Home Archivio
2013-06-21 09:56:03
ማሊ፦ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ
ኣብ መንጐ መንግስቲ ማልን ኪዳል ዝቆጻጸር ዘሎ ደባይ ተዋጋእቲ ትዋረግ ኣብታ ኣብ ማሊ ሰላም ንኽረጋገጽ ኣብ ምሽምጋል ዓቢ ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎ ናይ ቡርኪናፋሲ መንግስቲ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ማሊ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ክሳብ ዝረጋገጸሉ እዋን ውግእን ቶኽስን ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምተፈራረሙ እንክምልከት፣ ካብ መጋቢት 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ማሊ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ዝተፈላለየ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ከምእተኻየደን እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ምርጫ ርእሰ ብሔር ማሊ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ቶኽሲ ደው ምባል ዝብል ምዃኑን እዚ እቲ ካብ መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ቱረ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስት ብምፍጻም ዝተባርዔ ናይ ሕድ ሕድ ግጭት ካብ ወርሒ ጥሪ 2013 ዓ.ም. ንነጀው ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብናይ ፈረንሳ ሓይሊ ምክልኻል ዝምራሕ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ማሊ ከምዝሰፈረ ዝዝከር እዩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.