2013-05-27 18:05:32

መንፈስ ቅዱስ ንወንጌል ዓው ቢልካ ንምስባኽ ትብዓት ይህብ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ አብ ጸሎተ ሃይማኖት ድሕሪ እ አምን ብመንፈስ ቅዱስ ዝብል ዓንቀጸ ሃይማኖት ብሓንቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያን እ አምን ንዝብል አንቀጽ ብምጥቃስ ባህርይን እንታይነትን ናይዛ ቤተ ክርስትያን ምስ መንፈስ ቅዱስ ብምት እስ ሳር ብሰፊሑ ድሕሪ ገሊጾም፣ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚ አ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህባ ሓይሊ ንወንጌል ዓው ቢላ ንምስባኽ እያ ተፈጢራ እንክብሉ ተል እኮ ቤተ ክርስትያንን ነፍሲ ወከፍ ክርስትያንን ስብከተ ወንጌል ምዃኑ አብሪሆም፣
እቶም አብ ን እሽቶ ገዛ ተዓጽዮም ብፍርሒ ተሸሚሞ አብ ጽርሓ ጽዮን ምስ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ዝጽልዩ ዝነበሩ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ከም ልሳናት ሓዊ አብ ር እሲኦም ምስ ወረደን ምስ መልኦምን ብትብዓትን ብቅንዕናን አብ ቃል ዕ ወጺኦም ክሰብኩ ጀመሩ፣ እዚ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት አብ ጽርሓ ጽዮን ዝተፈጸመ ለውጢ ናይ ሓዋርያት ሎሚ እውን አብ መበል 21 ክፍለ ዘመን አብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ይሰርሕ አሎ፣ ቤተ ክርስትያን እትነብረሉ እንኮ ምኽንያት ንስብከተ ወንጌል ኢዩ እዚ ከአ ኢዩ ተል እኾአ፣ ኮይኑ ናይዚ ተል እኮ እዚ ቀንዲ አንቀሳቃሲ ሞቶር መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ስለዝኾነ ከአ እቲ ናይ ጽርሓ ጽዮን ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ምስ ተፈጸመ ኢዩ፣
“እምበአርከስ ንስብከተ ወንጌል እንደገና መዓጹ ልብና ምኽፋት የድሊ፤ ነዙይ እንክንገብር ግን እንታይ ክሓተና ኢዩ ወይ ናበይ ክመርሓና ኢዩ ንዝብል ፍርሃት ክነወግድ አሎና፣ ብ አ ኡ ንተአመን! ንሱ ነቲ ልቢ ሰማዒናን ብዛዕባ ድሕነት እንዛረቦን እናብረሄ ንእምነትና ንክነብሮን ንክንምስክሮን ከኽእለና ኢዩ፣ ክብሉ ምስ ገለጹ ነቲ ናይ ጽርሓ ጽዮን ፍጻሜ ርደተ መንፈስ ቅዱስ ዘስ ዓቦ አብ ሰለስተ ክፊሎም ገሊጾም፣
እቲ ቀዳማይ ውህደትን ሓድነትን እንክኾነ፣ ነዙይ ዘዘኻኽር አብ ኦሪት ዘፍጥረት እንረኽቦ ታሪኽ ግንቢ ባቢሎን ት ዕቢት ደቂ ሰባትን ውድቀቶምን ሕንፍሽፍሽን ቋንቋታትን እንከመልክት ምውራድ መንፈስ ቅዱስ አብ ጽርሓ ጽዮን ነፍሲ ወከፍ ከም በብቋንቋኦም ዝዛረብዎም ክርድ እዎም ብምግባር ሓድነትን ኅብረትን ፈጢሩ፣ ቋንቋ ወንጌል ከስ ቋንቋ ፍቅሪ ቋንቋ ኅብረትን ውህደትን ኢዩ፣
“ሓንሳብ ሓንሳብ ምክፍፋል ክትረዳዳእ ዘይምኽ አል ምቅድዳም ቅን ኢ ን አይ ይጥ ዓመኒ ምባል ገኒኑ እንክንር ኢ እቲ አብ ባቢሎን ዝኾነ እንደገና ዝተመልሰ ኮይኑ ይስመዓና፣ እንተኾነ ግን ነፍሲ ወከፍና አብ ርእስና ተመሊስና አነ አብ ሕይወተይ እንታይ እገብር አሎኹ? አብ ከባቢየይ ብሕሜታን ብፍርድን ብቅን እን እመቃቅልዶ አሎኹ ወይስ ሓድነት እፈጥር አሎኹ? እንታይ እገብር አሎኹ? ነዙይ ንሕሰብ! ንወንጌል ክንሰብኽን ክነብሮን ክንምስክሮን እንተደአ ኰና ንሕና ባዕልና ብቀዳምነት ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድለና ዕርቅን ምሕረትን ሰላምን ሓድነትን ፍቅርን ብተግባር ክነብሮ አሎና፣
ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዘኸተሎ ካልአይ ውጽኢት ወይ ሳዕቤን ቅ.ጴጥሮስ ዝረኸቦ ሓዲስ ኃይልን ትብዓትን ኢዩ፣ ካብቲ አብ ውሽጢ ገዛእ ር እሱ ተዓጽይዎ ዝነበረ ብምውጻእ አብ ቅር ዓት ወጺኤ ዓው ቢሉ ክሰብኽ ምጅማሩ ዓቢ ለውጢ ኢዩ፣
“መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት ጸጋ ክህበና ከሎ አብ ገዛእ ር እስና ተዓጺና አይንትረፍ! ንመል እክቲ ወንጌል ብትሕትናን ብትብ ዓትን ንንበሮ! ነቲ ጐይታ ዘዕድለና ተሓድሶን ተስፋን ሓጐስን ንመስክር! ደስ ዝብልን ዘጸናን ዕን ታሕጓስ ስብከተ ወንጌል ይሰመዓና፣ ምኽንያቱ ወንጌል ምስባኽ ን ኢየሱስ ምብሳር ሓጐስ ስለዝህብ! ን ር እሰይ ይጥ ዓመኒ ቢልካ አብ ገዛእ ር እስኻ ተዓጺኻ ምትራፍ ብንጸርጽሮትን ብምምራርን ብሓዘንን ጸቂጡ ይሕዘና፣ ስብከተ ወንጌል ግን የልዕለና፣
እቲ አብ ጽርሃ ጽዮን ብዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ዝተኸስተ ሳልሳይ ውጽ ኢት ብቀጥታ ምስዚ እነካይዶ ዘሎና ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝተተሓሓዘ ኢዩ፣ እቲ እሳት መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ናይ ሓዋርያት እንተዘይጸሊና ባዕሉ አይመጽ እን ስለዚ ቤተ ክርስትያን ክትልምኖ ክትምሕጸኖ አለዋ፣
“ብዘይ ጸሎት ተግባርና ኩሉ ባዶ ኢዩ ዝኸውን ስብከተ ወንጌልና ከአ ሕይወት ዘይብሉ ይኸውን መንፈስ ቅዱስ ከአ አየበራብሮን፣ ጸሎት ንግበር፤ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና ነፍቅደሉ፣ ናይ ጸሎት ሰባት ብምዃን አብዚ ዓለምና ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ውህደትን መጋበሪ ብምዃን ንወንጌል ጐ.ኢ.ክ ብትብዓት ዝምስክሩ ንኹን፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.