2013-06-15 15:28:52

ሲኖዶስ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ፓትሪያርክ ቅዱነቶም ማር ልዊስ ራፋኤል ቀዳማይ ሳኮ ተመሪሑ ቀዳማይ ሲኖዶስ ከምእተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ናይ ባግዳድ ተሓባባሪ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሲኖዶስ ብሓቂ ምኽንያት ሓጎስን ምቅርራብን ቅኑዕን ክፉት ዘተን ዝተራእየሉ ስለ ምንታይ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ንረብሓ ቤተ ክርስቲያንን ዝኣመተ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዒራቕ እትርከብ ናይ ክለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰቓይን መከራን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እዚ ስቓይ’ዚ ሰላም ዘፍሪ ከምዝኸውን ዝሓበረ ቀዳማይ ሲንዶስን ምስ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላምን ሓባራዊ ሰናይ ናብራን ዘተ ክህሉ ከምዝግባእን እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ርክባት ዘተ፣ ብዝኾነ ይዅን ምኽንያት ክሰናኸል ከምዘይብሉ ዘነቓቕሔ ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዘይምርግጋእን ስንኩፍ ውሕስነትን ድሕነትን ዘወግድ ሰላም በቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓቀይና ምንባር ሃይማኖት ዝረጋገጽ እዩ እዚ ድማ ኣብቲ ሲኖዶስ ከምእተሰምረሉ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.