2013-06-29 16:20:52

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ሱታፌ ዓይነ ስውራን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት


RealAudioMP3 ኣብ ማራከች ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥነ ፍልጠት በዓል ቤታዊ መሰል ማኅበር ኣብ ዘካየዶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ተሳቲፎም ዘረባ ከምዘስምዑ ክምልከት እንከሎ እቲ ጉባኤ፦ ዓይነ ስውራንን እቶም ዓይኒ ናይ ምርዓይ ብቕዓቱ ዝደኽሞም ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ተሳታፍነቶም ክብ ንምባልን ድርሰታቶም ናይ ስነ ፍልጠት ጽሑፋቶም ንሕትመት ክበቅዕን ኣብ ምሕታም ክዋስኡ ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈረመን ቅድስቲ መንበር በዚ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣዚያ ከምእተሓጎሰት ገሊጾም። ቅድስቲ መንበር ኣብ’ቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ክታማ ብቕልጡፍ ብምንባር ክትቕበሎን ኣብ መላእ ዓለም ቅቡል ኮይኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጎስጓስ ከምእተካይድ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.