2013-05-11 15:57:06

ቫቲካን፦ ናይ መላእ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ


RealAudioMP3 ዕለት 10 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሓቆፍ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ብናይዚ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ዝተመርሐ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኤወሮጳ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ነቲ ዝተኻይደ ርክብ ዝተኸታተላ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን።
እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ከይዲ ውህደትን ኣብ ማሕበራዊ ስነ ምግባር ሕቶታት ንማሕበረ ክርስትያን ኤውሮጳን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ተማእኪሉ ከምእትኻየደ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣመልኪቶም፦ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብሓቂ ዘደንቕ ውዕዉዕ ኣባታዊ ፍቕሪ ዝተነብረሉን ቅሱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዓቢይ ድላይን ክፉት ልብን ተቐቢሎምናን፣ ብመሪሕ ቃሎም ኣተባቢዖምናን ብመሰረት ዝቕረበሎም ጸብጻብ ስልጣናዊ ምዕዳን ለጊሶምልናን እዮም። እቲ ዝርርብ ዝተኻየደሉ ርእሰ ጉዳይ ኣዚዩ ኣገዳስን ዓሚዩቕን ብምንባሩ ድማ ቅዱስነቶም ሜላዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባላት ኣብ ግብረ ገባዊ ሕቶ ዘሎና ግዳሴ ከንጉልሕ ከምዝግብኣና ሓቢሮምና እዮም” ከምዝበሉ ገሊጾም።
ሃይማኖታዊ ሕቶ ነጻነትን ዕርቅን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ተመስሪቱን ኣብ ኢስታንቡል ምስ ናይ ውህደት ፓትሪያርክ ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ናይ ሚላኖ ውዕሊ ምኽንያ ዝካይድ ርክብ ከምእተሓንጸጸን ከምኡ እውን ኣብ 2013 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ብራቲስላቫ “እግዚኣብሔርን ሃገርን፣ ኤውሮጳ ኣብ መንጐ ዓለማውን ዓለማውነትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሓቆፍ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ከምእተጸውዔን ገሊጾም እቲ ኣብ ኤውሮጳ እናሰፍሔ ዝመጽእ ጸሎ ጽልኢ-ክርስትና (ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያ) ብዝምልከት ናይ ኤውሮጳ ናይ ኣድልዎን ዘይምቅብባልን ጉዳይ ዝከታተል ተዓዛቢ ኣካል ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ዝተገልጸ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እናኾን ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ሃገራት ቅዋምን ከምኡ እውን ብኢደ ኣታውነት መንግሥታት ኤውሮጳ ዝረእየ ዘሎ ጸገም ምዃኑ ሓቢሮም፣ ስለዚህ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ’ዚ እውን ዝርርብ ክካይድ ምዃኑ ኣነጺሮም፣ ኣብ ግብጽን ሶሪያን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ስደትን መከራን እውን ጠቒሶም፣ ንናይ ግብጺ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ናይ መላእ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቅርበትን ሕውነትን ዘረጋግጽን ከምኡ እውን እቶም ኣብ ሶሪያ ዝተጨውዩ ደሓር ናጻ ዝተለቁ ክልተ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ናጻ ክልቐቑ ናይ ጻውዒት መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም፦ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብዘተ ጥራሕ እዩ ዝፍታሕ” ኢሎም።
ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሓቆፍ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ብወገኖም ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መንጐ ሶዶማዊ ጸታ ዘለዎም ሰባት መርዓ ዝፈቅድ ዝጸደቐብ ዝጸድቕ ዘኪ ሕጊ ጸረ ሰብኣዊ ባህርይ ከምዝኾነን ክርስቲያን ባህርይ ፍጥረት ሰብ ክኽበርን መርዓ ምስጢረ ተክሊክ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይት ዝፍጸምን እዩ። ነዚ ዝጐድእ ዝኽሰት ዘሎ ባህርይ ሰብ ዝጻረር ውሳኔታትን ሕጊ እናገበርካ ብምቛም ዝርአ ዘሎ ምንዋጽ ባህርያዊ ፍጥረት ሰብ ሓደገይና ምዃኑ ኣረዲኦም፦ “እቲ ናይ ሕብረተስብ ሕመረት ዝኾነ ስድራ ቤት ክንክን ክግበረሉን ካብ ዘጋጥሞ ኵለ መዳያዊ ሽግራት እውን ክላቐቕ ብቑዕን ግቡእን ደገፋት ካብ መንግስቲ ክቐርበሉ ከምዝግባእን ሕይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበርን ናይ ሕይወት ባህሊ ክሰፍሕን ቤተ ክርስቲያን ብመዳይ ሕጽነት ኣቢላ ዓቢይ ጻዕሪ ብምክያድ እዚ ድማ ናታ ውሳኔ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ስነ ምግባር ምዃኑ ተስተምህርን ትምስክር፣ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ናይ ሞት ባህሊ ብናይ ሕይወት ባህሊ ምቅዋም ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ” ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.