2013-07-02 16:06:45

መዓልቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ተመካርያንን


RealAudioMP3 በዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ምኽንያት ኣባኻ ርጉጽን ተኣማማንን እየ” ብዝብል ቃል ተመሪሑ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 7 ሓምለ 2013 ዓ.ም. መዓልቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማትን ተመካርያንን ምእንቲ ኵሎም ኣብ ጎዳና ጸዋዕታ ዝጓዓዙ ክበዓል ምዃኑ ብዛዕባ እዚ መደብ ናይ ሓድሽ ኣስፍትሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ንዝሃብዎ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
ካብ ቻይናንን ጃፓንን ቨትናም ዚምባብወን ታንዛኒያን ቺለን ኡራጉዋይን ደሴት ሶሎሞን ሃጋርት ዝርከብኦ ብጠቕላላ ካብ 66 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሺሕ ዝግመቱ ተመርሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማትን ተመካርያንን ሮማ ክበጽሑ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ፦ ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ናይ መናንያን ሕይወትን ዘርኣ ክህነትን ገዳማትን ተመሃሮን ተመካርያንን ምዝካርን ንኣኣቶም ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ዝሓስብ ዕለት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ናይ ብዙሓት ናይ ገዳማውን ዘርኣ ክህነትን ጸዋዕታ ዝተዓደሉ መንእሰያት ሓጐስ ዝቃላሓሉን ዝምስከረሉን እዋን ከምዝኸውን” ብፁዕነቶም ከምዘመልከቱ ሓቢረን።
ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ተኣሚንካን ህላዌኻ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያንን ሕዝብን ምምራሕ ዝቃልሓሉ እዋንን ክመኡ እውን ካብ መዓልቲ ሕይወትና ቁሩብ ሰዓት ዝሓትት ጸዋዕታ ዘይኮነስ መላእ ሕይወት ዝብልን ናይዚ ሓይሊ ድማ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምርኻብ ዝምንጭ ምዃኑ ዝቃልሓሉ እዩ” ከብዝበሉ ሮበርታ ጂሶቲ ገሊጸን።
እቶም ተመሃሮ ዕለት 6 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ክራኸቡን ዕለት 7 ሓምሌ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉን፣ ቅድም ዕለት 4 ሓምለ 2013 ዓ.ም. እቶም ተመሃሮ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ መንፈሳዊ ንገደት ፈጺሞም ኣብ ትሕቲ ባይታ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ መፍንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ክጽልዩ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ኣስተንትኖ ከቕርቡ ምዃኖምን ኣብ ሮማ ቅዱሳት ስፍራ ምብጻሕ ከካይዱን ክጽልዩን ዕለት 6 ሓምለ ኣብ ጳጵሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክቐርበሎም ከምዝኾነን ድሕሪ ቐትሪ ብናይ መናንያን ሕይወት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ተመሪሖም ማርያማው መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ከምዝሓበሩ ዝገለጻ ጂሶቲ ኣስዒበን፣ ወርሒ ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዝበዓለሉ እዋን ምዃኑ ብፁዕነቶም ዘኪሮም ብሓቂ ብዙሓት መንእሰያት ዘሳተትፍን ጸዋዕታ ዝፈርየሉን እዋን ከምዝኸውን እምነትና እዩ ከምዝበሉ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.