2013-06-11 15:45:31

ኣማን፦ ርክብ ናይ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን “ኣብ ኣገልግሎት ሰላም”


RealAudioMP3 “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክርስትያን መራኸቢ ብዙሓንን ክርስቲያን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣገልግሎት ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ኣብ ኣገልግሎት ፍትሕን ሰላምን ናይ ሰብኣዊ ክብርን” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊን ከማኡ ኣውን ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ዝሳተፍሉ ዘለዎ ዓወደ መጽናዕቲ ትማሊ ኣብ ዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ ኣማን ከምእተኸፍተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝክየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ከባቢ ሃገራታ ዓረብ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ዘሳትፍን ቤተ ክርስቲያን ዜና ንምትሕልላፍን ርክባት ንምሕናጽን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣቢላ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ናብ ዓሚዩቕ ሕንጸት ናብ ሱታፌ ዝመርሕ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ምብሳርን ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልያትን ከምእ እውን እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ምቅርራብ ንምብርታዕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መጋበርያ ኣገልግሎታ ገዛእ ርእሳ ምግላጽን ምንባርን ኣብሳርነት ተልእኾኣ እትነብርን እያ፣ ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ድማ እቲ ናይ ካልኦት ሓቅን ሃይማኖታዊ ኣድማስን ዘኽብር ናይ ሓባር ዘተ ዝተባብዓሉ መጋበርያ እውን እዩ። ዓለም እቲ ካቶሊካዊ መንነትና ካባና ክፍለጦን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኾንና ክግንዘብን ኣብኡ ሓደ ከምዝኾንናን በኣኡ ምኽንያት ድማ ንኻልኦት ክፉታት ምዃንና ዝቃልሓሉ ኣገልግሎት ከምዝኾነ ተንቲኖም እቲ ናይ ኣማን ዓውደ መጽናዕቲ ኣብዚ ጉዳይዚ ዝዝትይ እዩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ለብዘበን ዝተብዓለ ጰራቅሊጦስ ዋዜማ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምንቅስቓሳት ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳንን ካብ ኣባላት ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳት ናይ ምሕዝነትን ርክብን ባህሊ ዘንጸባቓ ምኻንን ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዝእ ርእሳ እትሕጸር ዘይኮነስ ምስ ዓለም እትዝትይ ክፉት ማዕጹ ዘለዋ ምዃኑ የነጽሩ ስለዚህ እዚ ድማ ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃን ዕላማ ምዃኑ ዝገለጽ እዩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.