2013-07-02 16:12:27

ደቡብ ሱዳን፦ ጸሎተ ሰሙን ምእንቲ ሰላም


RealAudioMP3 ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ማላካል ሓዋርያዊ መንበር ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ሮኮ ታባን ኣብታ ሃገር ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ጸሎት ወሳኒ ምዃኑን ጸሎተ ሰሙን ምእንቲ ሰላም መንፈሳዊ መደብ ኣብ ዝተጀመረሉ ዕለት ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ኣስተንትኖ “ሰላም ኣብ ዓውደ መጽናዕትታት ዘይኮነስ ኣብቲ ግርጭት ዘለሉ ስፍራ ብምዃድን እሞ ምስቶም ናይቲ ግርጭት ተዋሳእቲ ኣካላትን በዚ ግርጭት ምኽንያት ምስ ዝሳቐዩ ቀሪብካ ብምዝታይ እዩ” ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ምእንቲ ሰላም ክጽለይ ምእንቲ ዕርቂ ክጽለይ ናይ ግድን እዩ። ሰላም ብዘይ ዕርቂ ከምዘይመጽእ ከምዘመልከቱን እቲ ናይ ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ሰላም ናይቲ ከባቢ ጸረ ሰላም ዝኾነ ተግባር መንቀሊኡ ብዕምቆት ምርዳእን ናብቲ ናይቲ ግጭት መፍትሒ ምቕራብን ዝብል ምዃኑን እቲ ናይ ሳምንቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም እቲ መንግስቲ ክቐውም ዝጸውዖን ኣብ ደቡብ ሱዳን ብናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ዳኒይለ በንግ ቡልን ብናይ ቶሪት ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓሪደ ታባን ዝምርሕ ዝቖሞ ናይ ሰላም ኮሚቴ ዘነቓቕሖ መደብ ከምዝኾነን እቲ መደብ ጸሎት ትማሊ ጀሚሩ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን በዓል ከልኣይ ዓመት ናጽነት ዝጠናቐቕ ምዃኑ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.