2013-06-21 09:44:36

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ክርስቲያን ምስሉይን ስነ ምግባረይና ፈራዲ ዘይኮነስ፣ ለጋስን ርህሩህ ልቢ ዘለዎ ይኹን


RealAudioMP3 ዕለት 19 ሰነ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ምስ ናይ ጳጳሳት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ዌለትን ምኽትሎም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሎረንዞ ባልዲሰሪን ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንሶ ፓሊያን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ዣን ላፊተን ሓቢሮም ናይቲ ቅዱስ ማሕበርን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባላትን ሰራሕተይናታትን ዘሳተፈ ንዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ብፍላይ ድማ ወንጌል ማቴዎስ ኣብ መንጎ ጸሓፍትን ማለት ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ብዝምልከት ኢየሱስ ዝበሎ ቃል ኣመርኵይዞም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “እቶም ምስሉያት ሕዝበ እግዚኣብሔር መውጽኢ ናብ ዘይብሉ መገዲ ይመርሑ፣ ኢየሱስ ገዛእ ርእስኹም ኣይትኣትዉ ካልኦት እውን ኣይተእትዉ እንክብል ይዛረብ፣ እዞም ርህራሄ ዘይብሎም ስነ ምግባራውያን ደያኑ ጠሪሾም ህያውነት ዘይፈልጡ፣ እዚ ክግበር ኣለዎ እቲ ክግበር የብሉን ጥራሕ ዝብሉን፣ ብዘይ ሕያውነት ብሕግታት ጥራሕ ይመልኡኻ። መምሃራን ክበሃሉ ዓቢይን ብርሑቕ ዝረአን ፈላጣት ዘብሎም ምልክታ ዝተለበጦ ሊቃውንትን ፍጹማትን ዘምስሎም ልቢሲ ዝለብሱ፣ ብዛዕባ ውህበትን ውበትን ጠሩሹ ኣፍልጦ ዘይብሎም፣ ቤተ መዘክራዊ ጽባቔ ጥራሕ ዝፈልጡ፣ ሊቃውንቲ ብዘይ ጥበብ ስነ ምግባራውያን ብዘይ ለውሃት ዝነብሩ እያቶም፣ እዚኣቶም ድማ እቶም ኢየሱስ ብዓውታ ዝገሰጾም ምስሉያት እዮም” ምስ በሉ ቀጺሎም፦ “ጐይታ ብዛዕባ ጸሙን ጸሎትን ምጽዋትን ይዛረብ፣ እዚእቶም ሰለስተ ዓንዲ ክርስቲያናዊ ባህሊ፣ ቤተ ክርስቲያን ክንነብሮም እተተሓሳስበናን ብፍላይ ድማ ኣብ ዓቢይ ጾም እተቕርበልና ውሳጣዊ ምልዋጥ ዝሓቱን ትግባሬኦምን ውሳጣዊ ምልዋጥ ዝብል ምዃኑ ብምትንታን ክንነብሮም እተሓሳስብ። ምስሉያትን ፈሪሳውያንን ጽባቔ ፍቕሪ ሓቂ ዘይፈልጡ እያቶም ነዚኣቶም ንመስል ከይንኸውን እዝ እዩ እቲ ዘፍርሕ። ንኣኣቶም ምምሳል መንፈስ ቅዱስ ምቅዋም ማለት እዩ። ኵላትን ኣቲ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጽእ ውሕስነት ኣሎና። ናይ ሓጎስ ለውሃትን ርህሩህ ልብን ውሕስነትና ኢየሱስ እዩ። ምስሉይ ሓጎስን ለውሃትን ርህሩህ ልብን እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ። ወትሩ ሓጢኣተይና ምዃንና ተኣሚና ኦ ጐይታይ ሓጢኣተይና እየ እሞ ምሓረኒ ሓጢኣተይና ኢና እሞ ምሓረና ዝብል ጸሎት ኣይንዘንግዕ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.