2013-05-25 16:15:20

ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ዘሸሿን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቲ ምስ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሸሿን ኣብ ቻይና ተተሓሒዙ ዓመታዊ መዓልቲ ጸሎት ስለ ቻይና ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸመሉ ዕለት ምኽንያት በቲ ኣብቲ ትዊተር እተሰምየ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሐን መርበብ ዘሎ ናይ ግሊ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፦ “ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ረዳኢተ ኵሉ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ መላእ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኣብታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሸሿን ሕድሮም ዘንብር ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ክርስቲያን እሓብርን ምእንታኦም እውን እጽልን” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክምልከት እንከሎ፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቻይና ናይ ኣህዛብ ኣስፍሆ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሳቪዮ ታኢ ፋኢ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ብርግጽ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን መለለይኦም ዓቂቦም ኣብ ምንባር ጸገም ዘጓንፎ ከምዝኾነን እዚ ድማ ብዛዕባ እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ዘይ ወግዓዊት ተባሂሊ እትሕሰብ ቤተ ክርስቲያን (ተኣዛዚት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ) ጥራሕ ዘይኮነስ እታ መንግሥቲ ቻይና ወግዓዊት ዝብል እፍልጦ ዝሃባ ብሔራዊት ሓቆፍ ቤተ ክርስቲያን እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ብኻልኣይ ደረጃ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖትን እምነትን ነጻነት ዝምልከት እዩ። ካቶሊካዊያን ቻይና ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘለዎም ፍቕርን ኣኽብሮትን ልዑል እዩ፣ እዚ ድማ ምስ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ምሉእ ሱታፌን ምትእስሳርን ተኣዝዞን ዘለዎም ድላይ ዘነጽር እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምርኻብን ተኣዝዞን ዘለዎም ድላይ ጭቡጥ ንኽኸውን ዘብቕዕ መገዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ድሩት እዩ።
እቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሕሰብ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ቻይና ብቐዳማይ ደረጃ ቤተ ክርስቲያናዊ ውህደትን ሱታፌን እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባብን ሃገርን ዝተሓጽረት ዘይኮነት ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዚ እዋን’ዚ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝግለጽ ኵላውነት ዘለዋ ሱታፌ ኣብ ኩሉ ስፋራ ክንበርን፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ውህደት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሱታፌ ጸሎት ዝግለጽ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቻይናን ሆንግ ኮንግን ንልዕሊ 23 ዓመት ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ስብከተ ወንጌል ማሕበር ኣባል ኣባ ጃኒ ቸርቨለሪ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ቻይና ዓቢይ ኣገዳሲ ናይ ሓበር ዕለትን ከምኡ እውን ኣብ ቻይና እቲ ኵላውነት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብምልኣት ዝንበር እውን እንተዘይኮነ ክብርቲ ዕለት እያ። እዛ ዕለት ጸሎት ምእንቲ ቻይና ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝተወሰነትን ነቲ ሻንጋይ ሸሿውን ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳውነት ዘማእከለ እዩ። እዚ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ’ዚ ንካቶሊካውያን ቻይና ዓቢይ ቅዱስ ስፍራን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ማርያማዊ ወርሒ ግንቦት ማርያማዊ መንፈሳውነት ብፍሉይ ኣብ ዝንበረሉ እዋን ዝፍጸም ብምዃኑ እቶም ናይታ ብሔራዊት ቤተ ክርስቲያን ቻይናን ናይታ ዘይ ወግዓዊት ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ እትግለጽን ኣብ ገለ ገለ ኣዋን እውን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘይኽበረላ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ዝነበርዎ መንፈሳውነት እዩ።
እዛ መዓልቲ ጸሎት ንቻይና፦ ብቐዳማይ ደረጃ ውህደት ማለት እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምግምማዕ ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ውህደት ክህልዋን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዝበልዎ ተልእኮ ወንጌል ኣብ ቻይናን ዘጉልሕ እዩ። ኣብ ቻይና ብዝሒ ካቶሊካውያን ምእመናን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ 1 ሚእታዊ ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይናን ናይታ ብመንግስት ወግዓዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ብሔራዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ካህናትን ብፁዓን ጳጳሳትን ዘሎ ርክብ ዘተባብዕ ዕለት ምዃኑን ብፍላይ ድማ እቲ ቀንዲ ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ዓለማውያን ምእመናን ውህደት ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎም ተራ ዓቢይ ብምዃኑ እቲ ውህደት ካብኣቶም ክብገስ ዝጽለየሉ ዕለት እዩ ኢሎም።
ካቶሊካውያን ቻይና ንተክለ ሰብኣውነትን ተራን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢይ ኣፍልጦ ዝህብሉን ብፍላይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን፣ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን በታ ኣብ 2007 ዓ.ም. ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣዚዩ ዘተባብዔ ከምዝኾነ ገሊጾም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለምን ብመላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ዘለዎም ተፈታውነት ኵሉ ዝፈልጦን ዝርእዮ ዘሎ ኣብ ቻይና እውን ዝርኣይ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ መጋበርያታት መለኮታዊ ጸጋ ገዛእ ርእሳ እተንብርን እተማሕጽንን ኣብ መጋበርያ ሰብኣውነትን ብዝያዳ ካብቲ ኣብ መዋቕራዊ ቅርጽጽታት ንላዕሊ እተብል ምዃናን ትሕትን ድኻን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብ ጥንቲ ዝግለጽን ዝንበርን ኣብ ገለ ገለ እዋን ዝተዘንግዔ ባህያ ዘቃልሑን ዝነብሩን እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.