2013-06-21 09:56:13

ጸብጻብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዛዕባ ተመዛበልቲ ዜጋታት ኣብ ዓለም


RealAudioMP3 ዕለት 17 ሰነ 2013 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ተመዛበልቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ዝብል ዝደረሶ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም. ልዕሊ 7.6 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ዓለም ብዝተፈላለየ ዓመጽን ግጭትን ኣድልዎን ተደሪኹ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ወይ ድማ ናብ ወጻኢ ሃገር ከምእተመዛበለን፣ ልዕሊ 23 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት በቢ ዕለቱ ብዝተፈላለዩ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ተገዲዱ ቤቱን ንብረቱን ዛሕዚሑ ዝመዛበል ምዃኑን፣ ክሳብ 2012 ዓ.ም. ጠቕላላ ብዝሒ ተመዛበልቲ 45.2 ሚሊዮን ምዃኑን እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ተመዛበልቲ ዝተራእየሉ ዓመት ድማ 1994 ከምዝነበረ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት ጸብጻብ የመልክት።
ሕዝብታት ንስደት ዝዳርግ ሽግር ንምፍታሕ ወይ ድማ መፍትሒ ንምንዳይ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ጻዕሪ ማሕበረሰብ ዓለም ኣዚዩ ድኹም ምዃኑ እቲ ሰነድ ንንባብ ንምቕራብ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ናይቲ ላዕለዋይ ድርገት ሓላፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ገሊጾም፣ ኣፍጋኒስታን ብዝሒ ተመዛበልቲ ከብ ዝበለላ ሃገርን፣ ስዕቢባ ሶማሊያ ከምዝኾነት ዘመልክት ሰነድ ዒራቕን ሶሪያን ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ዘስፈረን ክኸውን እነኮ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሒ ተመዛበልቲ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላው ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.