2013-05-11 16:06:06

ሉርድ ዲያቆናዊ መንፈስ 2013 ዓ.ም.


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ፍሪማ ዝተነብሮ ናብቲ ኣብ ፈረንሳ ሉርድ ዲያቆናዊ ሕይወት 2013 ዓ.ም. ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰየ ብሔራዊ ጉባኤ፦ ማሕበረ ክርስቲያን እቲ ናይ ፍቕሪ ምልክት ዝኾነ ማዕጾ ማሕበረ ክርስቲያን ብምስጢረ ፍቅሪ ተነቓቒሕኩ ንድኻታት ከርህውን፣ ናይቲ ዝስዋዕ ፍቕሪ መራኸብን ኰይኑ ኣገልግሎትን ፍቕርን ዝንበረሉ ዲያቆናዊ ስፍራ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ “ነገልግሎት ሕውነታዊ፣ ቤተ ክርስቲያናዊ ምንባርና ምስ ድኻታት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመርሑ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ምትሕብባርን ድጋፍን ዝከታተል ድርገት ምስ ክፍሊ ረድኤት ሓልዮ ድርገት ብምትሕብባር ዘክይዶ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነታ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ዓቢይ ድጋፍን ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዘተባብዕን ቀዳሜ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ምስክርነት ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ክኸውን ከምዘለዎ ዝመርሕ ምዃኑ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ከቢድ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ሽግርን መከራን ንዝርከቡ ድጋፍን ምትሕብባርን ከይፍለዮምን ብቅርበትን ብሕውነትን ንድኻታት ዝብል ክርስቶሳዊ ፍቕሪ መሰረት ክንበርን እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ስነ ምህዳራውን ቅልውላው ንምፍታሕ ቤተ ክርስቲያን እምንቲ ሰዓቢት ክርስቶስ ኮይና ክትርከብን ነቶም ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ቀረባ ኮይና ፍቕሪ ክርስቶስ እናመስከረት ማሕበረ ክርስቲያን ብእምነትን ብናይ እምነት ርትዓዊ ኣመክንዮ ተሰንዩ ነቲ ቅልውላው እናበድሄ ክጓዓዝን ካቶሊካውነት ምስ ካልኦት ንምትሕብባርን ዕንቅፋት ከምዘይኮነን ኮይኑ እውን ከምዘይፈልጥን እናመስከረ ነቲ ዝስዋዕ ፍቕሪ ክርስቶስ ብምንባር ከምቲ ክርስቶስ ክርስቲያን ናይ ዓለም ብርሃን ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ናይቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕርን ርህራሄን ብምንባር ክምስከር ከምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.