2013-05-18 16:12:27

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሃብቲ ገንዘብ ንሰብኣዊ ጥቕሚ ከዋኒ


RealAudioMP3 ዕለት 16 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዝተፈላለያ ኣርባዕተ ሃገራት ሓደስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካነ መንግሥታት ኰይኖም ካብ መንግሥታቶም ዝተቐበልዎ ናይ መዝነት ደብዳበታቶም ተረኪቦምን ደሓር እውን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝጥርንፍ ተቛም ኣባላት ተቐቦሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሃብቲ ገንዘብ መገልገሊ ድኣ እምበር ገዛእን ዘመሓድርን ወናንን ክኸውን የብሉን ኣብዝ ብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ስነ ግምባር ምንባርን ምኽባርን ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎን፣ ስነ ምግባር ንገዘብ ስለ ዝትክእ ድማ ብዙሓት ከም ዕንቅፋት ይሓስብዎ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘስምዕዎ ዘረባ ኣማእኪሎም ኣብ ግዳማዊ ግዝኣት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ላተራነንሰ ናይ ስነ ኤኮኖሚ መምህር ፕሮፈሰር ፍላቪዮ ፈሊቸ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይ ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ኣብ ናይ ክርስቲያናዊ ስነ ሰብእ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ኰይኑ፣ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ፍጥረት ሰብ ብገንዘብ ተተኪኡ ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ ዓለም፣ እቲ ሰብኣውነትን ፍጥረት ሰብ ዘማእክል ትምህርቲ ክርስትና ዘዘኻኽርን፣ መንፈስ ክርስትና ፈሮኦናውነት ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ዝቃወምን ዘወግድን እዩ። እዚ ድማ እቲ ክርስትና ኣብ ዓለም ዘተኣታተዎ ለውጢ ምዃኑ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምዝኽኻር፣ ስነ ምግባር ቅድሚ ሃብቲ ገንዘብ ዝስራዕ ከምዝኾነን እዚ ክትግበር እንከሎ ድማ ማእከልነት ሰብ ዝረጋገጽ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቅድም ነቶም ልኡካነ መንግሥታት ቀጺሎም ንናይ ካሪቲታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣባላት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሃብቲ ዓለምን ተፈጥሮን ብጠቕላላ ሃብቲ ዘበለ ኵሉ ከይተኻፈልካ ብምንባር ክምራሕ እንከሎ ምንዛኤ ወይ ድማ ቕጥፈት ከምዝኽውን ቅዱስ ኣቦና ገሊጾምልና እዮም፣ ስለዚህ ተኻፊልካ ምንባር ሰብኣዊ ባህርይ እዩ። ኣብ መንጎ ደቒ ሓደ ፈጣሪ ዅሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ተኻፊልካ ምንባር ባህርያዊ እዩ። ስለዚህ ምክፋል ገዛእ ርእስና ንምዃንን ምድራዊ ሕይወት ዘመሓይሽን ብሓፈሻኡ ብዝያዳ ሰብ ሰብኣዊ ክኸውን ዘብቕዕ ምዃኑ ዘነርጽ እዩ ኢሎም።
ንናይ ካርቲታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ማሕበር ኣባላት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እውን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኩነት ቅልውላውን ድኽነት ብናይ ዕዳጋ ሕጊ ምኽንያት ዝመጸ እምበር በቲ ኣብ ሰብ ዘማእከል መምርሕን ሕግን ዝመጸ አይኮነን ከምዝበሉን፣ ስለዚህ ርእየት ሰብኣውነት ዘጉደለ ናይ ኤኮኖምን ዕዳጋን ሕጊ ዓቢይ ጌጋን ኣዕናውን ጸረ ሰብኣውን እዩ። ስለምታይ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኰይኑ ስለ ዝርከብ እዩ ድማ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ተንቲኖም ዕዳጋ ቅኑዓት ሰባት ዘድልይዎ ምዃኑ የነጽሩ።
እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ዘረባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ዘማእክለን ዝትንትን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.