2013-05-25 16:18:05

፬ ሰንበት ዘትንሣኤ 2005 ዓ.ም (5/26/2013)


ሰብ ኤማሁስ
መዝሙር: ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. . . . ።
ንባባት፡ ቆላ 3፡1~ፍ፥ 1ጴጥ 3፡15~ፍ፥ ግ.ሓ. 4፡1~19፥ ዮሓ. ሉቃ 24፡33~45
ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወነምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ እይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ደቀስኩን፥ እግዚአብሔር ሰለ ዘተንሥአኒ ተንሣእኩ፥ ካብ አላፋት አሕዛብ አይፈርህን እየ” መዝ. 3፡5~6።
መዝሙር፡ “ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንስኦም ካብ ኩሉ ሞቝሕ ማእሰርቶም ከአ ፈትሖም፥ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ንነፍሳት ጻድቃን ነጻ ገበረን፥ ንአልአዛር ተንሥእ በሎ ነቲ ዕዉር ከአ ብቃሉ ፈወሶ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት አብ ሳልሳይ መዓልቲ ገበሮ፥ ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም፥ ተንሢኡ ንምቝሓት ፈትሖም”።
ራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ ብፍሉይ ንዝክራ አሎና።
    አብ ዘመነ ትንሣኤ ኢና ዘሎና ጣዕምን መቐረትን ትንሣኤ ርኢና ክንርኢ እሞ መንፈስ ደቂ ትንሣኤ ለቢስና ንክርስቶስ ናቱ ክንከውን ዝሕግዘና ሰንበት። ናይ ሎሚ ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ ክልተ አርድእቲ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤ ተስፋ ብምቝራጽ ካብ ኢየሩሳሌም ክሃድሙ እንከለዉ ኢየሱስ ከምዝተራእዮም የዘንትወልና። አብ ወንጌል ሉቃስ ኩሉ ወንጌሉ አብ ኢየሩሳሌም ዘተኮረ እዩ። ቅድሚ ትንሣኤ ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ክኸይድ እንከሎ አብ መገዲ ብዙሕ ተአምራት ከም ዝገበረ ይነግረና። ድሕሪ ትንሣኤ እውን ኩሉ ስብከት ሓዋርያት ክብ ኢየሩሳሌም ከምዝብገስ ይነግረና። ስለዚ ኢየሩሳሌም ማእከል ኩሉ እያ። እዞም ክልተ አርእቲ ክርስቶስ ተስፋ ቆሪጾም አብቲ ናይ ቀደም ሕይወቶም ክምለሱ እቲ ኢየሱስ መስሕ ኢሎም ዝአመንዎ ከምዝሞተ እሞ ንሱ መስሕ ምዃኑ አብ ጥርጥር አትዮም ክሃድሙ ካብ ከተማ እናወጽኡ ከለዉ አብ መገዲ ኢየሱስ ይጓነፎም። ኢየሱስ ንሰባት ክሕግዘና ክመልሰና እንተ ደልዩ አብ መገዲ ጉዕዞ ሕይወትና እንከሎና እዩ ዝረኽበና። ጉዕዞና አበይ ምዃና ብዘየገድስ ይጓነፈና። እዞም ክልተ አርድእቲ ንኢየሱስ አየለለይዎን “አዖንቶም ተሰዊሩ ነሩ” ይብለና ሉቃስ ወንጌላዊ። ንኢየሱስ ከም ማንም ሰብ ይርእይዎ ነሮም እንተ ኾነ ብዛዕባ ክርስቶስን ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍ ክዛረቦም እንከሎ ልቦም ይትንከፍ ነሩ።

ንኢየሱስ ክነለልዮ ይኸብደና እዩ። ካብ አምላኽ ርሒቕና መገዲ ጸጋም ክንጉዓዝ እንከሎና ንሓቂ ንፍቕሪ ክንርኢ ይኸብደና አይነለልን። ሎሚ ንኢየሱስ አለልዮ ዘሎኹ ኢልና ሕልናና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ሓዋርያት አብተን ናይ መጀመርያ መዓልታት ትንሣኤ ከለልይዎ ይኽእሉ አይነበሩን። ምስ አመኑ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ አላልዮሞ። ንጎይታ ረኺብናዮ እናበሉ ክዛረቡ ጀሚሮ።
ኃጢአት ዓይንና የዕውረና። ንጽቡቕ ከይንርኢ ልብና ይዓጽዎ። ንኽፉእ ክንገብር ናይ ሰይጣን መነፈስ ክነርኢ ደፋራት ንኸውን ንሓፍትና ሓውና ክንጎድእ ክንደፍር ድሕር አይንብልና እዚ መንፈስና አዕዊሩ አብ ጸልማት አብ ድርቀት ሕልናና ከም እንነብር ይገብረና። ሎሚ እምብአር ነዚ ክንስዕር እዩ ዝድለ ዘሎ። እዞም ክልተ አርድእቲ አብ መገዲ ምስ ኢየሱስ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ብዛዕብ ክርስቶስን ካብ ቃል አምላኽ ክዛረቦም እንከሎ ልቦም ይሃርሞም ነሩ። እግዚአብሔር ብቃሉ ማለት ብቅዱስ መጽሓፍ፥ ብትውፊት፥ ብቤተ ክርስትያኑ፥ ብኸማና ዝበሉ ሰባት ገሩ ይዛረበና። ሰማዕቲ አምላኽ እንተኾና ጥራሕ ኢና ሕጉስ ሕይወት ክነሕልፍ እንኽእል። ንአምላኽ ዝሰምዕ ሰብ ሕይወቱ ኩሉ ጊዜ ምስተሓደሰ እዩ። ከምዞም ክልተ አርድእቲ ክሳብ እነለልዮ ምስኡ ንጉዓዝ ድሕሪኡ አብ ምምስካር ክንወፍር ኢና።
ሉቃስ እዞም ክልተ አርእቲ ፍሉይ ዝገበርዎ ክነግር እንከሎ ንኢየሱስ ምስኦም ክሓድር ዓዲሞሞ። ክንደይ ተዓዊቶም ንአምላኽ ፈጣሪ ምስኦም ክሓድር ዝዕድሙ። ንኢየሱስ ምሳና ክሓድር ክውዕል እስከ ሎሚ ንዓድሞ ሽዑ ተአምራት ክግበር እዩ። አብ ቃና ዘገሊላ አብ ዝተገብረ መርዓ ኢየሱስ አብኡ ምስ ወዓለ ተአምራት ተፈጺሙ። አብ ገዛ እዚኦም ብፍርሓት ዝሃድሙ ዝነበሩ ምስኦም ምስ ሓደረ ኩሉ ተለዊጡ። እቲ ተበግሶ ካብኦም እዩ ነሩ ምሳና ሕደር እናበሉ ዓዲሞሞ። ንጋሻ ምቕባል ንጽጉም ምሕጋዝ ኩሉ ጸጋ የብዝሓልና። ተቐበልቲ ጋሻ ክንከውን አምላኽ ዝደልዮ ነገር እዩ። ተቐበልቲ ጋሻ እንተ ኾና አብ ቤትና አምላኽ እዩ ዝአቱ።
አብ መአዲ ምስ ተቐመጡ ወዮ ጋሻ ዝነበረ ዋና ይኸውን ባሪኹ ቆሪሱ ምስ ሃቦም ዓይኖም ልቦም ተኸፍተ ይብለና ወንጌል ሽዑ ከለልይዎ ጀሚሮም። ነቲ ብዓይኖም ዝረአይዎ ነቲ ዝሰምዕዎ ክነግሩ ንኢየሩሳሌም ተመሊሶም። አብታ ጠንጢኖማ ንድሕሪት ዝሃድሙ ዝነበሩ ተመሊሶም። ንሓዋርያት ከአ ኩሉ ነጊሮሞም። አብዚ ስልጣን ሓዋርያት ብንጹር ንርእዮ። ኩሉ ካብ ሓዋርያት እዩ ዝጅምር። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ኩሉ ተገሊጽዎም። ሎሚ አብዚ ቅዳሴ ነዚ ኢና እንደግም ዘሎና። እሞ ዓይንና ክበርህ ነቲ አምላኽ ዝገብረልና ምሕረትን ጸጋን ርኢና ክንክእል አብርሃልና ንበሎ።
    ብዓል ነጻነት ሃገር፡

ግንቦት 24 ዓመት ዓመት ነታ ብመዓልቲ ኪዳነ ምሕረት ዝተዋህበትና መዓልቲ ነጻነት ዘኪርና መጀመርያ ንወሃቢ አምላኽ ነመስግን ከምኡ ነቶም ምእንቲ ፍትሒን ነጻነትን ዝሓለፉ ኩሎም ዘኪርና ነቲ ዘምጽኡልና ነጻነት ክንዕቅብን ከምቲ ንሶም ሕይወቶም ሂቦም ዝሃቡና ንሓና ኸአ ሕድሮም ክንዕቅብ መብጽዓና እንሕድሰሉ ዕለት እዩ። አብ ሓንቲ ሃገር ዝዓበየን ዝበለጸን ዕለት መዓልቲ ነጻነት እዩ። እቲ ተነፊጉካ ዝነበረ ወኒንካ ፍትሒ ርትዒ ሓቂ ክነግስ ባዕልኻ ትውስን። ነዚ ክተተግብር ምስዘይክአል ስማዊ ነጻነት ኮይኑ እዩ ዝነብር ዝገደደ ናይ ሓደ ክልተ ጉዳይ ኮይኑ ሃገር አብ ዝገደደ ጭቆና ትነብር። አብዚ ዓዘቕቲ ከይንወርድ ጓኖት ዘይኮኑ አሕዋትና ገዛእትና ኮይኖም ሞት ከይእውጁልና ሓለውቲ ነፍስወከፍ ኢና። ጉዳይ ነጻነት ሓለዋ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።
ሃገር ናይ ኩሉ እያ ዝብሃል አዘራርባ አሎ። አብ ግብሪ አብ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ እዚ አይኮነን እዚ አገባብ ክነግስ እንከሎ እዩ ክልተ ሞት ዝኸውን። ሃገር ንውሑዳት ኮይና ብዙሓት ብዝተፈላለየ ግፍዒ ክዋረዱ እንከለዉ ዝገደደ ጸገም እዩ። እዚ ከይነግስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሃገር ሕልናዊ ሓላፍነት እዩ።
ብሕልናና ፍርዲ ክንህብ ናይ ነፍስወከፍና ተራ እዩ። ብስም ብዙሕ ተዛረብና ወይ ንምድጋፍ ወይ ንምቅዋም ብቑዓት አይገብረናን እዩ። ኩልና አብ ሓቂ ክንአምን ይግባእ። ጌጋ ንዘሎ ክንእመነሉ እሞ ብሓባር ክንዕርዮ አሎና። ነቲ ሓቂ ዝኾነ ኸአ ብዝያዳ ክነማዕብሎ እንከሎና እዩ ሃገር ናይ ኩልና ክንብላ እንኽእል።
ከም ክርስትያን እጃምና እንታይ እዩ። ክርስትያን ከም ጨው ኮይኑ አብ ሕብረተ ሰብ መቐረት ዝህብ ሰብ ክኸውን ይግባእ። አብ ናይ ሓሳዊ ፖሎቲካ ተአሊኹ ንሓሶት ክምስክር ክእውጅ አይናቱን እዩ። ኢየሱስ ሓቂ ሓራ ክታውጽአኩም እያ ይብለና። ፍትሒ ሓቂ ዝነግስ ንሕና ክነብሮ ከሎና ጥራሕ እዩ ዳንከራ ብስም ወቓዕና ኩሉ ተዓርዩ ማለት አይኮነን።
አምላኽ ዝደልዮ እናገበርና ፍቕሪ ሃገርናን ህዝብናን ክህልወና ግድን እዩ። ሃገር ክትዓቢ ክትከብር ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሃገር ሕልናዊ ሓላፍነት ክህልዎ ይግባእ። ንመንግስቲ ብምንአድ ወይ ብምሕማይ አይኮነን ሃገር ዝምዕብልን ወይ ዝቕየር ነፍስወከፍና ንሓቂ ክንአምን ከሎና ጥራሕ እዩ። መንግስቲ ብዝገብሮ ጌጋ ክንወቕሶ ግቡእ እዩ ልዕሊኡ ግን ንርእስና ክንርኢ ግድነት እዩ። ሎሚ ጎዲሉና ዘሎ ብሓባር ዘይምዃን እዩ። ክልተ ጋንታ ኮና ከም ጓኖት ክንባላዕ ንርአ አሎና። ፍቕሪ ጎዲሉ ሓደ ነቲ ሓደ ከጥፍአሉ ዝሕግዞ መገዲ ከናዲ ክትርኢ እንከሎኻ ብሓቂ የጉሂ። አሕዋት ክንጨኻኸን እንከሎና አብ መንጎና አምላኽ አይክእሉን እዩ። ሓደ ልቢ ክንከውን ባህጊ አየምጽኦን እዩ ኩልና ክንሳሕ ጌጋና ተአሚና አብ ሓንቲ መአዲ ፍቕሪ ንጸመድ። ዘመና ሂቡና ብዘመናዊ መራኸቢ ብዙኃን ተጠቒምና ናይ ሓሶት ወረን ዘደናግር ነገራትን አይነውሪ። ዘሎን ዘየለን ካብ ምውራይ ንሓቂ እንተ ሓዝና ብሓቂ ትርጉም ነጻነት ክንፈልጥ ኢና።
አብውሽጥን አብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብሓደ ክጉዓዝ አምላኽ ክሕግዘና ሎሚ እውን ንጸሊ። ንኹሉ ዝቕይር ሓይሊ ጸሎት እዩ እሞ ጸሎት ምእንቲ ኩሉ ንግበር። ማርያም ካብ መጀመመርያ መንጎኛና እያ እሞ ሎሚ እውን ሰላም ወድኺ ሃብና ንኹሉ ቀይርልና ኢልና ንማህለል። አብ ክንዲ አምላኽ ምዝካር ዳንከራን ስዕስዒትን በዚሑ ሰብ ምግፋዕ በዚሑ ዝስደት በዚሑ ዝጉሂ በዚሑ አሎ እሞ ንጸሊ። ዓድና ንፍቶ ዓድን አደን ክቕየር አይክአልን እዩ። አምላኽ ዝሃበና ሃገርና ናትና እያ እሞ ከምቲ ዝሃበና አምላኽ ዝኸብረላ ንሕና እንሕጎሰላ ሃገር ክትከውን ነፍስወከፍና በብዓቕምና ንጸልን ንፍትሕን ንሓቅን ንስራሕ።
ዘመነ ትንሣኤ ንዝሓለፈ አረጊት መንፈስ ሓዲግና አብ ሓዲስ ሕይወት ክንአቱ ዝዕድመና እዋን ስለ ዝኾነ ከም ክርስትያን ክንምስክሮ ዝድለ ነገራት አሎ።

በዚ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ትንሥኤ እምብአር አብ ጉዓዞ ትንሣኤ መንፈስ፥ ተረኺብና ነቲ ንሓዋርያት በብእዋኑ እናተራእየ ብአምነቶም ክዓብዩ ክምስክሩ ዝሓገዘ አምላኽ ሎሚ እውን አብ መንጎና ተረኺቡ ጸግኡ የብዝሓልና። ንህዝብናን ሃገርና ሰላም ፍቕሪ አውሪዱ አብ ዝበለጽ ሰናይ ዘመን ይሓውሰና። ወላዲተ አምላኽ ኪዳነ ምሕረት ሎሚ እውን ጸሎታን አምልድነትና አይፈለየና ንድላይ ወዳ ክንሰምዕ ልቦናን ሕልናን ይሃበና።
አብ ኩሉ አምላኽ ይባረኽ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.