2013-06-28 10:43:19

አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኵልና ማዕረ ኢና፣ አነ’ውን ምሳኹም ማዕረ ኢየ፤ አብ ቤተ ክርስትያን ዘይረብሕ ሰብ ዝበሃል የለን፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ረፍዲ አብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ ንምእመናንን ነጋድያንን አብ ዝሃብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ምሥጢር ቤተ ክርስትያንን ትርጉሙን አብ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ብዝምልከት አብ ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ትማሊ እውን ነቲ ቤተ ክርስትያን ቤተ መቅደስ አምላኽ ብማለት አበው ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብቲ ብርሃነ አሕዛብ ዝብል ሰነድ ቍ 9 ዝሃብዎ ስያሜ ብዝምልከት አስተምሂሮም፣ እዚ ቤተ መቅደስ እዚ ንሕና ከምዝኾናን ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝብሎ ሕያዋን ኣእማን ብምዃን ንቤተ ከም እነቅውም ምስ ገለጹ አብዚ ሕንጻ እዚ ነፍሲ ወከፍ በቦታኡ ከምዘሎና ንኩልና አተሓባቢሩ ዝሕዝን እምኒ ኵርናዕ ኮይኑ ብምድጋፍ ነታ ቤተ ክርስትያን አጽኒዑ ዝሕዛን ዝመርሓን ክርስቶስ ምዃኑ ምስ ገለጹ ምናልባት ከም ሰብ አዊ አተሓሳስባ እዚ አይጠቅምን ኢዩ ወይ እውን አነ ምንም አይረብሕን ኢየ ብማለት ካብዚ ሕንጻ እዚ ክንመሉቍ እንተፈቲና ነቲ ቦታና ዝትከኦ ስለዘየሎ አብቲ ሕንጻ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ምጭውቲ ቤተ ክርስትያን ክፉት ቦታ ብምግዳፍ ነቲ ጽባቄአ ክነበላሹ ስለ እንኽእል ኩልና ብማዕረ አድለይቲ ምዃና ተረዲእና እንተስ ብትህኪትናን ሸለልትነናን ዝንጋዔናን ባዕልና ካብአ ከይንግለል እንተስ ንካልኦት ከምዘይረብሑን ምንም ከምዘይጠቅሙን ፈሪድና ከይንግልሎም ሓደራ ቢሎም፣ በዚ ከአ እቲ ከም መባእታ ናይዚ አስተምህሮ ዝተመርጸ አርእስቲ ኩልና አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ማዕረ ከምዝኾናን አይረብሕን ኢዩ ዝበሃል አካል ከምዘየሎን ዝተገልጸ፣
እዚ ቤተ መቅደስ ዝብል ሓረግ ናብቲ ናይ ኦሪት አተሓሳስባ ከምዝወስደናን ብኢድ ሰብ ዝተሓንጸ ቤት እንክኸውን እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እግዚአብሔር አብ ማእከሎም ከምዘሎን ከምዝመርሖምን ዘመልክት ሓደ ገዛ ክህብዎ ስለዝደለዩ ኢዩ፣ እንተኾነ አብ ሓዲስ ኪዳን እግዚአብሔር ባዕሉ ብምሥጢረ ሥጋዌ ሕያው ቤተ መቅደስ ይሰርሕ፤ እዚ ሕያው ቤተ መቅደስ እዚ ከአ ክርስቶስ ኢዩ፣ ንሕና ከአ ምስ ክርስቶስ ብምውህሃድ ናይዚ ሕንጻ አምላኽ ሕያዋን አ እማን ኢና፣ ብተናጸል በብሓደ ዘይኮነ ኩልና ብሓባር ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና እዚ ከአ ኢዩ ቤተ ክርስትያን ዝበሃል፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ነገራትን ጥቅምታትን ዝተሓላለኸ ነገር ዘይኮነስ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍና ከአ በቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበልናዮ ጸጋ ሕያዋን አእማን ንኸውን፣ እዚ ከአ አብ ቤተ ክርስትያን ዘይረብሕ ሰብ ዝበሃል ከምዘየሎ የመልክተልና ቢሎም፣
“አብ ቤተ ክርስትያን ዘይረብሕ ዘይጠቅም ዝበሃል ማንም ሰብ የለን! ምናልባት ሓደ ሰብ ነቲ ካል እ ንስኻ ዘይትረብሕ ሰብ ኢኻ ናብ ገዛኻ ኪድ እንተቢልዎ እዚ ጌጋ ኢዩ፣ አብ ቤት ክርስትያን ዘየድሊ ሰብ የሎን፣ ኵልና ነዚ ሕንጻ እዚ ንምሕናጽ አድለይቲ ኢና፣ ከም ካልአይ ደረጃ ወይ ዜጋ ዝጥመት ወላ ሓደ የሎን፣ በንጻሩ ከአ አብ ቤተ ክርስትያን ሓለፋ ካልኦት አድላዪ ዝበሃል እውን የልቦ፣
“አብ ቅድሚ አዕንይቲ እግዚአብሔር ኵልና ማዕረ ኢና! ኵልና! ኵልና ማዕረ ኢና! ምናልባት ሓደ ካባኹም ስምዑስከ ር.ሊ.ጳ ንስኹም ብሓቂ ማዕረና ኢኹም እንተቢሉኒ፣ እወ! ከም ነፍሲ ወከፍኩም ኢየ! ኵልና ማዕረ ኢና፣ ኵልና አሕዋት ኢና፣ ካብዚ ዝወጽ እ ሓደ እኳ የልቦን፣ ኵልና ንቤተ ክርስትያን ነቅውም! ንቤተ ክርስትያን ከአ ንሓንጽ፣ ቢሎም፣
“ካልኦት ከአ አነ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘራኽብ የብለይን ዝብሉ አይሰአኑን፣ ኮይኑ ግን አብቲ ውቍብ ሕንጻ ቤተ መቅደስ ናይ ሕይወትካ ሕጡብ ይጐድል! ስለዚኸስ ሓደ እኳ ክኸይድ አይክ እልን! ኵልና ናብ ቤተ ክርስትያን ሕይወትና ልብና ፍቅርና ሓሳብና ሥራሓና ወዘተ ሒዝና ክንቀርብ አሎና፣ ነዚ ኵልና ብሓንሳብ ሓቢርና ንግበሮ፣
አብ ማኅበራትና ንጡፋት ተሳተፍቲ ክንከውን ልባትና ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ክፉት ንግበሮ፣ ወትሩ ሕያዋን አእማን ክንከውን አሎና፣ ዝደኸሙ ዝሰልቸው አይምውቃት አይዝሑላት ክንከውን የልብናን፣ ስለዚ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያና ንጡፋት ተሳተፍቲ እምበር ዝደኸሙን ዝሰልቸውን ዝደስከሉን አእማን ከይንኸውን ልብና ንመንፈስ ቅዱስ ንኽፈቶ፣
ሓደ ድኹምን ዝሰልቸዎን ዘይግድሶን ክርስትያን ምርአይ ክሳብ ክንደይ ሕማቅ ምዃኑ ርኢኹምዶ? ብሓቂ ሕማቅ ትርኢት ኢዩ ከምዚ ቢልካ ክርስትያን ክኽወን አይከአልን፣ ክርስትያን ዘቦኡ ሕያው ክኸውን አለዎ! ክርስትያን ብምዃኑ ሕጉስ ክኸውን አለዎ! ነዚ ጽባቀ እዚ ከአ ነታ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንምሕናጽ ክጥቀመሉ አለዎ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ናይ ዘመንና ናይ መራኸቢ ብዙሓን ትዊተር ብዝበሃል ዝለአኽዎ ሓጺር መልእኽቲ ከአ “ፍቅሪ ትዕግሥትን ኃልዮትን ዝበለጹ መዛግብ ኢዮም፣ ምስ ወነንካዮም ብኡንብኡ ምስ ካልኦት ክትሳተፎም ትደሊ” እንክብሉ ኩልና ክነጥርዮም አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.