2013-06-11 15:54:46

ማሊ፦ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ጻዕሪ መንግቲን ትዋረግን


ኣብ ማሊ ከባቢ ሰሜናዊ ኪዳል ማከላዊ ከተማ ዝቆጻጻር ዘሎ ደባይ ተዋጋእቲ ትዋረግን መንግስቲ ማልን ዘካይድዎ 48 ሰዓት ዝወሰደ ናይ ሰላም ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ምዃኑ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት በቶም ናይቲ ናይ ሰላም ዘተ ሽማግለ ማሕበረ ሰብ ሃገራት ምዕራብ ሓበሬታ ጠቒሱ እንከመልክት። ናይ ቡርኪንፋሶ ርእሰ ብሔር ብላይሰ ኮምፓኦሬ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ጭቡጥ ውጺኢት ክህልዎ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ዝጠቐሰ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ናይቲ ናይ ሰላም ዘተ ሸቶ ነቲ ኣብ ማሊ ካብ 2012 ዓ.ም. ዝተበገሰ ቅልውላው ንምውጋድ ዘብቅዕ ነባሪ ሰላም ከረጋግጽ ዘኽእልን እቲ ንድሕነት ሕይወት ውሕስነት ዝኾነ ናጻን ግልጽን መረጻ ክካይድ ዝብል ምዃኑ ይሕብር።
ኣብቲ ናይ ሰላም ዘተ ናይ ኣዛዋድ ናጽነት ግንባርን ናይ ማሕበር ሓድነት ኣዛዋድ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ወከልትን እውን ይሳተፉ ከምዘለዉን ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ኣመልኪቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን እቲ ውጥረት ክውገድን ሓደራ ከምዝበሉን፣ ኣብ 2013 ዓ.ም. ክሳብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም እቲ ኣብታ ሃገር ንዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ውሑስ ንምግባር ክለኣኽ ምዃኑ ከምዝገለጹ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.