2013-06-15 15:26:27

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፦ ልኡካነ ሰላም


RealAudioMP3 “ሃይማኖታት ናይ ፍቕርን ሕብረትን ሰላምን ምኽንያት ክኾኑ ኣለዎም፤ ኰይኑ ግን ካብዚ ወጻእን ተጻይ ናይዚ ምኽንያት ከይነን ምስ ዝርከባ ሃይማኖታት ዘይ-ሃይማኖት ከይነን ይተርፋ” እንክብሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዕለት 12 ሰነ 2013 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻዕ ዘካይዱ ዘለዉ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታዉራን ኣብ ሎንደን ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ Jaina dharma-ጃይና ድሃርማ ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ናይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕላማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተን ርክብን ንምንቕቓሕ ዝብል ከምዝኾነን ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትን ጽኑዕ እምነትን ዝረጋግጽን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዝብል ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ርክብን ዘተን ዘተባብዕ እውን ምዃኑ የመልክት።
ብፁዕነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ዘይ-ጐነጻዊ ቃልሲ ንገዛእ ርእሱ እቲ ዝዓበየ ቃልሲ እዩ እወታዊ ጐድኑ ድማ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ምስታፍን ናይ ካልእ ስቓይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገርካ ምንባርን ምሕዝነትን ምርግጋጽን ዝብል ናይ ባህልን ሃይማኖትን ፍልልያት ምኽንያት ግርጭትን ፍልልይ ዘይኮነስ ምኽንያት ዘተን ፍቕርን ርክብን ክኸው ዝብል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ፣ ኣመንትን ሰብ ጽቡቕ ድላይ ብዘይ ናይ ኣጋጣሚ ፍልልያት ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኣብ ምርግጋጽ ክተግሁን፣ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢ ዓለም ዝርኣይ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ሃይማኖታዊ ምስሕሓብን ኣብ መንጐ ዘረኢ ሰብ ውጥረት ዘተኣታትው ጸረ ሰብኣዊ ተግባር በቲ ዝነብርዎ ሓቀይና ትርጉም ሃይማኖት ኣቢሎም ክነጽግዎን ጸረ ሰብኣውን ጸረ ሰላምን ጸረ ፍቕርን ውጥረትን ምኽንያት ዝኾነ ሃይማኖት ሃይማኖት ዝብል ትርጉም ክወሃቦ ዘይከኣል እዩ ከምዝበሉ ገሊጹ።
ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብነት ማህታማ ጋንድን ማርቲን ሉተር ኪንግን ከምኡ እውን ኣብ 1978 “ኣይፋል ንዓመጽ ሕራይ ንሰላም ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ከምኡ እውን ናይ ብፁዕነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 18 ለካቲት 2007 ዓ.ም. ምእመናን ዓመጽ በቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝነቕል ፍቕርን ምሕረትን ብፍቕርን ብጽቡቕ ድላይ ክቃወምዎ ዘቕረብዎ ምዕዳን ዘኪሮም ሃይማኖት ናይ ዓመጽን ውጥረትን ጸረ ሰላም መጋበርያ ክኸውን ኣይግብኦን ጥራሕ ዘይኮነ ዓመጽ ተጻይ ሃይማኖት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ዕለት 12 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ናይ ወስትሚኒስተ ካተድራል ኣዳራሽ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ሊቀ ጳጳሳዊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ መኒኒ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዕን ጳጳሳት ከባቢ ሎንደንን ዝተሳተፍሉ ርክብ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ተራኺቦም ኩለን ሃይማኖታትን ምእመናነን ልኡኻት ሰላም ክኽኑ ዝተጸውዑ እያቶም ስለዚህ ብሓባራ ምእንቲ ሰላም ክንጽሊ ግቡእን ዓቢይ ሓላፍነትን ሃይማኖታዊ ጻውዒት እዩ፣ ቅድም ቀዳድም ኩሉ ሃይማኖቱ ብሓቂ ክነበሮን እዚ ድማ ሃይማኖቱ ብቓልን ሕይወትን ምንባር ናብ ሰላም ዝመርሕ እምበር መገዲ ጸረ ሰላም ከምዘይኮነ ዝምስክር እዩ። ሃይማኖትካ ብትኽክል ዘይምንባር እዩ እቲ ዓቢይ ጸገም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ምግምማዕን ጸረ ምርግጋእን ጸረ ሰላምን ዝሰብኩ በቲ ብቓልን ሕይወትን እንነብሮ ሃይማኖት ኣቢልና ክልወጥ ምትብባዕን ምንቕቓሕን ምእማንን ይግባእ ምስ በሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሕዝነታዊ ዘተ ናብ ሰላም ዝመርሕ ምዃኑ ደጋጊሞም ዝብልዎ ቃልን ከምኡ እውን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝቖመ ኣብ ኣሲዚ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓበይቲ መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ርክብ ንሰላም ኣወታዊ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ እዩ ዝበልዎ ቃል እውን ብፁዕነቶም ጠቒሶም፣ ሃይማኖት መጋበርያ ሰላም እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.