2013-05-11 15:52:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያናዊ ፍስሃ ቅጽበታዊ ሓጎስ ዘይኮነስ ናይ ኢየሱስ ህያብ እዩ


RealAudioMP3 ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ትማሊ ንጎሆ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝተሰነየ ሓደ ጉጅለ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ሠራሕተይናታት ዝተሳተፍሉ ምስ ናይ መሪዳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ባልታዛር ኤንሪከ ፖራስን ምስ ናይ በነዲክቶስ ገዳማውያን ማሕበር ቀዳሜ ኣበምኒየት ኣባ ኖትከር ዎልፍ ሓቢሮም ኣብ ዝሰርዕዎን መስዋዕተ ቅዳሴ፦ “ክርስቲያን ናይ ፍስሃ ሰብ እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ክርስቲያን ናይቲ ካብ ኢየሱስ ዝዕደል ሓቀይና ሓጎስ ማለት ፍስሃ ምስክር ማለት እዩ። ስለዚህ ክርስትያን ናይ ፍስሃ ሰብ ከምዝኾነ ክርስቶስ ባዕሉ የስተምህረና። እዚ ፍስሃ’ዚ እንታይ ማለት እዩ? ጊዚያዊ ደስታ ማለት ኣይኮነን። ደስታ ሰናይ እዩ። ፍስሃ ግን ካብ ምድሳት ይዓቢይ። ስለዚህ ፍስሃ ካብ ቅጽበታዊ ኩነትን ምኽንያትን ዝምንጭ ዘይኮነስ ካብ መዓሙቕ ልቢ ዝምንጭ እዩ። ደስታ በቢ ዕለቱ ዝንበር እንተድኣ ዘይኮነ ግዚያውን ዘይጥልቅን ጥማዓውን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ፍስሃ ግን ናይ ጎይታ ህያብ እዩ። ከም ቅብኣት ቅዱስ መንፈስ ውሳጤና ዝመልእን ዝልውጥን እዩ። ስለዚህ ካብቲ ኢየሱስ ምስ እግዚኣብሔር ኣብን ምሳናን ምዃኑ ካብ ዘሎና ርግጸይናነት ዝምንጭው እዩ” ከምዝበሉ” ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ፍሱህ ሰብ ህዱእ ርጉጽ ጽኑዕ ከምዝኾነን እዚ ድማ ኢየሱስ ምሳናን ምስ ኣቦን ምዃኑ ካብ ዘሎ ርግጸይናነት ዝነቅንል ብምዃኑ ንገዛእ ርእስና ዓቂብና ኣብ ውሳጤና ከዲንና ክንነብሮ ዝከኣለና ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ኣቕሪቦም፦ “እቲ ፍስሃ ኣብ ውሳጤና ከዲንና ንኣና ጥራይ እንነብሮ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ፍጻሜ ልብና ተጠራጣሪ ይኸውን ገጽና እቲ ፍስሃ ዘንጸባርቕ ዘይኰነስ ምልክታ ስቓይ ናፍቆትን ትካዘን ዝንበሮ ይኸውን። ከምዚ ምስ ዝኸውን ድማ እቲ ነዚ ትካዘን ስቓይን ዘንጸባርቕ ዘይፍሱሕ ክርስቲያን ድማ ጸዋግ ገጽ እዩ ዘንጸባርቕ። ፍስሃ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ዝበለ ዘይኮነስ ነጋዲ እዩ። ዝጓዓዝ ጸጋ እዩ። ኣብ ናይ ሕይወት ጐዳና ተጓዓዚ እዩ። ምስ ኢየሱስ ዝጓዓዝ እዩ። ንኢየሱስ ብፍስሃ ወሰናይ ዝእውጅ ዘበስር ጐዳና ፍስሃ ዝጸርግ እዩ። ነዚ ጸጋ’ዚ ዝነብርን ዘበስርን ድማ ክነየው ማዕዶ ዝጥምት እዩ” ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።
ፍስሃ ተግጓዓዝን ነጋድን ስለ ዝኾነ ድማ ዝማሬ ኰይኑ ናብ ካልኦት ዝበጽሕ ጸጋ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፦ “ናይ ልቢ ምዕባይ ብልጫ እዩ። ስለዚህ ፍስሃ ናይ ልግስናን ወረጃነትን ቅቡእነት ክብሪ ብምዃኑ ንቕድሚት ዝጐዓዝን ናይ ቅዱስ መንፈስ እስትንፋስን እዩ። ንጐይታ ውሕስነት ፍሱህነት ንለምኖ፣ እቲ ናይ ክርስቲያን ሕይወት ዝመርሕን ንቕድሚት ዘብል ናይ ፍስሃ ሃረርታ ክህልወና ቤተ ክርስቲያን ትዕድመናን ሃርርታና መጠን ዓቢይ ምስ ዝኸውን እቲ ፍስሃ እውን ዓቢይ ይኸውን፣ ንጐይታ እዚ ህያብ ቅዱስ መንፈስ ንለምኖ፣ ካባና ትካዘን እቲ ጥምዓዊ ሓጐስ ከርሕቕ ንለምኖ። ውሕስነት ፍስሃ ንለምኖ” ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና በዚ ኣጋጣሚ እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዎ ናይ ግብጹ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ እቲ ዝፍጽምዎ ዘለዎ ሓዋርያው ምብጻሕ ሓደ ምኽንያት ፍስሃ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ስለምታይ ሓደ ሓው ንሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ክብጽሕ ኣብዚ ኣብ ሮማ እንክርከብ ፍስሃ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.