2013-06-08 10:08:38

ማርያም ደዓ


ግንቦት 21 2005 ዓ.ም. (5/29/2013)
ማርያም መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል ትሕግዘና
ንባባት፡ ገላትያ 4፡1~9፥ ራእ 11፡19~12፡1~6፥ ግ.ሓ.1፡12~14፥ ሉቃ. 1፦39~56
ስብከት፡ ወለገጽኪ ይትመኃለሉ ኩሎሙ አሕዛብ ብዑላነ ምድር ኩሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሃሴቦን በዘአጽፋረ ወርቅ ኅቡርት ወዕጹፍት።
ዓመታዊ ዝኽረ በዓል ማርያም ደዓሪት እዩ ሎሚ አብዚ ቅዱስ ቦታ ክንእከብ ምኽንያት ገርናዮ ዘሎና። ህዝቢ አምላኽ ዝዓበየ መንፈሳዊ ነገር ክገብር እንተ ኾነ ብስም አምላኽ ተአኪቡ ጸሎት ክገብር እንከሎ እዩ። ዳዊት ነብይ አብ መዝሙሩ “አብ ቤት አምላኽ ንኸይድ አሎና ምስ በሉኒ ክንደይ ተሓጎስኩ ይብል” አብ ቅድሚ አምላኽ ሓደ ልብን መንፈስን ኮና ክንጽሊ እንከሎና አብ መንጎና አምላኽ ስለ ዝህሉ ካብኡ ዝዓቢ የብልናን።
ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ብሓደ ኮና እንጽልየሉ ጊዜ ትሰርዓልና ብዓላት፥ ንግደት፥ ሱባኤ፥ ሰናብቲ እዚ ኹሉ ሕብሮ ምስ አምላኽ ክንውዕል ዝሕግዘና እዩ። ሎሚ ምስ ማርያም ክንውዕል አብዚ ተአኪብና አሎና። ብፍሉይ ክነስተንትኖ መሪጸዮ ዘሎኹ ማርያም መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል ትሕግዘና ዝብል እዩ።
ወንጌላውያን ብፍላይ ሉቃስ ማርያም ምስ መንፈስ ቅዱስ ፍሉይ ርክብ ከምዝነበራ ይሕብረና። ቅዱስ ገብርኤል ካብ አምላኽ ተላኢኹ ናይ መድኃኒ አደ ክትከውን ክነግራ እንከሎ “መንፈስ ቅዱስ አባኺ ክወርድ እዩ ኃይሊ ልዑል እውን ከጽልለኪ እዩ ስለዚ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ አምላኽ ክብሃል እዩ” (ሉቃ 1፡35) ኢሉ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ አብ ሕይወታ ነጊርዋ።
ካብ መጀመርያ ጽንሰታ ማርያም ካብ አምላኽ ጸጋ ረኺባ እያ እዚ ብመንጽር እቲ እትወልዶ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ክንርእዮ ከሎና እዩ። ንሳ አደ አምላኽ ክትከውን ስለ ዝኾነት ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ክትከውን አለዋ በዚ ምኽንያት እዩ ገብርኤል ከበስራ ምስ ከደ “ሰላም ንአኺ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስኺ እዩ፥ ንስኺ ካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” ዝበላ። ከም ማንም ሰላምታ አይኮነን ኢልዋ ፍሉይ ሰላምታ ምስ አምላኽ ዘልአ ርክብ ዝገልጽ። እግዚአብሔር ምስኡ ዘሎ ሰብ ቅዱስ እዩ። አብ እግዚአብሔር ዘለዎ ጸጋን በረኸትን ምሉእ እዩ። ማርያም ነዚ እያ ተዓዲላ። ምልእተ ጸጋ ክንብላ እንከሎና ባዕላ ዘምጽአቶ ዘይኮነ ካብ አምላኽ ዝረኸበቶ እዩ። ማርያምከስ ሕይወታ ብምልኡ ምስ አምላኽ ተወሃሂዱ። ነዚ ኹሉ ክትረክብ ዘብቅዓ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
መንፈስ ቅዱስ ሳልሳይ አካል ቅድስት ስላሴ ኩሉ ምንጪ ቅድስና ይህበና። ንአምላኽ ዝበቅዕ ሕይወት ክንመርሕ ሓይልን ጸጋን ይዕድለና። ከም ሰባት ክንደክም እንከሎና ዘበራብር ሓይሊ ይዕድለና። ኢየሱስ ቅድሚ ሞቱ ንሓዋርያቱ ዘጸናንዕ ንኹሉ ዝሕግዘኩም መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ እናበለ ተስፋ ሂብዎም። ናይ መንፈስ ቅዱስ ተራ አብ ሕይወትና ተስፋ ምሃብ አብ እምነትና ክንጸንዕ ኃይልን ጽንዓትን ምሃብ ከምኡ ሕይወትና ክንመርሕ ይሕግዘና። ማርያም ነዚ አብ ሕይወታ ብግብሪ ስለ ዝረአየቶ ክትመርሓና ክትሕግዘና ጸገም የብላን።
አብ ጽርሓ ጽዮን ማርያምን ሓዋርያትን ብሓንሳብ እንከለዉ ጸሎት ትመርሖም ነራ። ሕይወታ ምሉእ ሕይወት ጸሎት እዩ። ጸሎት ክብሃል እንከሎ ምስ አምላኽ ምዝራብን ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ከይዘንጋዕካ ምግባርን እዩ። ሰባት ዘንጋዕቲ ኢና ናይ ዓለም ናብራን ሕይወትን ከም ንህውትት ይገብረና እዩ ጸሎት ክንገብር ይኸብደና ንድላይ አምላኽ ክንፍጽም የጸግመና። ሎሚ እምብአር መምህር ጸሎት ዝኾነት ማርያም ክተስተምህረና ንለምና።
ማርያም እትምረሖ ጸሎት አብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘብጽሕ። ሓዋርያት ንማርያም አማእኪሎም እናጸልዩ ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎም። ንሳ ዝጸለየቶ ጸሎት ካልእ አይኮነን ንአምላኽ ልቦም ከምዝከፍቱ ገራቶም። ክንጽሊ እንከሎና ልብና ክንከፍት ንአምላኽ ክንልምን እሞ ልብና ክነንጽሕ እዩ።
ሎሚ ነዚ ብዓልና ፍሉይ ክንገብሮ እንተ ኾና ልብና ንአምላኽ ንኽፈተሉ። ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ልብና ሎሚ ብኻልእ ተወሪሱ እንተሎ ክንምለስ እዋኑ እዩ። እሞ ነፍሲ ወከፍና አብ ልብና ተመሊስና አብ ማርያም ንመለስ። ከምቲ ንስኺ ልብኺ ሕይወትኪ ማኅደር ወልድ ክከውን ዘፍቀድኪ አነ እውን አብ ሕይወተይ አምላኽ ክአቱ እሞ ክቕየር ሓግዝኒ ንበላ።
ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ጭሪሾም ተቐይሮም። ንኽፉእ ንፍርሓት ንሕመቕ ንኹሉ ሓዲጎም አብ ሓዲስ ሕይወት አትዮም። ነቲ ኢየሱስ ዝብሎም ዝነበረ ብምልኡ አብ ግብሪ ክሰብክዎ አብ ኩሉ ተጓይዮም። መልእኽቶም አብጺሖም ዳርጋ ኩሎም ብሰማዕትነት ሓሊፎም። ንሞት ዓወት ቆጺሮማ። አብዚ ኹሉ ዘብጽሐ እቲ ዝተቐበልዎ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
ንሕና መንፈስ ቅዱስ አብ ጥምቀት አብ ኩሎም ምስጢራት ክንቅበል እንከሎና ንቕበሎ። እቲ ሕቶ እንታይ ለውጢ አምጺኡለይ ክንብል ይግብአና። እዚ መዓልቲ ማርያም ነዚ እዩ ዝዕድመና። መንፈስ ቅዱስ አባይ ክሰርሕ ፍቓደኛ ኮይነ ዘሎኹ ወይስ ከምኡ ፀሓይ በሪቓ ትዓርበኒ አላ። ከመለኹ ኢልና እስከ ንሕተት ሎሚ ማርያም ብዙሕ ነገር ካባና ትደሊ አላ።

ብዓልና አምላኽ ክባርኾ ነፍስወከፍና ክንቅደስ ንማርያም ዑቕባና ገርና ተለመለልና ንበሎ። አብ ቃና ዘገሊላ “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ” እናበለት ንሰባት ሓዲስ ነገር ክርእዩ ዝገበረት ማርያም ሎሚ ንአና አብ ሕይወትና አብ ዓድና አብ ስድራና አብ ኩሉ ዓለምና ሓዲስ ነገር ክንርኢ ኩሉ ክቕየረልና እንተ ኾይኑ ወዳ ዝብሎ ክንገብር እያ እትሓተና። ንወዳ እንተ ሰማዕና ተአምራት ክንርኢ ኢና። ሰሚዕካ ምኽአል የድሊ። ሰብ ሎሚ ጸሚሙ ንድምጺ አምላኽ ዝሰምዕ ውሒዱ ናይ ካልእ ድምጺ ክሰምዕ ዝደሊ ኾይኑ። እሞ ሎሚ እስከ እሰምዕ ዘሎኹ ንበል። ምስማዕ አጸጊሙና ተፈላሊና ከም ደቂ ዛግራ ተበታቲና ንነብር አሎና። እሞ ክንእከብ መአድና ኩሉ ክሕወሶ ውራይና ኩሉ ዝሕጎሰሉ ክኸውን ሰማዕቲ ንኹን። ድምጺ ብስም ተሰምዐ አብኡ አይነድህብ። ናይ አምላኽ ዝመስል ድምጺ ሰይጣን የታልለና ክይህሉ ክንሰምዖ ዘይግብአና ሰሚዕና አብ መገዲ ጸጋም ከይንህሉ ሎሚ ንኢየሱስ ንስምዓዮ።
እኖና ወላዲተ አምላኽ ዑቕባና ረዳኢትና ሎሚ እውን ንኹሉ ቀይራ አብ ሰላም አብ ፍቕሪ ተጸሚድና መንፈስ ቅዱስ አባና ክሓድር አብ መአዲ ፍቕሪ ትአክበና። ንዝሓመሙ ምሕረት ንዝተሸገሩ ራህዋ ተውርደልና። አብ ኩሉ ሰላም ነጊሱ ፍቕርን በረኸትን የውርደልና።
ብሩኽ ዓውደት ይኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.