ ስፍራ ብምዃድን እሞ ምስቶም ናይቲ ግርጭት ተዋሳእቲ ኣካላትን በዚ ግርጭት ምኽንያት ምስ ዝሳቐዩ ቀሪብካ ብምዝታይ እዩ” ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ሰላም ብዘይ ዕርቂ ከምዘይመጽእን እቲ ናይ ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ሰላም ናይቲ ከባቢ ጸረ ሰላም ዝኾነ ተግባር መንቀሊኡ ብዕምቆት ምርዳእን ናብቲ ናይቲ ግጭት መፍትሒ ንምብጻሕን ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ሩምበክ ዝርከብ ጉድ ኒውስ ካቶሊካዊ ራዲዮ ናይ ቀላያት ግዝኣት ኣመሓዳሪ ዕለት 28 ሰነ 2013 ዓ.ም. ፈነወኡ ከቋርጽ ድሕሪ ምውሳኖም ዝዝከር ኮይኑ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሚኒ. ናይ ቀላያት ከባቢ ምምሕዳር እቲ ጉድ ኔውስ እትሰምየ ራዲዮ ፈነወኡ ክቕጽል ዝብል ናይ ውሳኔ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ኣባ ኮሎምቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ እቲ ራዲዮ ፈነወኡ ከቋርጽ ኣብ ዝተገብረ ውሳኔ ናይ ሚኒ. መራኸቢ ብዙሃን ኢድ እውን ከምዝነበሮ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ፣ እቲ ውሳኔ ምቁራጽ ፈነወ ናይ ደቡብ ሱዳን ሕገ መንግስቲ ዝግህስብ ምዃኑ ሱዳን ትሪቡነ እተሰምያ ዕለታዊ ጋዜጣ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰብኣዊ መሰል ሓልዮ ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ፣ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ክሕሎ ይግባእ ከምዝበለ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.