2013-05-25 19:03:17

ንግዲ ደቂ ሰባት ዘሕፍር ተግባር ኢዩ፣ መንግሥታት አብ ቅድሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ከጽቅጣ የብለንን


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ዝሓለፈ ዕለታት ብዛዕባ ስደተኛታትን ሰበኽ ሳግምን ንዝግበር ሐዋርያዊ ጕስነት ዝምልከት ንክዋስ ኡ ብጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሐዋርያዊ ጉስነት ስደተኛታት ዝምልከት ንክዋስ ኡ ተጋቢኦም ንዝቀነዩ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ኢዩ፣ እዚ ብሚልዮናት ንዝቍጸሩ ሰባት ዘሳቂ ዘሎ ናይ ዘመና ዚዓበየ ዘሕፍር ተግባር ንግዲ ደቂ ሰባት ነውራም ዘይውርዙይ ውርደተኛ ተግባር ምዃኑ ብዘይ ቃል ዓለም ገሊጾም፣
“አብዚ ደጋጊመ ክብሎ ዝደሊ ንግዲ ደቂ ሰባት ነውራም ተግባር ምዃኑ፤ ነተን ሰልጢንና ዝብላ ናይ ዘመንና ኅብረተሰባት ዓቢ ሕፍረት ምዃኑ ኢዩ፣ አብ ኩሉ መድረኻት ዝርከቡ ካብዚ ሕሱር ተግባር መኽሰብ ዝረኽቡን ዓማዊሎምን አብ ቅድሚ ኅልናኦምን እግዚአብሔር ጽጹይ ናይ ኅልና መርመራ ክገብሩ አለዎም፣
“ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን ነቲ አብ መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝተመሥረተ ክብሪ ወዲ ሰብ ክሕሎ አለዎ ወዲ ሰብ ከአ ማእከል ናይ ኩሉን ል ዕሊ ኩሉን ከምዝኾነ ተገንዚብና ሰብአዊ ክብረቱን መሰሉን ነቀድም ዝብል ጻው ዒት እንደገና ከምብሓዲሽ ተቅርብ አላ፣ ርግጽ ኢዩ አብዚ ዘመንና ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ኩሉ ዓንገረር ይብል ኮይኑ ከም አብዚ ዘመንና ከአ መሰል ደቂ ሰባት ተጉስዩን ተጣሒሱን አይፈልጥን፣ አብዚ ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘምንና እቲ እንኮ መሰል ዘለዎ በዓል ገንዘብ ጥራይ ዝኾነ ይመስል፣
“ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ገንዘብ አብ ዝገዝ ኦን ዝ እዝዞን ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና፣ አምልኾ ገንዘብ አብ ዘለዎ ባህሊ ኢና እንነብር ዘሎና፣ ብማለት ናይ ዘመንና ዓቢ ጸገም አምልኾ ንዋይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ናብ ዓለም ለኻዊ ማኅበረሰብ ዘቅን ዔ ንመራሕቲ መንግሥታትን ሓገግቲ አካላትን ነቶም ብዝተፈላለየ ኃይልታት ተደሪኾም ማለት ዝተፈላለዩ ናይ ዘመንና ናይ ስደት ጸቅጢ ጭቆና ባርነት ምኽንያት ካብ ገዛእ ሃገራቶም ሕይወቶም ከድሕኑን ዝሓሸ ናብራ ንክረኽቡን ዝስደዱ ዘለው መሰሎም ከምዝሕሎ ክግበር ጻው ዒት አቅሪቦም፣
“አብዚ ከስምረሉ ዝደሊ ብዛዕባ ደቂ ሰባት ኢና ንዛረብ ዘሎና እዞም ሰባት እዚኦም ምትሕብባርን ሓግዝን ሓገዝን ክግበርሎም እዝጊ የር ኢኹም ይብሉ አለው፤ እኳ ደአ ሕጹጽ ሓገዝ የድልዮም፤ ኮይኑ ግን ል ዕሊ እቲ ሓገዝ ቅድሚ ዝ አገረ ክንርድ ኦምን ብሕያውነት ክንቅበሎምን ኢዩም ዝጠር ዑ ዘለው፣ እግዚአብሔር ሕያዋይ ኢዩ ብሕያውነት ን አ ኡ ንምሰል፣ ኩነታቶም ሱቍ ቢልና ክን ጥመቶም ወይ ሸለል ክንብሎም አይፈቅደልናን ኢዩ፣ ንክርስቶስ ዝኽተል ረድ ኤትን ሕያውነትን ክልግስ ግድነቱን ተል ኾኡን ኢዩ፣
“ሕያውነት ክርስትና ምስቲ ዝሳቀ አብ ምስቃይ ል ዕሊ ኩሉ ከአ ነቲ ስደተኛ አብዚ ዘብጸሖ እንታይ ምዃኑ አብ ምርዳእን አድላዪ አብ ዝኾነሉ ከአ ክንዳኡ ድምጽኻ ዓው አቢልካ ምዝራብን ነቲ ናይ ስቃይን ጭቆናን ገዓሩ ከክንዳኡ ኮንካ ምንጋርን የድሊ፣ በዚ ከአ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንሓዋርያዊ ጕስነት ስደተኛታት ንማኅበረ ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክፈልጡ ነቲ ዝረኤን ዘይረኤን አቁሳል አኅዋቶም ክፈልጡን ብምግባርኩም ዓቢ ሥራሕ ትገርሩ፣ ብማለት ነፍሲ ወከፍ ጠበቃ ናይዞም ረዳኢ ዘይብሎም ምዃን አገዳሲ ምግባረ ሠናይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ አቍሳል ናብራ ናይዞም ስደተኛታ ዓመጽ ጭቆና ካብ ፍቍራት ስድራቤታቶም ምርሓቅ ዘስካሕክሕ ጕዕዞታት ካብ ገዛኻ ብሃንደበት ምህዳም ናይ መጻኢ ሕይወቶም ርግጽነት ዘይምህላው ብሕልፊ አብ ዝተፈላለየ ናይ ስደተኛታት መጽለሊ ንሽሙ ተዓቍቦም ዘለው፣ ነዚ አቍሳል እዚ ንምፍዋስ ቤተ ክርስትያን ብቍዕ ጕስነታዊ ተል እኮ ክተካይድ ተማሕጺኖም፣
“እቶም ስደተኛታት ዝምነይዎ ሐዋርያዊ ጉስነት ባህልታቶም ዘኽብርን አብቲ ዘለውዎ ሃገር ምስቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕይወት ብውሕደት ክነብሩሉ ብዝኽ እሉ መንገዲ ከነሰንዮም ኢዩ፣ ማኅበረ ክርስትያናትና ጽን ቢለን ብምስማዕን ምሳኦም ብምውህሃድን ብሓቂ ተቀበልቲ ስደኛታት ይኹና!
ዝኸበርኩም አዕሩኽተይ! አካላት ናይዞም ስደተኛታት እቲ ዝቆሰለ ሰውነት ክርስቶስ ምዃኑ አይትረስ ዑ! እዚ ሥጋ ክርስቶስ ኢዩ” እንክብሉ ሓደራ ምስ በሉ አብ አ ዕይንትን ልባትን ናይዞም ስደተኛታትን ብኃይሊ ካብ ዓዶም ዝተነቅሉን ሰባት ጩራ ተስፋ እውን ከምዘሎ ምዝንጋዕ ከምዘየድሊ እውን አዘኻኺሮም፣ እዚ ጩራ ተስፋ እዚ አብ ነዊሕ በዓቲ ወይ ገለርያ እንከለኻ ሓዲስ ተኽ እሎ ዘብርህ ምዃኑ እውን ገሊጾም፣
“ናይቶ ቀስ ብቀስ ርጕእ ሕይወት ክነብሩ ከምዝኾኑ ተስፋ ናይ ዝገብሩ ትብ ዓት ብሓቂ የድንቀኒ፣ እዚ ትብዓት እዚ ገና አብ ሕይወቶም ተስፋን ፍቅርን ተመሊሰን ናብራኦም ከዝልውጦኦ ብም እማን ይጽበዩ፤ ነዚ ተስፋ እዚ ኩልና ሕይወት ክንህቦ ከነበእት ዖ ንኽ እል ጥራይ ዘይኮነ ክንሕብሕቦ ንግደድ እንብሉ ምሕጽንታኦም ደምደሙ፣
እዚ ከምዚ እንከሎ ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ትዊተር ዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ሓጺር መል እኽቲ ን ል ዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ተኸታተልቶም “ተአምራታት ሎሚ እውን ይፍጸሙ አለው፤ ነዚ ንምግባር ግን ተባዕ ጸሎት የድሊ” እንክብሉ ንጸሎት ዓዲሞም፣ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መል እኽቲ “ተአምራታት ይፍጸሙ አለው! ክፍጸሙ እውን ይከአል! ኮይኑ ግን ጸሎት የድሊ! ጽኑዕ ጸሎት ዘይሕለል ጸሎት ቀጻሊ ጸሎት እምበር ንማለቱ ዝግበር ጸሎት አይኮነን” ይብል፣

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ደሞክራስያዊት ኮንግ ካብ ሰበኻ ንካዪ ዝተኸፍለ ሓዲስ ሰበኻ ናይ ዶሊሲየ አቍሞም፣ ነዚ ሓዲስ ሰበኻ ከአ ከም ቀዳማይ ጳጳስ ንኽኾኑ ናይ ሰበኻ ኪንካላ ህየንተ ዝነበሩ ጥቀ ክቡር አባ ብየንቨኑ ማናሚካ ባፏኳሁ ከምዝመርጹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣ እዛ ሓዳስ ሰበኻ እዚአ 71 ሺሕ ካቶሊካውያን 71 ቍምስናታትን 30 ካህናት ሰበኻን 2 ገዳማውያን 3 ገዳማውያን ማኅበራት ደቂ አንስትዮን 25 ተመሃሮ ዘር አ ክህነትን ዘለውዋ ኢያ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.