2013-06-11 15:42:37

ትምኒተይ ሕይወተይ ገይረን ኣብ ግብሪ እውን ተርጒይመዮ


RealAudioMP3 ኣብ ቪየትናም እቲ ኣስጋኢ ዝኾነ ረኽሲ ዘስዕብ Sars-ጽንኵር ቅጽበታዊ ሕማም ምስትንፋስ ብዝብል ስም ዝፍለጥን ከቢድ ናይ ሳንቡእ ሕማም ተላገብ ህዋስ ፈልዮም ዘለለዩ ኢጣሊያዊ ናይ ስነ ሕክምና ሊቅ ኣብ ቪይትናም ገዛእ ርእሶም በዚ ህዋስ ንዝተጠቕዑ ኣብ ምእላይ ኣገልግሎት እንከለዉ ተለኺፎም ብዝሓደሮም ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ካርሎ ኡርባኒ ትማሊ ተዘኪሮም ከምዝወዓሉ ክምልከት እንከሎ፣ ነቲ ሓደገይና ህዋስ ብምልላዮም ኣብ ደቡባዊ ምስራቕ እስያ ናይ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕይወት ዘድሓኑ ምዃኖም ዝንገረሎምን ኣብቲ እዋን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ኮፊ ኣናን፦ “ብርግጽ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ንምቕራብ ኣሸጋሪ እውን እንተኾነ ናይ በሸሓት ዝቝጸሩ ናይ ሚሊዮናት ሕይወት ዘድሓኑ” እንክብሉ ከምዝገለጸዎም ክዝከር እንከሎ፣ ናይ ስነ ሕክምና ሊቅ ነፍሰ ሄር ኡርባኒ ገና ካብ ንእስንተኖም ብእምነት ዝተሰረ ሕይወት ብምንባር ኣብ ኣገልግሎት ብጻይ ዝተጸምዱ ከምዝነበሩ ትማሊ ካብዚ ዓለም ዝተፈለይሉ ዝኽሪ መበል ዓሰርተው ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “ነቲ ኡርባኒ ዝፈጸምዎ ኣገልግሎት ምኽንያት ንእግዚኣብሔር ነመስግን፣ እቲ ብኣኦም ዝተበገሰ ኣገልግሎት ድማ ክቕጽል እላበው” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት ኣደ ነፍሰ ሄር ኡርባኒ ወይዘሮ ማሪያ ኮንቸታ ስጋሊይነ ኡርባኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት፦ ካሮሎ ወደይ ሞይቱ ቢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ኣይቅበሎን እውን ኣየ፣ ህያው እዩ፣ ኣብ ደቁን ኣብቶም ዘለዓለማውያን ዝኾኑ ክቡራት ዋጋታትን፣ ኣብቲ ካልኦት ነገልግሎት ሰብኣዊ ፍጡር ዝነብርዎ ክቡር ዋጋ ህላዌኡ ይርእይ። ምእንቲ ካልኦት ዝብል ኣመለኻኽታ ዝነበሮን ንገልግሎት ድሕር ዘይብል ቁሩብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ናይ ሕይወት ኣገልግሎት ዝጽመዱ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ናይ ሕክምና ኣገልግሎትን ዝተሳትፈን ኣብዚ ዓይነት ኣገልግሎት እውን ካልኦት ግዴኦም ከበርክቱን ተገዳስነት እውን ንኽህልዎም ዘተባብዔን ዝማረኸን እዩ” ኢለን።
እቲ ኡርባኒ ዝፈጸመዎ መስዋዕትነት ዝሓትት ኣገልግሎት ኣብ ልቢ ኩሉ ወትሩ ዝዝከረን ክፍሊ ታሪኽ ዓለም ኮይኑ ዝተርፍ ዓቢይ ክርስትያናዊ ምስክርነትን ኣብነትን ምዃኑ ክምልከት ኣንከሎ፣ ምእንቲ ካልኦት ሕይወት ምክልኻል ዝብል ሕልሚ ዝነበሮ ምዃኖም ዝዘከራ ኣዲኦም ኣስዕቢን ብሓቂ ከምቲ ወደን ዝበሎ ሰናይ ትምኒካ ሕይወት ምግባርን ኣብ ግብሪ እውን ምትርጓምን ዓቢ ዕድል እዩ እንክብላ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት ኣብዚ ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.