2013-06-06 17:52:18

መግቢ ምጕሓፍ ካብ ድኻ ምስራቅ ኢዩ፣


አብዚ ዘሎና ዘመን ገለን ሰአን ማይ ገለን ብማይ ከምዝበሃል ዝበዝሑ ደቂ ሰባት ብጥሜትን ዓጸቦን እንክሳቀዩ አብ ገገሊኡ ወገን ምናዳ አብተን ብኢንዱስትሪ ማዕቢልና ዝብላ ብዙሓት ጥሙያት ክዕንግል ዝኽእል መግቢ ክጐሓፍ ይረኤ፤ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንሕይወት ደቂ ሰባትን ንፍጥረት ኩሉን ምሕላው አብ ትሕቲ ዝብል አር እስቲ አብ ዝሃብዎ ትምህርቲ ክርስቶስ “መግቢ ምጕሓፍ ማለት ካብ ድኻታት መግቢ ምሥራቅ ማለት ኢዩ፤ መግቢ ክንዮ ቍጠባዊ ዋጋን ክብርን ንኩሉ ብማዕረ ዝተዓደለ ናይ ሕይወት ጽንዒ ስለዝኾነ ከምቲ ዓበይቲ ወለድና ማንም ርፍራፍ እንጌራ ከይወድቅ ተጠንቂቆም ዝሕዝዎን ክብሪ ዝህብዎን ተሳሊሞም ዘልዕልዎን ዝነበሩ ክብሩ ፈሊጥና ካብ ምጉሓፉ ክንጥንቀቅ፣ ዝኾነ መግቢ ዝጕሕፍ ከአ ካብቲ ጾሙ ዝሓድር ድኻ መንጢሉ ወይ ሰሪቁ ከምዝድርብዮ ይዘክር” እንክብሉ ንኩሉ ብትሓውን ማዕርነታውን አገባብ ክንካፈል ንተፈጥሮን ከባብን ከአ ከምቲ እግዚብሔር ነቦና አዳምን ሔዋንን ዝበሎም ክንዕቅቦን ክንሕልዎን አዘኻኺሮም፣
እዚ ብሥነ ቍጠባዊ አምር ዝመጸ መኽሰብ ናይ ምርአይን ብመንጽር ዕዳጋ ንኩሉ ናይ ምግምጋምን አተሓሳስባ ንዘመና መሪዝዎ መግቢ ስኽፍ ከይበለካ ምጉሓፍ ወላ ክሳብ ነቲ መኽሰብ ዘይብሉ ፍጡር ወዲ ሰብ እውን ዋጋ አብ ዘይምሃብን ምጕሓፍን አብጺሑ፤ ንአብነት ሓደ ድኻ ገና ዘይተወልደ ሕጻን ዝሸምገሉ ሰባት አካለ ስንኩላን መኽሰብ ከምዝብሎም ተራእዮም ዝግለሉሉ ዝጐሓፉሉ ኩነት ኢና በጺሕና ዘሎና፣ ስለዚ ናብ ልብና ክንምለስ ሕልናና ክንምርምር ንተፈጥሮ ጽን ክንብሎ ክነድንቆ ተላቢዮም፣ አብዚ ዘመን እዚ አጋጢሙ ንዘሎ ድንዛዘ ሕልናን ፍቅሪ ንዋይን ዑረት ልብን አብነት ብምሃብ ገሊጾም፣
“አብ ሓደ ለይቲ ናይ ዝሑል ክረምቲ አብዚ ጥቃን ዘሎ ጐደና ኦታቭያኖ ንአብነት ሓደ ሰብ እንተመይቱ ዜና አይኮነን፣ አብ ብዙሕ ኵርነዓት ናይ ዓለምና ሕጻናት ዝብላዕ ስኢኖም እንተተሳቀዩ ዳርጋ ንቡር ኮይኑ እዚ እውን ዜና አይኮነን፣ በጃኹም ኢለኩም ከምዚ ኢሉ ክቅጽል አይክ እልን፤ በንጻሩ ካብዘን ንዓለምና ዝዝውራ ዘለዋ ባንክታት ሓንቲ ንእሽቶ ክሳራ እንተጋጢምዋ ኅልቀተ ዓለም ከዘጋጠመ ዓለም ምሉእ ብዛዕባኡ ይዛረብ፣ ብኸምዚ ከስ ደቂ ሰባት ይጐሓፉ ይርስዑ፣ እንክብሉ አቃልቦና አብ ክብረት ወዲሰብን ሕይወቱን ተፈጥሮን ክኸውን ሓደራ ቢሎም፣
“ቤተ ክርስትያን ደጋጊማ ዘስመረትሉ ጉዳይ እንተልዩ ከአ ወዲ ሰብ አብ ሓደጋ ይወድቅ አሎ! ከምዚ ቢልካ ክⷐየድ አይከአልን! በጃኹም ተመለሱ፣ ዝብል ኢዩ፣ ብዙሓት እወ ሓቂ ኢዩ ፍትሒ ጐዲሉ ድኻ ተበዲሉ ይብሉ እንተኾነ እቲ ምሕደራ ከም ቀደሙ ይቅጽል፣ ምኽንያቱ ከአ ነዛ ዓለም ዝገዝ አ ዘሎ ገንዘብን እቲ ኢሞራላዊ ዝኾነ ሕግታት ናቱን ኢዩ፣ እግዚአብሔር ግን ነዛ መሬት ክንሕልዋን ክንከናኸነላን እምበር ገንዘብ አኪብና ክንሕሉን አሕዋትና ክንዕምጽን ሓደራ አይበለናን፣ እንክብሉ ነዙ ዓብሊሉ ከጥፍአና ቀሪቡ ዘሎ ልማድ ዘመና ክንወግድ ሓደራ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.