2013-06-25 15:56:08

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ከቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ብዘይ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ ሓሳብ ጸቕጢ ‘ቃል’ ዝሕብር ድምጺ እዩ


RealAudioMP3 ብላቲን ሥርዓት ዕለት 24 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ በዓል ልደት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ከምዘብዓለት እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ተዓጂቦም ካህናትን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ተሓባበርትን ናይ ቅዱሳት ስነ ጥንትን ቅርስን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቴምብርን ሰልድ ቅርሲ ውህለላን ክኢላን ክፍሊ መጽናዕትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ኣባላት ዝተሳተፍሉ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ “ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ብዘይ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ ሓሳብ ጸቕጢ ቃል ዝሕብር ድምጺ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ “ቅዱስ ዮሓንስ ገዛእ ርእሱ ዘጽነተ እዩ። ጸዋዕታ ዮሓንስ ድማ ገዛእ ርእስኻ ምጽናት ወይ ድማ ምኽሓድ እዩ። ናይዚ ዓቢይን ሓያልን ሰብ ሕይወት ከነስተንትን እንከለና፣ ኰሎም ንሱ መሲሕ ቢሎም ከምዝገመትዎን፣ እዚ ከነስተንትን እንከለና ድማ ገዛእ ርእሱ ብምልኣት ዝኸሓደን ክሳብ ኣብ ጸልማት ቤተ ማእሰርቲ ይምራሕ እዚ ዓቢይ ምስጢር ኢና ኣብኡ እነስተንትን። ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ሕይወት ቅዱስ ዮሓንስ ብዙሕ እንፈልጦ ነገር የሎን ሓበሬታ እውን የብልናን፣ ከም እተቐትለ ጥራሕ ኢና እንፈልጥ፣ ርእሱ ተቐንጺሉ ኣብ ዓቢይ ጓንተራ ከም ገጸ በረከት ንሓንቲ ሳዕሳዒት ኣምላኺት ጣኦት ከምእተውሃበ ወንጌላውያን ይሕብሩና። ካብዚ ንላዕሊ ንሓስቦን ንፈልጦን ነገር የብልናን። ገዛእ ርእሱ ዘጽነተ እዩ። ናይ ዮሓንስ ፍጻሜ ገዛእ ርእስኻ ምንጻት እዩ” ከምዝበሉ ናይ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም፦ “ሕላዌ ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ቃል ድምጺ ኣብ ምዃን እዩ ዘሎ። ናይቲ ቃል ዝኾነ መርዓዊኣ ድምጺ ምዃን እዩ። ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ መስዋዕትነት ነቲ ቃል ምብሳር እዩ። ኣብ ቅድሚ ዕቡያትን ዕቡያት መላእ ምድርን ዝኽፈል መስዋዕትነ እዩ። ዮሓንስ ክዕበይን ዓቢይ ተባሂሉ ክዝረበሉን ክሕሰብን ኣንተዝደሊ ኔሩ ብዛዕባኡ ገለ ነገር ምስ በለ፣ ኰይኒ ግን እዚ ፈጺሙ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን፣ እቲ ንሱ ዝፈልጦን ዝኾኖን ‘ዝመርሕን ዝሕብርን ድምጺ ቃል እምበር ገዛእ ርእሱ ቃል ኣይነበረን’ ናይ ዮሓንስ ዓቢይ ምስጢር እዚ እዩ። ዮሓንስ ሓጢኣይት ዘይፈጸመ ቅዱስ ስለምታይ ተባህለ? እቲ ሓቂ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ወይ ድማ ወናኒ ሓቂ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ካብ ዘይምቕራቡን ዘይምሕሳቡን እዩ። እቲ ቃል ክብ ክብል ገዛእ ርእሱ ዝኸሓደን ዘንጸተን እዩ። ከም ቤተ ክርስቲያን ድማ ሎሚ ዕለቱ ርእዮተ ዓለማዊት ቤተ ክርስቲያን ከይትኸውን ዘብቅዓና ጸጋ ንለምን” ምስ በሉ፦ “ቅዱስ ዮሓንስ ንዓናን ንቤተ ክርስቲያን ዘቕርበልና ኣርአያ ኣገልገልቲ ቃል ምዃን ዝብል እዩ። ንገዛ ርእሳ ወለ ሓደ’ኳ ዘይትእክብ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ማለት ምዃና እዩ ዝገልጸልና። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ናይ ደስታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ቃል ክጽመድን ናይቲ ቃል ድምጺ ክትኸውንን ነዚ ቃል ክትሰብኽን መታን ጸልይና። ንዮሓንስ ናይ ምምሳል ጸጋ ንለምን፣ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ናይ ገዛእ ርእሲ ስነ ሓሳብን ወንጌል ብዘይ ናይ ግሊ ንብረት ገርካ ዘይምሓሳብን ሓንቲ ድምጺ ዝኾነት ናብ ቃል እትመርሕን ነቲ ቃል እትሕብር ክሳብ መስዋዕትነት እውን እትበጽሕ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ንለምን” ቢሎም ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.