Home Archivio
2013-06-15 15:28:52
ሲኖዶስ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብናይ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ፓትሪያርክ ቅዱነቶም ማር ልዊስ ራፋኤል ቀዳማይ ሳኮ ተመሪሑ ቀዳማይ ሲኖዶስ ከምእተፈጸመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ናይ ባግዳድ ተሓባባሪ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሲኖዶስ ብሓቂ ምኽንያት ሓጎስን ምቅርራብን ቅኑዕን ክፉት ዘተን ዝተራእየሉ ስለ ምንታይ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ንረብሓ ቤተ ክርስቲያንን ዝኣመተ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዒራቕ እትርከብ ናይ ክለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰቓይን መከራን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እዚ ስቓይ’ዚ ሰላም ዘፍሪ ከምዝኸውን ዝሓበረ ቀዳማይ ሲንዶስን ምስ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላምን ሓባራዊ ሰናይ ናብራን ዘተ ክህሉ ከምዝግባእን እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ርክባት ዘተ፣ ብዝኾነ ይዅን ምኽንያት ክሰናኸል ከምዘይብሉ ዘነቓቕሔ ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዘይምርግጋእን ስንኩፍ ውሕስነትን ድሕነትን ዘወግድ ሰላም በቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓቀይና ምንባር ሃይማኖት ዝረጋገጽ እዩ እዚ ድማ ኣብቲ ሲኖዶስ ከምእተሰምረሉ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
All the contents on this site are copyrighted ©.