2013-06-15 17:59:33

ር ሊ ጳ ፍራንቸስኮ ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ጃስቲን ቨልቢ ተቀቢሎም አዘራሪቦም ፡


አብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕላውያ ሐላፊ ናይ ካንተበሪ ሊ ቀ ጳጳስ ጃስቲን ቨልቢ ትማሊ አብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዝጀመሩ ተፈሊጡ አሎ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕላዋይ ሐላፍን ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ንጃስቲን ቨልቢ ድሙቅን ሕያውነታውን አቀባብላን ከም ዝገበሩሎም ክምልከት ከሎ ፡ ፓፓ ፍራንቸስኮ ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት ንስድራ ቤት ንሰላምን ምእንቲ ድኻታትን ናይ ሐባር ስርሔን ክኸውን ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ ።
አተሐሒዞም ንሰብአዊ ሕይወት ፡ አብ ሞንጎ ሰብአይን ሰበይትን ዝተአስረ ቃል ኪዳን አብዚ ዓለም”ዚ ማሕበራዊ ፍትሒ ክህሉ ንድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ምዃን አብ ዓለም ዝርአዩ ዘለዉ ግጭታት ንአብነት አብ ሶርያ ኩሎም ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽቡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን አንገሊካዊትን ብሓባር ክሰርሀ ተማሕጺኖም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳር ፍራንቸስኮ ንናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ንጃስቲን ቨልቢ አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ቫቲካን ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ሐድነት ክርስትያን ድላይ ጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት ማለት ካቶሊካዊትን አንገሊካዊትን አብያተ ክርስትያናት ንሐድነት ክርስትያን ቀዳምነት ክህባ ክአ አተሐሳሲቦም።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ጋሻ ዘይኮነስ ከም አባል ቤተ እግዚአብሔር ከም ዝተቀበልዎምን ቨልቢ አብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ምግባሮም ዓቢ ሐጎስ ከም ዝስምዖምን ገሊጾም።በጋጣሚ ሐዋርያዊ ስራሕና ብሐደ ግዜ ስለ ዝጀመርና ተሐባቢርና ክንሰርሕ ክምንያት አለና። አብ ታሪኽ ካቶሊካዊትን አንገሊካዊትን አብያተ ክርስትያናት
ዘሕዝን ግዜ ከም ዘሕለፋን ናይ ብሐባር ምስራሕ መስርሕ ከም ዘጅመራን ዝዝከሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስክር ክርስቶስ ምኳን ካብቲ ቀዳምነት ዝህብኦ መሠረታዊ ህልውንኤን ከም ዝኾነ ገሊጾም።እተሐሒዞም ክአ ኩሎል ክርስትያን ብስኒትን ብሐባርን ሰሪሖም ሰላም አብ ዓለም ከም ዝሰፍን ክገብሩ ተኽእሎ ከም ዘለዎም ክአ አገንዚቦም።ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ጃስቲን ቨልቢ ብወገኖም ዝሐለፈ ወርሒ መጋቢት ክልቲኦም ሐዋርያዊ ስርሖም ዝጀመርሉ ወርሒ ከም ዝኾነ ዘኪሮም አብ ገዝኦም ዘለዉ ከም ዝስምዖምን ንኽንራኸብ ዝፈቀደ ንእግዚአብሔር ይመስገን ንዝገበርኩለይ ሙዉቅን ሕያውነታውን አቀባብላ የመስግነኩም ኢሎም ።
አተሐሒዞም ክአ ሕጂ ንሕና ተራኺብና አብ ንዘራረበሉ ዘለና ግዜ ብክርስቶስ አሐትናን አሕዋትናን ብሕማቅ ምምሕዳር መንግስታት አብ ጭቆና ብጌጋ ኤኮኖምያዊ ሜላ አብ ሽግርን ወዲቆም አለዉ ንሕና እንድሕሪ ብስም ክርስቶስ
ተበቃታቶም ዘይኮና መን ጠበቃ ይኾኖም ቃል ለቀ ጳጳስ ጃስቲን ቨልቢ ።
ፓፓ ፍራንቸስኮን ሊቀ ጳጳስ ካንተበሪ ጃስቲን ቨልቢን ብብሕቲ ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡ ክምልከት እንከሎ ህያብ ተለዋዊጦም አብ አደ መድኅን ኢየሱስ
ክርስቶስ ቤተ ጸሎት ክአ ብሐባር ሥርዓተ ጸሎት ከም ዝፈጸሙ ነቲ ርክብ ዝተኸታተሉ መራኸቢ ብዙኅን ቫቲካን ሐበሬታ ሂቦም ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ጃስቲን ቨልቢን ኣአብዚ ግዜ”ዚ እቲ አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ ሶርያ አብ ልዕሊ ሕይወት ህዝቢ ጥፍአት አብ ልዕሊ ንብረት ውድመት ዘኸትል ዘሎ ኲናት ክግታእ ክአ ንዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ አተሐሳሲቦም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብ ሞንጎ ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት ማለት ካቶሊካዊትን አንገሊካዊን ቀጥታዊ ዘተ ዝተጀመረ ብ1966 ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ማይክል ረምዚ አብ ቫቲካን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሳዱሻይ አብ ዝተራከብሉ ግዜ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ ፡ እቶም ቅድሚ ጃስቲን ቨልቢ ዝነበሩ ሮዋን ዊልያምስ ምስ ነፍሰሄር ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ብተደጋጋሚ ተራኺም ከም ዝነበሩ ይፍዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.