2013-06-20 16:24:16

ረቡዓዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (19/06/2013)
ምግምማዕ ንቤተ ክርስቲያን ይጎድእ፣ ናይ ሓድነት ጸጋ መታን ክንዕደል ውልቃውነት ነሰንፍ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 50 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ እንቀቕርቡ ካብ ምግምማዕን ካብ ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ጐይታ ሓራ ከውጽኣና ንለምኖ ዝብል ጸሎት ከምዝደገሙ ነቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ወገን ቤተ ክርስቲያን ምዃን ማለት ሓድነት ምስ ክርስቶስ ማለት ምዃኑ ሓቢሮም፣ መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሱታፌን ሓድነትን ክተግህ ከምዝተሓሳሰቡን ኣብ መወዳእታ እቲ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃኡን ኵርናዓቱን ክኽበር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ገሊጾም።
ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ናይ ግብረ ሰናይ ናይ ባህልን ፖለቲካን ማሕበር ማለት ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ እትጓዓዝን እትዓይን ሕያው ኣካል ከምዝኾነትን ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ኣብ ዝብል ኣገላልጻ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ኣማእኪሎም ቅዱስነቶም ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ህያውነት ምዃና ኩሉ ነዚ ክግንዘብ እንከተሓሳስቡ፣ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን መጋቢኣን መራሒኣን ዘጽንዓን ኢየሱስ ምዃኑ እንክትንትኑ፦ ርእሲ ካብ ዝተረፈ ኩሉ ኣካል እንተድኣ ተፈሊዮ ሰብ ኣይምሃለወን፣ ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ ማለት እዩ። ኣብ ኢየሱስ ብጽንዓት ጠቢቕና ምስኡ ክንከውን ይግባእ ኮይኑ ግን እዚ ጥራሕ ኣይኣክልን፣ ኣባና ኢየሱስ መታን ክዓዪን ቃሉ ከመርሓናን እቲ ዘነቓቕሓናን ንብጻይና ከነፍቅር ዘብቕዓና ሓይሊ ዝህበና ከም ኣካል መጠን እቲ ናይ ስርወ ሕይወት ንኽመሓላለፍ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ብህላዌ ቅዱስ ቁርባን ኣቢሉ ድማ ክሕብሕበና እዩ” ቢሎም ከም ቤተ ክርስቲያን ክንርድኦ ዝግብኣና እንታይ ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “ወገን ቤተ ክርስቲያን ምዃን ማለት ኣብ ክርስቶስ ሕብረትን ካብኡ እቲ ከም ክርስቲያን ህልው ዝገብር መለኮታዊ ሕይወት ምቕባል ማለት እዩ። ስለዚህ ኣብ ክርስቶስ ሕቡራት ምስቶም ናይ ሕብረትን ሱታፌን መጋበርያ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ.ን ምስቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕብረት ዘለዎም ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት ምዃን የድሊ። እዚ ማለት ድማ ውልቃውነትን ምግምማዕን ንምስናፍ ብቑዓት ዝገብር ኮይኑ ብዓቢዩ ድማ ብዙህነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃብቲ ምውህሃድ ማለት እዩ” ሕብረት ሓለፋ ዓመጽን ምግምማዕን ምዃኑን ስለዚህ ምግምማዕ ግጭትን ዓመጽን እንተድኣ ዘየሰነፍና ካብ ሰናይን ካብ ገዛእ ርእስናን ካብ እግዚኣብሔርን ዘርሕቐና ምዃኑ እንክትንቱ፦ “ኣብ መንጐና ምግምማዕን ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከምጽእ ኣብ ዝኽእል ጐደና ኣይንጓዓዝ! ሕቡራት ንኹን ምስቲ ዘሎና ብዙህነት ሕብረት ይሃልወና። ወትሩ ሕቡራት ንኹን። እዚ እዩ ድማ ጐዳና ጎይታ። እዚ እዩ ናይ ኢየሱስ መገዲ። ሕብረት ሓለፋ ግጭት እዩ። ጸጋ እዩ። ካብ ምግምማዕን ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ንኣይነትን ኣነነትን ሓሜትን ከናግፈና ኣብ ዝኽእል ጐይታ ንተኣመን። ሕሜታ ክንደይ ይጐድእ። ብዛዕባ ካልኦት ሕማቕ ኣይንዛረብ ካብ ሓሜታ ጠሪሽና ንርሓቅ” እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ዝፍጠር ምግምማዕ ክሳብ ክንደይ ንቤተ ክርስቲያን ዝጐድእ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፦ ነዚ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቕራብ ናብ ቅሮዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምምጻኦም፣ ምስ ናይ ናይ ወንገላዊት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ሓቢሮም ሕብረት ንምልማን ጸሎት ኣዕሪገ። ኮይኑ ግን ጐይታ ኣብ መንጐና ሕብረት ከጽንዕን ሕብረት መታን ክህልወና ንለምኖ፣ ኣብ መንጐና ከም ካቶሊካውንን ከም ሓንቲ ስድራን ሕብረት እንተድኣ ዘየሎ ከመይ ገርና ደኣ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ሕብረት ክህሉ ክንጽልይ ንደፍር። ክንደይ ኣባይቲ ስድራ ብሕድ ሕዳዊ ግጭትን ምግምማዕን ይሳቐዩ ኣለዉ” ምስ በሉ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 16 ሰነ 2013 ዓ.ም. ወንጌላዊ ሕይወት ከምእተበዓለ ዘኪሮም፦ ኩሉ ናይ ሕይወት ወንጌል ከእንግድን ክምስክርን ሓደራç ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃኡን ኩርናዓቱን ከነቓቕሕን ክከላኸልን ሓደራ። ክርስቲያን እቲ ንሕይወት ሕራይ ንህያው እግዚኣብሔር ሕራይ ዝብል እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ክምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢም።







All the contents on this site are copyrighted ©.