2013-05-14 18:18:33

ዝበዝሕ ጊዜ አብ ሕይወት እምነትና መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ አይንዝክሮን ኮይኑ ግን ናይ እግዚአብሔር ነገራት ዘዘክረና ንሱ ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቅድስት ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ምስ ገለ ክፋል ናይ ረድዮ ቫቲካን ሠራሕተኛታትን ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ግብረ ተልእኮ ሰበኽ ሳግምን ኃቢሮም አብ ዝቀደሱሉ ኢዩ፣ ንክርስትያን ታሪኹን መንነቱን ዘዘክሮ ከምኡውን ካብ እግዚአብሔር ንዝተቀበሎም ጸጋታት ከይርስዕ ዘዘኻኽሮ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ብዘይ እዚ ጸጋ እዚ እምነትና አምልኾ ጣዖት ምኾነ፡ እንክብሉ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከምዘሎ ገሊጾም፣
አብ ናይ ትማሊ ሥር ዓተ አምልኾ ላቲን አብ ዝተነበ ናይ ግብረ ሓዋርያት ክፍሊ ቅዱስ ጳውሎስ አብ ኤፈውሶን ንዝረኸቦም ንኡሰ ክርስትያን ዝተጠመቁን መንፈስ ቅዱስ ዝተቀበሉን እንተኾኑ እንክሓቶም ንሳቶም ድማ መንፈስ ቅዱስ ከምዘሎ እውን ወረ ከምዘይብሎም ማንም ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክዛረብ ሰሚዖም ከምዘይፈልጡ ከምዝነገርዎን አጠሚቅዎም ኢዱ ምስ አንበረሎም መንፈስ ቅዱስ ከምዝተቀበሉን ዜዘንቱ ክፍሊ ኢዩ ነሩ፣ ቅዱስነቶም እዚ ጉዳይ እዚ ሎሚ እውን ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመት ብዙሓት ክርስትያን ብዛዕባ መንፈስ ዘይፈልጡ አለው፣ ብዙሓት ጸሓፍቲ እውን ከምዘረጋገጽዎ መንፈስ ቅዱስ አብ ታሪኽ እምነት ብዙሕ ጊዜ ተዘንጊዑ ይርከብ፣
“ሎሚ ከም ሎሚ ብዙሓት ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ መን ምዃኑን ከመይ ከምዝኾነን አይፈልጡ፣ ሓድ ሓደ ጊዜ ከኣ ‘አነ ምስ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔርን ወልድን ጽቡቅ እነብር አሎኹ፤ ምኽንያቱ ወትሩ አቦና አብ ሰማይ እትነብር እጽሊ ብ ኡ አቢለ ከአ ምስ ኢየሱስ እወሃሃድ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ግን እንታይ ከምዝብል አይፈልጥን’ ይብሉ፣ ቍሩብ አጥብቅ አቢልካ እንተሓተትካዮም ከአ መንፈስ ቅዱስ እቲ ብ አምሳል ርግቢ ዘሎ ኢዩ ሸው ዓተ ሃብታት መንፈስ ቅዱስ ከአ ይ ዕድለና ይብሉ፣ ከምዚ ኮይኑኸስ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ አብ መጨረሻ ይዝከር ጥ ዑይ ቦታ እውን አይወሃቦን፣ እንተኾነ ግን መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወት ክርስትያን ወትሩ ምስ ሰርሔ ኢዩ፣ ን አ እምሮና ዘነቃቅሕን ብዙሕ ነገራት ዘዘኻኽረናን ኢዩ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰማይ ቅድሚ ም ዕራጉ ንሓዋርያት ዝበሎም ከአ እዚ ኢዩ፣ ‘ሕጂ ንኩሉ ክትጾርዎ አይትኽ እሉን እቲ መጸናንዒ ምስ መጸ ግን ነዚ ዝነገርኩኹም ኩሉ ከዘክረኩም ኢዩ፤’ ብማለት ንዝሓለፈ ጥራይ ዘይኮነ እንተደአ ብ እምነት ነቂሖምን ሰሪሖምን ሎሚ ንሕና እውን ከም ኡ፤ ከአ ንዝመጽ እ እውን ከብረሃሎም ከምዝኾነ ሓቢርዎም ንምጽ አት መንፈስ ቅዱስ ክጽበዩ ሓደራ ቢልዎም ከይዱ፣
“ዝኽሪ ዘይብሉ ክርስትያን ሓቀኛ ክርስትያን አይኮነን፣ ዳርጋ ሱቅ ቢሉ አብ ዝኸዶ ዘይፈልጥ ንጊዜኡ ተደባሊቁ ዝነብር ታሪኽ ዘይብሉ ኢዩ፣ ታሪኽ አለዎ ግን ከመይ ቢሉ ከምዝነብሮ አይፈልጥን፣ ከመይ ቢሉ ከምዝነብሮ ዝምህሮ ግን መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ አብ መል እኽቲ ዕብራውያን እንተተመልከትና ‘ብ እምነት አቦታትኩም ንዝኾኑ ዘክሩ’ እንክብል ዝኽሪ ናይቶም ብእምነት ዝወለዱዎም አብተን ቀዳሞት መዓልታት እምነቶም ክሳብ ክንደይ ተበዓት ከምዝነበሩ ክዝክሩ ይጽው ዖም፣ ዝኽሪ ናይ ሕይወትና ዝኽሪ ናይ ታሪኽና ዝኽሪ ናይቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተራኸብና ዝተሰመዓና ሓጐስን ዝረኸብናዮ ጸጋን ዝኽሪ ናይቲ ኩሉ ኢየሱስ ዝገበሮን ዝበሎን ክንደይ ጥዑም ኢዩ፣ እዚ ዝኽሪ እዚ ካብ ልቢ ኢዩ ዝፍልፍል፤ ምንጩ ከአ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ እዚ ዝኽሪ እዚ ክህልወና ግድን ኢዩ፣ ረሳዕቲ አይንኹን፣ ኮይኑ ክንዝክሮ ዘሎና እቲ ባርዩ ገሩ ዝሕዘና ድኽነትናን ምስኪንነትናን ማዕረ ማዕረኡ ከአ እቲ ካብዚ ኩሉ ዘናግፈና ሓራ ዝገበርናን ጸጋ እግዚአብሔር ክንዝክር ይግባእ፣“ሓንሳብ ሓንሳብ ፋሕ ክብለና ይኽእል፤ ዝ ዓበየ ሽልማት ናይ ቅድስና ዝተቀበልና ኮይኑ እንተተሰመዓና እውን እዚ ዝኽሪ እዚ ፈውሲ ኢዩ፣ ከመይ ሓራይ ተቀዲስካ አሎኻ ግን ካበይ ከምዘውጻእኩኻ ዘክር ናይቲ መጓሰ ጭራ ከምዝነበርካ ዘክር፣ አብቲ መጓሰ ብድሕሪት ጭራ ኰንካ ጐተት ክትብል ብድሕሪት መጺ ኤ ኢየ አል ዒለካ ከምዝብለካ ዘክር፣ ዝኽሪ ዓቢ ጸጋ ኢዩ፣ ዝኽሪ ዘይብሎ ክርስትያን ጽጉም ኢዩ ኮይኑ እቲ ሓቂ እዚ ኢዩ ዝኽሪ ዘይብሉ ክርስትያን አይኮነን፤ አምልኾ ጣዖት ኢዩ ዝገብር፣ ዝኽሪ ዘይብሉ ክርስትያን አብ ቅድሚ ሓደ ምንም ዘይፈልጥ አምላኽ መንገዲ ዘይመርሕ ዘየሰኒ ዘይዋሳእ አምላኽ ኢዩ ዘሎ፤ አምላኽና ግን መንገዲ ይሕብረና የሰንየና አብ ጉ ዕዞና ምሳና ይጽንበር፣ የድሕነና፣ ምሳና ታሪኽ ይገብር፣ በዚ ጸጋ ናይ ዝክሪ ሕይወትና ፍርያም ይኸውን፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.