2013-06-22 18:59:44

ሰንበት ዘዕርገት 2005ዓ.ም ( 6/16/2013)


“አመ ሣልስተ ዕለት ሞዖ ለሞት ወዐርገ ውስተ ሰማያት”
ንባባት፡ ኤፈ 1፡17~23፥ 1ጴ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡1~11፥ ማር 16፡15~20 (ዕብ. 9፡24~28፥ 1፡፡19~23፡ ማቴ 28፡16~2/ ሉቃስ 24፡46~53)።
ስብከት ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ፥ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፥ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። እግዚአብሔር ብዕልልታ ዓረገ፥ ጎይታና እውን ብመለኸት ዓረገ፥ ዘምሩ ንኣምላኽና ዘምሩ” መዝ. 47፡5~6።
መዝሙር በሰንበት ዐርገ ሐመረ.. . .
“ብሰንበት አብ መርከብ ደየበ ንባሕርን ንንፋሳትን ገሰጾም፥ ከምዚኸኣ በሎም፥ አብ ልብኹም ጥርጥር አይእቶ ከምቲ አቦይ ንአይ ዝለኸኒ አነ ኸአ ንአኻትኩም እልከኩም አሎኹ አብ ቤት አቦይ ብዙሕ ማኃደር አሎ እንደገና ክመጽእ እየ ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ አብ ሰማያት ምእንቲ ክትኮኑ እውን ክወስደኩም እየ”።
አብ ወንጌል ሉቃስ ዘሎን አብ ግብረ ሓዋርያት ዘሎን እንተ አንበብናዮ ዝገራጮ ይመስል። ክልቲኡ ወላ እኳ ብሉቃስ ይጽሓፍ እምበር አብ ወንጌል ናይ ኢየሱስ ዕርገት አብ መዓልት ትንሣኤ አብ ሰንበት ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። አብ ግ.ሓ. 40 መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ከምዝኾነ ይነግር። አብ ወንጌል ዕርገትን ትንሣኤን ከም ሓደ ፍጻሜ እዩ ዝገብሮ። አብ ግ.ሓ. ግን ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጻሜታት ከምዝኾኑ ገሩ እዩ ዝገልጾ።
ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና ዕርገት ክፍሊ ትንሣኤ እዩ። ትንሣኤ ዘተኵሮ ኢየሱስ አብ ሓዲስ ሕይወት ከምዝአተወ እዚ ከአ ነቲ ዝነበሮ ሕይወት አመሓይሹ ማለት ዘይኮነ አብ ሓዲስ ሕይወት አትዩ ማለት እዩ። ዕርገት ብዝያዳ ዘመልክቶ ኢየሱስ ምስ ሰማያዊ አብኡ ከምዘሎ እዩ። ንሱ ምስ ሰማያዊ አብኡ አብ ምስጢረ መለኮት ሓደ ኮይኑ ሓዲስ ሕይወት ጀሚሩ። እዚ ክብሃል እንከሎ ናብራ ትስብእቲ ሓዲ ማለት እምበር መለኮትስ ኩሉ ጊዜ ሓደ እዩ አይሕደስ አይልወጥ።
ሓቀኛ ትርጉም ዕርገት፡
ሓቀኛ ትርጉም ዕርገት አብ መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ምዕ. 9 ዘሎ እንተ አንበብና ክንረኽቦ ንኽእል። አብዚ ጸሓፋይ ዕብራውያን አነጺሩ ፍልልይ ተራ ኢየሱስን ናይ አይሁድ ሊቀ ካህናት ዝገብርዎ ይገልጽ። ክርስቶስ አብ ሰብ ዝሰርሖ መቕደስ ከምዘይአቶ ከመልክት ኢሉ “ክርስቶስ አብ ክንዳና አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ምእንቲ ክብል ናብ ሰማይ አተወ እምበር ናብታ ብኢድ ሰብ ዝተገብረት ናይ እታ ቐንዲ መቕደስ ምስሊ ዝኾነት አይአተወን፥ ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት ደም ካልእ ኂዙ ናብ መቕደስ ዝአቱ ክርስቶስ ገዛ ርእሱ ብዙኅሳዕ ኪሥውዕ ናብ ሰማይ አይአተወን፥ ከም ሊቀ ካህናት ዘቕርቦ ደም መስዋዕቲ ናይ አጣልን አብዑርን ዘይኮነ ኢየሱስ አብ ቅድሚ አምላኽ አትዩ ደሙ አብ መስቀል እዩ አፍሲስ፥ ክርስቶስ ንሓንሳብን ንሓዋርን ምእንቲ ኩሉ ንገዛእ ርእሱ በጃ ሂቡ እዩ፥ ከምኡ ኸአ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢአት ምእንቲ ከርሕቕ ሓንሳእ ዝተሰውዐ ክርስቶስ ኃጢአት ኪፀውር ዘይኮነስ ንምድኃን እቶም ዚጽበይዎ ኻልአይ ጊዜ ኺግለጽ እዩ” (ዕብ 9፡24~10፡23) ይብል።
ንሕና ከመይ ኢልና ኢና ነዚ ክንሳተፎ እንኽእል። ነዚ መልሱ እንደገና አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ኢና እንረኽቦ “ስለዚ አኅዋተይ ሳላ ደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእቱ እምንቶ ረኺብና ኢና። እንአትዎ ኸአ በቲ መጋረጃ ማለት ብሰብነቱ ዝተኸፍተ ሓዲሽን ሕያውን ዝኾነ መገዲ አቢልና ኢና። አብ ቤት አምላኽ ዓቢ ካህን አሎና፥ ስለዚ በዲለ ካብ ዝብል ሕሊና ልብና አንጺሕና ሰብነትና ብንጹሕ ማይ ሓጺብና ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ናብ አምላኽ ንቕረብ” (ዕብ 10፡19~22) እናበለ ዓሚቅ ትምህርቲ ይገልጸልና።
ኢየሱስ ንአረጊድ መገዲ ብምልኡ ብሓዲስ መገዲ ተኪእዎ እዩ። እቲ አምላኽ ዝርከቦ ቦታ ንሱ ሓዲስ ቅድስተ ቅዱሳን እዩ። ኢየሱስ መጋረጃ ኮይኑ ብአኡ አቢልና ኩልና አብቲ ናይ ክርስቶስ ክህነት እንሳተፎ እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ ክንቀውም ዘኽእለና እዩ። እዚ እዩ ትርጉም ዕርገት ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና። ስለዚ ዘፍርሕ የብልናን። ነጻነት አሎና ብሞትን ትንሣኤን ዕርገትን ኢየሱስ አቢልና አብቲ ቅዱስ ቦታ ክንከይድ ንኽእል ኢና። እዚ መገዲ እዩ ዝተኸፍተልና አብ ጊዜ ጥምቀትናን ከምኡ አብ ሕይወት ማሕበር ክርስትያን ክንሳተፍ እንከሎና።
ንስራሕ ኢየሱስ ምቕጻል፡
ቅድሚ አብ ክብርን ግርማን ኢየሱስ ምስታፍና ክንገብሮ ዝግብአና ስራሕ አሎ። ኢየሱስ ክሓድገና እንከሎ አነጺሩ ዝበሎ ነገር አሎ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ክንቅጽል። ንሱ ኸምዝበሎ ልክዕ ከምቲ ዝገበሮ ወላ እውን ካብኡ ዝዓቢ ነገር ክትገብሩ ትኽእሉ ኢሉ ነጊሩና። ንሓዋርያቱ ቅድሚ ካብኦም ምፍላዩ አብ ኢየሩሳሌም ክምለሱ እሞ አብኡ ኮይኖም ንምምጻእ መንፈስ ቅዱስ ክጸብዩ ነጊርዎም።
እዚ ተመክሮ እዚ ጥምቀቶም ክኸውን እዩ፥ ብመንፈስ ኢየሱስ ክመልኡ እዮም። ሓዋርያቱ ግን ቅድሚ ምሕዳጎም ከምዚ እናበሉ ሓቲቶሞ፥ “ጎይታ አብዚ ጊዜ ዲኻ ንመንግስቲ እስራኤል እቶቑሞ? ግና ክሳብ መወዳእታ ስዓት እውን ናይ ኢየሱስ ሕይወት ትርጉምን ኩሉ ስርሑን ክርድእዎ አይከአሉን። ክስብ ሕጂ ንሱ እንታይ ዓይነት መስሕ ምዃኑ ጌና አይተረድእዎን።
ኢየሱስ ንመንግስቲ እስራኤል አይኮነን ዝሕድስ ወይ ዘቕውም ንሱ ሓዲስ መንግስቲ ንኹሉ ዝኸውን እዩ ዘቕውም። እዚ መንግስቲ እዚ ንኹሎም አህዛብ ዓለም ከጠቓልል ክፉት እዩ። እዚ መንግስቲ እዚ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ወይ ወተሃደራዊ ስልጣን ዝውንን አይኮነን። ብአንጻሩ “ዘለዓለማውን ናይ ኩሉን መንግስቲ፥ መንግስቲ ናይ ሓቅን ሕይወትን፥ መንግስቲ ናይ ቅድስናን ጸጋን፥ መንግስቲ ርትዒ፥ ፍቕሪን ሰላምን እዩ።
ድሕሪ ሓጺር እዋን ሓዋርያት ነዚ ክቕበልዎ እዮም አብ ኩሉ ኸአ ክሰብክዎን ከብጽሕዎን እዮም። መንፈስ ቅዱስ ምስተቐበሉ ንመንግስቲ አምላኽ ከስተማቕርዎ እዮም፥ እዚ ኸአ አብ እስራኤል ጥራሕ ወይ አብ ኢየሩሳሌም ጥራሕ ወይ አብ ይሁዳ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ኩሉ ጫፍ ዓለም ክሳብ መወዳእታ ከብጽሕዎ እዮም። እዚ እዩ ተልእክኦምን ተልእኮናን፡ “መልእኽቲ ኢየሱስ አብ ምሉእ ዓለም ምብጻሕ”።
ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክዛረቦም እንከሎ “እና ረአይዎ ንሰማይ ዓረገ ካብ አዕይንቶም ከአ ደመና ሠወረቶ” እዚ አምሳል አብ ቅድሚ አምላኽ ምህላው እዩ። ደመና ህላዌ አምላኽ ዝገልጽ እዩ አብ አገላልጻ ቅ. መጽሓፍ። ድሕሪ ደጊም ኢየሱስ ብዓይኒ ስጋ አይርአይን እዩ። ዕርገት ቃል ንቓሉ ክንትርጉሞ አይግብአናን ማለት ከም ኢየሱስ ንሰማይ ገጹ ነፊሩ አብ ሰማይ ዝብሃል ቦታ ከምዘሎ ገርና ክንወስዶ የብልናን። ንሱ ብአምሳል ደመና ዝተገልጸ አብ ሕቕፊ ሰማያዊ አብኡ እዩ ዘሎ።
ኢየሱስ ካብኦም ክሳብ ዝፍለ ንሰማይ አንቃዕሪሮም እናጠመቱ እንከለዉ ክልተ ጻዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ አብ ጥቕእሞ ደው ኢሎም፥ “አቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ አማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፥ እዚ ካባኹም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረአኽምዎ ከምኡ ገይሩ ኸአ ኺመጽእ እዩ በልዎም” (ግ.ሓ. 1፡11)። ምናልባት ብሕይወቶም እንከለዉ ዳግም መጺኡ ክርእይዎ ሓሲቦምዶ ይኾኑ። ብዙሓት አብተን ቀዳሞት ዘመናት ከምኡ ይሓስቡ ነሮም እንተ ኾነ ከምኡ ከምዘይኮነ ታሪኽ ገሊጽዎ እዩ። እዞም ጻዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ተባሂሎም ዘለዉ መላእኽቲ ከምዝኾኑ ርዱእ እዩ፥ ምስ አምላኽ ብቀጥታ ዝራኸቡ እዮም እዚ ንሶም ዝበልዎ ኸአ ነቲ ፍጻሜ ዓቢ ትርጉም ክውሃቦ ንማለት እዩ። መላእኽቲ አብ ትንሣኤ ክርስቶስ እውን ተራእዮም እዮም።
ሓዲስ ትምህርቲ፡
ሓዋርያት ሓዲስ ተመክሮ ወይ ትምህርቲ ክምሃሩ አለዎም። ንኢየሱስ አብ ሰማይ አይክረኽብዎን እዮም። እቲ ንሶም አቐዲሞም ዝፈልጥዎ ኢየሱስ እቲ ዝተሰቕለ ንኹሉ ጊዜ ሓዲግዎም እዩ። ስለዚ ንኢየሩሳሌም ክምለሱ አለዎም። አብኡ ናይ አብን ወልድን መንፈስ አብ ልዕሊኦም ምስ ወረደ ሽዑ ክርድኦም አብ ርድኢቶም ክዓብዩ ክጅምሩ እዮም። ንኢየሱስ ክረኽብዎ እንተ ደልዮም አብ ማሕበር ክርስትያን እዮም ምስቶም ኩሉ ጊዜ ምስኦም ተሓዋዊሶም ዝነብሩ እዮም ክረኽብዎ ዝኽእሉ።
ኩሉ ጊዜ ካብ አሕዋቶም ፍቕሪ ክቕበሉ እንከለዉ ናይ ኢየሱስ ህላዌ እዩ ዝገልጽ። ኩሉ ጊዜ ንሓዎም ወይ ሓፍቶም ከፍቅሩ እንከለዉ ንኢየሱስ አብ መንግኦም ህልው ይገብርዎ። ንሕናን ንሳቶምን አብዚ ዓለም ኢየሱስ ክንከውን አሎና። ንሕና ዝርአ ህላው ኢየሱስ ክንከውን ይግብአና። እዚ ዓቢን ዘፍርሕን ሓላፍነት እዩ።
ሰባት ክርእዩኒ እንከለዉ ኢየሱስዶ ይርእዩ? ሰባት ክርእዩኒ እንከለዉ ንኢየሱስ ክፈልጥዎዶ ይደልዩ? ሰባት ክርእዩኒ እንከለዉ አብ ማሕበርና አብ ክርስትናና ክሕወሱናዶ ይደልዩ? አብ ሕይወትና ክሳተፉ ንወንጌል ከም መሰረት ሕይወቶም ክወስድዎ ፍቓደኛታትዶ እዮም? እዚ እዩ ትርጉም ዕርገት።
ሎሚ አብዚ ዘሎና ነቲ ቅድሚ ዘመናት ዝኾነ ነገር ክንዝክር ኢልና አይኮናን። አብዚ ዘሎና ኢየሱስ ካብዚ ዓለም ክሓድገና እንከሎ ሓደ ፍሉይን ግድነት ክግበር ዘለዎ ተልእኮ እዩ ሂቡና ሓሊፉ። እቲ ተልእኮ ወይ ሓዋርያውነት ከአ ነቲ ንሱ ዘርአየና ፍቕሪን ድሕነትን አብ ዓለም ክንቅጽል ምእንቲ እዩ። ሎሚ እምበአር ምስኡ ኮና መልእኽቱ ክነብጽሕ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ገርና ክነብጽሕ ሓግዘና እናበልና ንለምኖ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.