2013-05-25 16:33:30

ሽግራት ብተጻዋርነትን ፍቅርን ይሽነፉ ፡ ር ሊ ጳ ፍራንቸስኮ .





ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ንግሆ አብ ቤተ ጸሎት ቅድስቲ ማርታ ሥርዓተ ቅዳሴ አብ ዘዕረግሉ ግዜ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ሽግራት ብትዕግስቲ ብምጽዋር ብፍቅሪ ክተሸንፎም ይክአል ፡ እዚ ክአ ክርስትይናዊ ምሕረት ኢዩ ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብ ልዕሌና ብዝጽዓኑ ሽግራት ክንሳቀ የብልናን እንታይ ድአ ብትዕግስቲ ብፍቅርን ክነወግዶም ከም ንኽእል ክንርዳእ ይግባእ ኢሎም።
አተሐሒዞም ክአ ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ደጋጊሙ ከም ዝነግረና ተጻዊርካ ንሽግር ምግታእ ይክአል ይብል እዚ ማለት ክአ ሐደ ክርስትያን ናይ ምጽዋር ተኽእሎ ስለ ዘለዎ ኢዩ ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ቀሊል አይኮነን አብ ሞንጎ ተስፋ ምቁራጽ ይመጽእ ንሕና ደቂ ሰባት ድኹማት ኢና ይኹን ድአምበር ክርስትያን ተስፋ ዘይቁረጽ ብሩህ መጻኢ ግዜ ዘለዎ ሕጉስ ተባዕ ንሰማእትናት ስንዱው ከም ዝዕነ ታታሪክ ቤተ ክርስትያን ይነግረና ኢሎም ።
ጥልቂ ዝኾነ እምነተ እግዚአብሔር ህያው እንተኾይኑ ዝኾነ ይኹን ጸገም ሽግር ብትዕግስትን ብፍቅርን ብጸሎትን ይእለ ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ።
ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ አብ ቀዳማይ መልእኽቱ ዓቢ ዓወትና አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና እምነት እቲ ዓቢይ ዓወት ንዘሳቅዩካ ምሕረት ክትህብ ከለኻ ጸሎትን አስተንትናኖ ክተዘውትር ከለኻ ከም ዝኾነ ይነግረና የብርሃልና እሞ እዚ አብነት”ዚ ክንክተል ይግብአና ክብሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ሰቢኾም።
ቅድስት ድንግልማ ርያም ወላዲተ አምላኽ አብ እምነትና ክንጸንዕ ብርቱዕ መንፈሳዊ ሐይሊ ክህልወና ክተማልደልና ክንምሕጸና ይግባእ ሕይልናን አጽዋርናን ጸሎት ምሕረት ፍስሃ ደስታ ትዕግስቲ መንፈሳውነት ከም ዝኾነ ክንዝንግዕ የብልናን ብማለት ክአ ስብከቶም ዛዚሞም ።
አብዚ ትማሊ ንግሆ አብ ቤተ ጸሎት ቅድስቲ ማርታ ዝተኻየደ ሥርዓተ ቅዳሴ ብናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙኀን ጳጳስዊ ቤት ምኽሪ ዝተመርሑ ሰብ ሙያታት







All the contents on this site are copyrighted ©.