2013-06-08 09:23:10

፮ ሰንበት ዘትንሣኤ 2005 ዓ.ም. (6/9/ 2013)


መዝሙር፡ ፋሲካ ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ ፋሲካ. . . . . ።
ንባባት፡ሮሜ 4፡14~ፍ፥ ራእ 21፡10~23፥ ግ.ሓ. 14፡1~29፥ ዮሓ 21፡1~14
ምስባክ:በልዑ ወጸግቡ ጥቀ፥ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ፥ ወኢይኀጥኡ እምዘ ፈቃዱ። “በልዑን አዝዮም እውን ጸገቡ፥ ዝተመነይዎ ሃቦም፥ ካብቲ ዝተመነይዎ አይከልከሎምን”። መዝ። 78፡29
መዝሙር፡ “ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ ብአኣ ንተሓጎስን ደስ ይበለናን፥ አብ ፋሲካ ንዘናጋዕን ነዕርፍን፥ ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ ፋሲካ ፋሲካ ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድሓኒና”.
መንፈሳዊ ዕረፍቲ የድልየና።
እዋን ትንሣኤ መቐረት ፍቕሪ አምላኽ አለሊና ክንክእል ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። አብዚ እዋን ብጸጋ አምላኽ ተሸሊምና ክንሕጎስ ብርሃን ትንሣኤ አብ ሕይወትናን አብ ርክባትና ክርአ እዩ አምላኽ ዝደልዮ። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ምሉእ መዓልቲ ክሰርሑን ክሰብኩን ናብ ኩሉ ክበጽሑ ምስ ወዓሉ ምሸት ከዕርፉ አብ ጽምው ቦታ ከይዶም የዕርፉ ነሮም፥ ንዑናይ ክነዕርፍ ኢሉ ብዙሕ ጊዜ አብ ደብረ ዘይት አብ ጌተሰማኒ ይወስዶም ነሩ። ንኢየሱስ ዕረፍቲ ምስ ሰማያዊ አብኡ ምርኻብ እዩ ነሩ፥ አብ ጽምው ቦታ ጸሎት አብ ምግባር ክነሕልፎ እንከሎና እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ዕረፍቲ። ሰማይን ምድርን አብ አገልግሎት አምላኽ ክውዕል ሰባት ንአምላኽ ከምስግኑ እንከለዉ እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ሰላምን ዕረፍትን ዝህብ።
ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድኃኒና እዩ። ተዝካር ክንብል እንከሎና ነቲ ዝሓለፈ ንዝክር ብፍላይ ነቲ ጽቡቅ ተዘክሮ እናዘከርና ነመስግን ፍቕርናን አኽብሮትናን ንገልጽ እዚ ዕግበት ሓጎስ ይፈጥረልና በዚ ኢና ዝኽረ ሙታን ንገብር። ናይ ክርስቶስ ተዝካር ንአና ክጥዕመና ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ዘኪርና ክንክእል እሞ ሕይወትና ክንሕድስ እዩ ዓላምኡ። እዚ እዋን ዘመነ ትንሣኤ አብዚ መንፈስ ክንርከብ ይሕግዘና።
ዮሓንስ ወንጌላዊ አብ መጨረሽታ ወንጌሉ ጸሚቑን ብግሉጽን ንመንፈስ ትንሣኤ ብዝያዳ ብዝሕግዝ መገዲ ገሩ ይነግረና። አብ ሉቃ 5፡1~11 ዘሎ ይመሳሰል። ሓዋርያት ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ዳርጋ አብ ተስፋ ቁርጸት በጺሖም አብቲ ቀደም ዝነብርዎ ዝነበሩ ሕይወት ተመሊሶም። ተስፋ ቍርጸት አብ ግጉይ መገዲ ይወስደና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ሰባት ተስፋ ምስቆረጹ አብቲ ናይ ቀደም ሕማቕ ባህርዮም ይምለሱ ዳርጋ ንሓዋርያት እዚ ኹነት እዩ ገጢምዎም ግን አጸቢቆም ከአ ተስፋ አይቆረጹን ክትንሥእ እየ ኢልዎም ስለ ዝነበረ ዳርጋ ብሓንሳብ እዮም ዝነብሩ ነሮም። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሸውዓተ ካብኦም ብሓንሳብ ከምዝነበሩ ይነግረና። ሾውዓት ካብኦም ብሓንሳብ እንከለዉ እዚ ምልክት ማሕበር እዩ። አብ ሓደ ልብን አብ ሓደ መንፈስ ብሓደ ኮንካ ምጉዓዝ አምላኽ ዝደልዮ እዩ። ክርስትያን እዚ መንፈስ ለቢሱ ክጉዓዝ እዩ ድላይ አምላኹ። ሓደ ወይ ክልተ ብሰመይ አብ ዝተአከቡሉ አነ አብ ማእከሎም አሎኹ ይብለና። ብሓንሳብ ሓቢርና እንተ ለመናዮ ከም ዝሰምዓና አረጋጊጹልና እዩ። ሕብረት ንአምላኽ የሓጉሶ። ሎሚ ብምንታይ ንልለ ብምትሕብባርዶ ወይስ ብምፍልላይ። ሕልናና ንሕተት እሞ መልሲ ንአምላኽና ንሃቦ።
እዞም ሸውዓተ ካብ አርድእቱ ብሓንሳብ እንከለዉ ጴጥሮስ ዓሣ ኽገፍፍ ከምዝኸይድ ምስ ሓበረ ንሶም እውን ምስኡ ከምዝኸዱ ሓቢሮሞ። አብ ባሕሪ ጥብርያርዶስ እዩ ነሩ። አብዚ ወንጌል ናይ ሎሚ በብሓደ ክንርእዮ እንተ ኸኣልና ዝሕግዘና ነገራት አልኦ። ገፈፍቲ ዓሣ፥ ነርድእቱ ገፈፍቲ ዓሣ ከም ዝኾኑ አቕዲሙ ነጊርዎም ነሩ እዩ። ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እናበለ ነጊርዎም ነሩ እዚ ግፋ ዓሣ ሕጂ እውን ነዚ ትርጉም ክነትሕዞ ጸገም የብሉን። ቀንዲ ስራሕ አርድእቲ ንሰባት አብ ክርስቶስ ከም ዝአምኑ ምግባር እዩ። አብቲ ዝተገብረ ግፋ ዓሣ ቍጽሮም 153 ከም ዝነበረ ይጥቐስ ቅ. ጂሮም ነዚ ክትርጉም እንከሎ አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝፍለጡ ቍጽሪ ዓይነት ዓሣ ከምኡ እዩ ነሩ ስለዚ ካብ ኩሎም ዓይነት ከም ዝሓዙ ከመልክት ኢሉ እዩ ይብሉ። ብዙሓት ተመራመርቲ ዝተፈላለየ ትርጉም ይህብዎ። መንፈሳዊ ትርጉሙ ኸአ ኢየሱስ ኩልና ደቂ ሰብ ዓለትና ሕብርና ብዘየገድስ አብኡ ክንመጽእ ከም ዝደሊ እዩ ዘመልክት። አብ ክርስቶስ ኩልና ሓደ ኢና። እቲ ሰኪዔት ብብዝሒ አይተበትከን እዚ ኸአ አብ ማሕበር ክርስቶስ ምብዝሕና ብዘየገድስ ክንበታተን አይግባእን።
ሓዋርያት ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓዲሮም ሓንቲ አይሓዙን። ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ኮይኑ ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ ሓዲሩ ይብለና እዚ ኸአ ናይ ጴጥሮስ ሓላፍነት ምስ አሕዋቱ ከይኑ ከም ዝሰርሕ ክሕብረና ኢሉ እዩ። ናይ በይኑ ሓላፍነት የብሉን ኩሉ ጊዜ ምስቶም ብጾቱ ዝተተሓሓዘ እዩ። ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስራሕ ምስ ኩሎም አቡናትን ካህናትን ህዝበ አምላኽን ምስራሕ እዩ።
አብ ጸልማት ምዕያይ ቀሊል አይኮነን፥ ብጸላም ዝዓዪ ብዙሕ ጊዜ ከይፍለጠሉ ዝደልዮ ነገር አለዎ ማለት እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና አብ ጸልማት ክነብር ከሎን ኩሉ ግብርና ካብ አምላኽ ዝረሓቐ እዩ. ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓዲሮም ሓንቲ አይሓዙን እንተ ኾነ ብሓንቲ ቃል ኢየሱስ ብዙሕ ዓሣ ሒዞም። ዓወትና አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ እዩ። ሓዋርያት አብ ጸላም ከይተዓወቱ ክምለሱ እንከለዉ አብ ገምገም ንኢየሱስ ረአይዎ ግን አየለለይዎን። ምስኦም አብ ዕላል ይአቱ እሞ ገለ ዝብላዕዶ አሎኩም እናበለ ሓቲትዎም። የብልናን ምስ በልዎ መርበብኩም ናብ የማን ገጽኩም ደርብይዎ ሽዑ ክትሕዙ ኢኹም ኢልዎም። አብዚ እዋን ጴጥሮስን እቶም ካልኦትን የለልይዎ እሞ ጴጥሮስ ጥሩሕ ስለ ዝነበረ ክኽወል አብ ባሕሪ ይአቱ። ክሕባእ ከይርአ ይፍትን። ሰብ ሕፍረትና ክርእየና አይንደልን ኢና ስለዚ ንኽወል። እንተኾነ ነዚ ዝዓበየ ሕፍረት አብ ውሽጥና ዘሎ አይንሓፍረሉን። ሎሚ ኢየሱስ አብቲ ዘሕፍረና ነገር አቲና ክንሳሕ ይደልየና። አምላኽ ካባና ነዚ ዝስዕብ ነገራት ይደሊ።

ሎሚ ኢየሱስ አብቲ ዕለታዊ ሕይወትና አብቲ ግላዊ ሕይወትና እናነበርና ክረኽበና ይደሊ። ጊዜ ትንሣኤ ንኢየሱስ ምርካብ እዩ። ሓዋርያት አብ ዝተፈላለየ እዋን አብ ገለ አብ ገምገም ባሕሪ አብ ገለ እዋን አብ ገዛ ተአኪቦም እንከለዉ ብሓባር ረኺብዎም። ኩሉ ጊዜ ክረኽቦም ይደሊ ነሩ። ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ክረኽበና ይደሊ። ዘሎናዮ ቦታ አብ ከውሊ ኮይኑ ከይስምዓና ብብሩህ ልቢ ንቕረቦ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየና እዩ “ወደይ ጓለይ” አበለኹም እናበለ አብኡ ክንቀርብን ክንሰምዖ ክንረኽቦ ድላዩ ይገልጸልና። ንጎይታ ረኺበዮ ኢልና ንኻልኦት አብ ኢየሱስ ከምዝምለሱ ከምዝመጹ ክንገብር ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ።
ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ካብቲ ዝተገፈ ዓሣ ክህብዎ ሓቲትዎም። ጓህሪ አምሳል ናይ እቲ ጴጥሮስ ቅድሚ ስቕለቱ አብ መጋርያ ዝኸሓዶ ሕጂ እቲ መጋርያ ናይ ፍቕሪ ናይ ሓደ ምኻን ምልክት ኮይኑ ንረኽቦ። አብ ሓደ መአዲ ተሳቲፎም። ኢየሱስ አብ ማእከሎም አብዚ ኩሎም አለልዮሞ። እቶም ሰብ ኤማሁስ አብ መአዲ አላልዮሞ። አብ ቅዱስ ቍርባን ኢየሱስ ብርእሱ አሎ ነለልዮ።
በዚ ብሩኽ ሰንበት ኢየሱስ ክበጽሓና ክባርኸና ከዕልለና ይደሊ አሎ። አብ ግላዊ ሕይወትና ከቢዱና ዘሎ ነገራት አብኡ ነምጽአሉ እሞ ቀይረልና ንበሎ። ንስኻ ንጸላም አብ ብርሃን ንተስፋ ቁርጸት አብ እምነት እትቕይር ኢኻ እሞ ሎሚ ክንቅየር ክንሕደስ ሓግዘና ንበሎ። አብ ቅድሚኡ ተምበርኪኽና ከለልየካ ክሰምዓካ ክእዘዘካ ሓግዘኒ ንበሎ።
ንልቢ ጴጥሮስን ካልኦትን ዝቐየረ አምላኽ ልባትና አብ ፍቕሪ አብ ሕድገት ዝዝንብል ገሩ ይቐይረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.