2013-06-21 09:56:03

ማሊ፦ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ


RealAudioMP3 ኣብ መንጐ መንግስቲ ማልን ኪዳል ዝቆጻጸር ዘሎ ደባይ ተዋጋእቲ ትዋረግ ኣብታ ኣብ ማሊ ሰላም ንኽረጋገጽ ኣብ ምሽምጋል ዓቢ ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎ ናይ ቡርኪናፋሲ መንግስቲ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ኣብ ማሊ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ክሳብ ዝረጋገጸሉ እዋን ውግእን ቶኽስን ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምተፈራረሙ እንክምልከት፣ ካብ መጋቢት 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ማሊ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ዝተፈላለየ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ከምእተኻየደን እቲ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ምርጫ ርእሰ ብሔር ማሊ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ቶኽሲ ደው ምባል ዝብል ምዃኑን እዚ እቲ ካብ መጋቢት 2012 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ቱረ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስት ብምፍጻም ዝተባርዔ ናይ ሕድ ሕድ ግጭት ካብ ወርሒ ጥሪ 2013 ዓ.ም. ንነጀው ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብናይ ፈረንሳ ሓይሊ ምክልኻል ዝምራሕ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓቃቢ ሰላም ኣብ ማሊ ከምዝሰፈረ ዝዝከር እዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.