2013-05-14 18:22:34

ናይ ብፁዕ ልዊጂ ኖቫረዘ ፍሉይ ጸጋ


ዝሓለፈ ቀዳም አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፉዎሪ ለሙራ ብብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ ብፅ ዕናኡ ዝተ አወጀ አባ ልዊጁ ኖቫረዘ ቅድሚ ዝአገረ ንወዲሰብ ሰብ ዘድልዮ ውሽጣዊ ፍወሳ ከምዝኾነ ዝተረድ ኡ ዓቢ ናይ ዘመንና ብፁዕ ከምዝኾኑ ትማል ንግሆ ብናይ ቅዱስ ጳውሎስ ባዚሊካ ፍዎሪ ለሙራ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ኮማስትሪ ዝ ዓረገ ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ተገሊጹ፣
ብፁዕነቶም አብ ስብከቶም ብፁዕ ልዊጂ ኖቫረዘ ውሽጣዊ ፍወሳ ቀንዲ ከምዝኾነ ንኽገልጹ ንኩሎም ሕሙማት መንፈሳዊ ሱባኤታት ንኽግበር ብዙሕ ከምዝጸዓሩን ብ1952 ዓም ምሕረት ከአ አብ ፕየሞንተ አብ እትርከብ ረ እትበሃል ዓዲ ማእከል ሱባኤ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ከምዝሃነጹ አመልኪቶም፣
“ፍቁር ወዲ ማርያም ብምንባሩ ብሕጻናዊ ገርህነትን ሃውክን ነቲ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም አብ ሉርድን ፋጢማን ንቤተ ክርስትያን ዝሃበቶ መል እኽታት ተቀቢሎም፣ እቲ መል እኽታት ‘ጸልዩ! ጸልዩ! ሓጢአተኛታት ም እንቲ ክንስሑ ከአ ተጋድሎ ግበሩ” ዝብል ነበረ፣ ብፁዕ ልዊጂ ኖቫሪዚ ከአ አብ ምሉእ ተል ኾኦም ነዚ ኢዮም ተኸቲሎም’ እንክብሉ አዘኻኺሮም፣
ብፁዕነቶም አስ ዒቦም አብ መንጎ ብፁዕ አቡነ ልዊጂ ኖቫረዚን ድንግል ማርያምን ዝነበረ ርክብ ንኽገልጹ ነቲ ትማሊ ተዘኪሩ ዝወዓለ ናይ ማርያም ፋጢማ ብምዝካር ብወርሒ ግንቦት ዕለት 13 1917 ዓምፈ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ንመጀምርያ ዝተራእየትሉ ዕለት እንክኸውን ልክ ዕ በዚ ዕለት እዚ ከአ ብ1981 ዓም አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ካብ ሓደጋ ሞት ዘድ ኃነትሉ ዕለት ኢዩ፣ ሳልሳይ መተአሳሰሪ ከአ ብፁዕ ልዊጂ ኖቫረሰ በዚ ዕለት እዚ ብ1914 ዓም ተወሊዶም ብዙሕ ሥራሓት ፈጺሞም ነቶም ብሱቅታ ንናይ ክርስቶስ መስቀል ዝስከሙን ናይ ሥቃይ ወለተኛታት ማእከልን አብ ሉርድ ብምሥራሕ ንሕሙማት ካህናት ምምልላስን ምሕጋዝን ዝ አመሰሉ ነገራት መሥሪቱን አደልዲሉን ድሕሪ ሰብ ዓ ዓመት ናብ ሰማያዊ አቦ ሓሊፉ፣ እቲ ቀንዲ ንዝሓመሙ ካህናት ናብ ሉርድ ክወስዶም ከሎ ነቲ ንግደት ናብ ሱባኤ ይልውጦ ነይሩ፣
“ሞንሲኞር ኖቫረዘ ብሓዊ ንካህናት ካህኖም ነሩ፣ ናይ ተልእኾኡ ቀዳማይ ዕማም ካህናት ኢዩም ነሮም፣ በዚ ጉዳይ እዚ አመስጊናዮ አይንጸግብን አሰሩ ክንክተል ከአ ዚአክል ንገብር አይመስለንን፣ እንክብሉ ዓቢ አበርክቶ ብፀዕ ልዊጂ ኖቫረዚ ምስ ገለጹ ቀንዲ አተኵሮኡ እንታይ ከምዝነበረ ከአ ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣
“ናይ ሓደ ሰብ ቀዳማይ ምሕዋይ መንፈሳዊ ውሽጣዊ ፍወሳ ከምዝኾነ ብብሩህ ተረዲኡ፣ ስለዝኾነ ከአ ልቢ ሓደ ሰብ ን ኢየሱስ እንተተኸፊቱን ብማርያም እንተተአማሚኑን ናይ ጥ ዕናን ቅሳነትን ማዕበል አብቲ ሰብ ይሓድር፣” ቢሎም፣ብፁዕ ልዊጂ ኖቫረዘ እዚ ኩሉ ዝገበረ አብ ኃልዮት እግዚአብሔር ብም እማን ከምዝኾነ ከም አብነት ነቲ አብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ማእከል ሱባኤ ንሕሙማን በቶም ሕሙማን ዝተወፈየ ቁሩብ ገንዝብ ናይ ሓሙሽተ ሺሕ ኤውሮ እንክጅምሮ አብ መወዳእታ ግን ሓደ ሚልዮንን 200 ሺሕን ዝውደአ መስደምም ማእከል ተገሩ፣ እዚ አብ ኃልዮት አምላኽ ተጸጊ ዕካ ዝግበር ንምምልካት እንክኸውን እቲ ካል እ ዚዓበየ ዝገበሮ ከአ ናብቶም ሕሙማት አላዩ ዘይብሎምን ድኻታትን ብምትኳር እሞ ከአ ንኩሎም ምሳኡ ሓቢሮም ንክዋስ ኡ ምግባር ብዝለዓለ ከአ ብዙሓት ወለተኛታት ካብ ም እመናን አብ ጐኑ ተሰሊፎም ነዚ ሠናይ ተግባር ብዘይ ረአዩለይ ስም ዑለይ ብስቍታ እናተሳቀዩን ንዝሳቀዩ እናአሰነዩን ዝገበርዎ ተአምር ዘበለ ናይ ዘመንና ግብረ ሠናይ ተል እኾ ኢዩ፣ በዚ ከአ ናይ ዘመንና ሕያዋይ ሳምራዊ ናይ ሕሙማት ሓዋርያ ዝብል ቅጽል ስማት ዝተዋህቦ እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.