Home Archivio
2013-06-29 16:20:52
ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ሱታፌ ዓይነ ስውራን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት
ኣብ ማራከች ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥነ ፍልጠት በዓል ቤታዊ መሰል ማኅበር ኣብ ዘካየዶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ተሳቲፎም ዘረባ ከምዘስምዑ ክምልከት እንከሎ እቲ ጉባኤ፦ ዓይነ ስውራንን እቶም ዓይኒ ናይ ምርዓይ ብቕዓቱ ዝደኽሞም ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ተሳታፍነቶም ክብ ንምባልን ድርሰታቶም ናይ ስነ ፍልጠት ጽሑፋቶም ንሕትመት ክበቅዕን ኣብ ምሕታም ክዋስኡ ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈረመን ቅድስቲ መንበር በዚ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣዚያ ከምእተሓጎሰት ገሊጾም። ቅድስቲ መንበር ኣብ’ቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ክታማ ብቕልጡፍ ብምንባር ክትቕበሎን ኣብ መላእ ዓለም ቅቡል ኮይኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጎስጓስ ከምእተካይድ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
All the contents on this site are copyrighted ©.