2013-05-08 17:27:51

ሰንበት ዘትንሣኤ ሚያ 27 2005 ዓ.ም. (5/5/2013)


“ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር”

“ሰላመ ይጸጉ ለነገሥት ለአሕዛብ ወለበሐውርት”
መዝሙር ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር.. . . ።
“ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል።
ንባባት አብ ቅዳሴ 1ቆሮ 15፡1~20፥ 1ጴጥ 3፡17~24፥ ግ.ሓ. 10፡38~42፥ ዮሓ 20፡1~18
ስብከት፡ቅድሚ ቅዳሴ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ ወከመ ኃያል ወኃዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65~66
ንባባት፡ ማቴ 28፡1~ፍ፥ ማር 16፡1~ፍ፥ ሉቃ 24፡1~13
አብ ቅዳሴ፡ ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ ንትፈሳሕ ወንትሓሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ። “እቲአ እግዚአብሔር ዝገበራ ዕለት እዚአ እያ፥ ብአአ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን፥ ኦ ጉይታ አድኅነና” መዝ 118፡ 24~25።
በዚ ብሩኽ መዓልቲ ንኹልኹም እንቋዕ አብ ብርሃነ ትንሣኤ አብጽሓኩም ንአኹምን ንኹሎም ቤተ ሰብኩምን ፈተውትን እዚ ትንሣኤ ሓዲስ ሕይወት ክርስቶስ አልቢሱ ቅድስና ዘልብስ፥ አብ ሃገርናን ዓለምናን ሰላም ዘውርድ ይግበረልና።
“ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን በዓቢ ኃይል ወስልጥን አሰሮ ለሰይጣን ይእዜሰ ኮነ ፍሥሓ ወሰላም” እናበልና ክነዝይም እንከሎና አብ ትንሣኤ ክርስቶስ እንረኽቦ ተሓድሶን ፍጹም ዕርቂ ምስ አምላኽን ኢና እንዝክር። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ዓወት ሕይወት አልቢሱና። ቅዱስ ጳውሎስ ብዕሞቕ ምስጢር ትንሣኤ ዝተረድኤ “ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተ ኾይኑ እምነትና ብላሽ እዩ” እናበለ ናይ እምነትና መሰረት አብ ትንሣኤ ምዃኑ ይገልጸልና።
ትንሥኤ ንሓዲስ ሕይወትን እምነትን ዝዕድም እዩ። ሓዋርያትን እተን ቀዳሞት አንስቲ አብ ምብሳር ትንሣኤ ዓቢ ተራ ዝተጻወታን እቲ ቀዳማይ ለውጢ አብኦም ዝተራእየ ካብ ጥሩሑ ዝጸንሐ መቓብር አብ ትንሣኤ፥ ካብ ምጥርጣር ናብ ጽኑዕን ዓቢ እምነት ምስጋር፥ ካብ ሃደምቲ ፈርሓት ምዃን ናብ መስከርትን ሰበኽትን ምዃን፥ ከይርኤኻ ምእማን እዩ።
ሕይወት ማርያም መግደላዊት አብነት ኩልና እዩ። ንሳ ንኢየሱስ ብልባ አሚና ስለ ዝተቐበለቶ አብቲ ዝተቐብረሉ ከይዳ አናድያቶ፥ ክሳብ እትረኽቦ አይደቀሰትን አብ ጸልማት አብ መቓብር አብ ጀርዲን አብ መገዲ አብ ኩሉ ደልያቶ። ነዚ ኹሉ ዝርእን ዝፈልጥን ኢየሱስ ማርያም ኢሉ ምስ ጸውዓ ሽዑ አለልያቶ። ሎሚ ንሕና ንኢየሱስ ክንደልዮ አብ ሕይወትና ክነእትዎ ይግብአና። ከየለለናዮ እንከሎና ብመገዲ ከይሓልፈና ርኢና ክንክእል አሎና። ከም ማርያም ምስ ረኸብናዮ ንርእስና ጥራሕ ዘይኮነ ንኸማና ዝበሉ ሰባት ክነበስር ክርስቶስ ተኸዊልዎም ዓለም ከይርእዩ ከዊልዎም ዘለዉ ብርሃን ትንሣኤ ከስተማቕሩ እንልአኾም ንሕና ኢና። አብ ቤትና አብ ቍምስናና ሎሚ “ክርስቶስ ተንሢኡ” እዩ ንተሓደስ ንተዓረቕ ንመሓሓር ኢልና አብ መአዲ ፍቕሪ ትንሣኤ ክንጽመድ መዓልቱ እዩ።
ንዝተንሥኤ ክርስቶስ እንተ ዘይሰበኹ ወይለይ ዝበለ ጳውሎስ ሎሚ ሰበኽቲ ክርስቶስ ንሕና ስለ ዝኾና አብ ኩሉ ሰቢኽናዮ ኩልና ናቱ ኮና መለለይና ፍቕሪ ኮይኑ ክንርአ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መጸዋዕታ እዩ። አሕዋተይ ሎሚ ልብስና ጥራሕ ጸርዩ ከይህሉ ልብና እውን ነጽሪ አብ ቅድሚ ክርስቶስ ንጹሕ ሕልናን ልብን ይሃልወና።
አብ ሓደ ዝንገር ጽውጽዋይ ሰለስት ቤተ ክርስትያን ከይዶም ዘይፈልጡ ሞቱ እሞ አብ አፍደገ መንግስተ ሰማይ ቅ. ጴጥሮስ ጸኒሕዎም ይብሃል። ቅ. ጴጥሮስ መንግስተ ሰማይ ክትአትዉ እንተ ኮንኩም ሓንቲ ቀላል ሕቶ ክሓትኩም እየ ንአአ ዝመለሰ ክአቱ እዩ ኢልዎም። ነቲ ቀዳምይ ሰብአይ “ትንሣኤ ወይ ፋሲካ እንታይ ማለት እዩ? ኢሉ ሓቲትዎ። እቲ ሰብአይ እዚ ቀሊል ሕቶ ‘ፋሲካ ሓደ ካብ ብዓለት አብ ወርኂ ኅዳር ዝውዕል ኩሉ ሰብ ብሓንሳብ ኮይኑ ዝሰትየሉ ዝበልዓሉን ዝሰኽረሉን ዘመስግነሉን (Thanksgiving ማለቱ እዩ) እዩ ኢሉ መሊሱ። ተጋጊኻ ኢሉ ቅ. ጴጥሮስ ናብቲ ካልአይ ሓሊፉ ሓደ ዓይነት ሕቶ “ትንሣኤ ማለት እንታይ ማለት እዩ” ኢሉ ሓቲትዎ። እቲ ኻልአይ ሰብአይ ክምልስ እንከሎ “ትንሣኤ ማለት አብ ወርኂ ታሕሣሥ ዝብዕል ሓንቲ ጽብቕቲ ሽልምቲ ኦም እንገብረሉ ህያባት እንቀባበሉል ናይ ኢየሱስ ልደት እነብዕለሉ እዩ ኢሉ መሊሱ። ቅ.ጴጥሮስ ናብቲ ካልአይ ሓሪቑ እናጠመተ ርእሱ እናነቕነቐ ተጋጊኻ በሎ። አብቲ ሳልሳይ ሰብአይ ሰጊሩ ንስኻኸ ትንሣኤ ማለት እንታይ እዩ ኢሉ ሓቲትዎ? እቲ ሳልሳይ ሰብአይ ፍሽኽ እናበለ ብርእሰ ተአማንነት አብ ቅ. ጴጥሮስ አብ ዓይኑ እናጠመተ አብኡ ቅርብ ኢሉ “ትንሣኤ ፋስካ” እንታይ ከምዝኾነ እፈልጦ እየ በሎ። ቅ. ጴጥሮስ ናይ ዘይምቕባል ገጽ እና አርአየ እንከሎ እቲ ሰብአይ ብምቕጻል “ትንሣኤ/ፋሲካ ዝብሃል ናይ ክርስትያን ብዓል ምስ ፋሲካ አይሁድ ዝመሳሰል እዩ ። ኢየሱስን ሓዋርያቱን አብ ሓሙስ ጽግቦ ብሓንሳብ እናበልዐ እንከሎ ብሓደ ካብ አርድእቱ ከም ዝተኻሕደ እሞ አብ ኢድ ሮማውያን አሕሊፉ ከምዝሃቦ። እቶም ሮማውያን ወሲዶሞ አብ መስቀል ሰቒሎሞ ጎኑ ብኲናት ወጊኦሞ አብ ርእሱ አኽሊል እሾኽ ደፊኦምሉ፥ ክልቲኡ አእዳዉን አእጋሩን አብ መስቀል ሸንኪሮም ሰቒሎሞ፥ አብ ጥቕኡ ዝነበረ ብዓቲ ብዓቢ እምኒ ዓጽዮም ቀቢሮሞ” እናበለ መሊሱ።
ቅ.ጴጥሮስ ተሓጊሱ ፍሽኽ እናበለ ርእይዎ። እቲ ሰብአይ ዘረብኡ ብምቕጻል “ዓመት ዓመት ዓቢ እምኒ ገልቢጥና ንአልዮ እዚ ኸአ ኢየሱስ መታን ክትንስእ እዩ. . . . . ንሱ ጽላሎቱ እንተ ረአየ ጌና ሽድሽተ ወርሒ ናይ ክረምቲ አሎ ማለት እዩ” በለ ይብሃል።
ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተ ዝከውን እሞ ንሓዋርያቱ ዘይተራእዮም እንተ ዝኸውን ሎሚ ክርስትና አይምሃለወን ሓደ ካብዞም ሰባት ከአ ነቲ ሕቶ አብ ምምላስ አይመተጋገየን። ድሕሪ ሞት ኢየሱስ እቲ ዝነበረ ተስፋታት አርድእቱ በኒኑ ኩሎም መብዝሕትኦም ተሓቢኦምን ሓዲሞም ከይዶምን። እቲ መስሕ ኢሎም ዝገመትዎ መይቱ ሞቱ ኸአ ጨካን ሞት አብ መስቀል ተሰቒሉ ከም ሓደ ገበነኛ መይቱ። ክርድእዎን ክቅበልዎን አይክአሉን። ብኹሉ ዝፈሸለ ኮይኑ ተራእይዎም።
እዚ እዩ እቲ ዝተፈጸመ ንኹልና ክንርድኦ ዝኸብደና። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንጹር ሓድነት ዝለበሰ ብዛዕባ ትንሣኤ ዝነግር አይንረክብን። ከምዝእመን ዝገበሩ እዞም ተሓቢኦም ብኹሉ ተስፋ ቆሪጾም ዝነበሩ ጨሪሾም ቀይሮም። ካብኦም ሓደ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሎም ቀይሮም። ነቲ ዝተንስኤ ጎይታ አብ ሕይወቶም ርእየሞ፥ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ወጺኦም እቲ ኢየሱስ መን ምዃኑን እቲ ብዛዕብኡ ኩሉ ዝተባህለ ሓቂ ከምዝኾነ ክርድኡ ክኢሎም።
ብዛዕባ ትንሣኤ ክንሓስብ እንከሎና ብዙሕ ጊዜ ድሕሪ ትንሣኤኡ ዝነበሮ ሰውነት አብ ኢዱ ናይ ሽንካር ምልክት አብ እግሩ ጎኑ ክንርኢ ኢና እንደሊ። አብ ወንጌል ገናጺልና እንተ ረኤና ግን ድሕሪ ትንሣኤ ኩሉ ግርማኡ ተቐይሩ ይብለና። ከምቲ ቀደም ዝነበሮ አይኮነን። ክርአ ይክአል ክጠፍእ ኸአ ይክኣል፥ ካልእ ክመስል ይኽእል ሽዑ ክልለ አይክአልን፥ ይበልዕን ክትንክፍዎ ይክአልን። እዚ ክትርድኦ ሓዲስ እዩ። አርድእቱ አብ ኩሉ የለልይዎ ነሮም አብኡ አሚኖም ሽዑ ቀይሮም። ካብ ፈራሓትን ሃደምትን አብ ኩሉ ፋሕ ዝበሉን አብ ሓደ ተጠርኒፎም በቲ ዝተገብረ ዝድነቑ ነቲ ዝአመንዎ ምስ ካልኦት ክካፈልዎን ፍቕሮምን ርድኢቶምን ከካፍሉ ጀሚሮም። እዚ እዩ ትንሣኤ ዘምጽኦ ተአምራት።
ነዚ ከየስተውዓልና ክንሓልፎ አይግባእን። አብ ነፍስወከፍ እዋን አብ እንዝክረሉ ጊዜ ከም ሓዋርያት ክንድነቕን ክነስተንትንን እሞ ብዛዕብኡ ክነግርን ይግብአና። ቤተ ክርስትያን ነዚ አብ ልብና ክነሕድሮ ኢላ አብ ጾም አርብዓ ብሓፈሻ አብ ሶሙነ ሕማማት ከአ ብፍሉይ ክንዝክሮ ትነግረና። ነዚ ሰናይ ዜና ዓቢ ዜና ትንሣኤ ክነስምዕ ክንበራበር አሎና። ከምቲ እተን አንስቲ ጥርሑ ዝጸንሔን መቓብር ዘገረምን ንሕና ኸአ ትንሥኤ ክርስቶስ ከገርመና አለዎ። ምግራም አብ እምነት እዩ ዘብጽሕ። ከምቲ ንሰን ዝተቐየራ ንሕና እውን ሎሚ ክንቅየር እሞ ንስብከት ክንወፍር ንሕተት አሎና።
አብ ኦሪት ዘፀአት እስራኤላውያን ከመይ ኢሎም ካብ ባርነት ከም ዝወጹ ነንብብ። እግዚአብሔር መልአኹ ልኢኺ ካብ ሞት አድሒንዎም፥ ንባሕሪ ኤሪትራ ሰጊሮሞ። አብ ጉዕዞ በረኻ ለይቲ ብዓምዲ እሳት ብቀትሪ ብደመና ይመርሖም ከምዝነበረ ሎሚ ንአና ደቂ ሓዲስ ኪዳን ኢየሱስ ምእንታና ዝሓመመ ዝሞተን ዝተንሥኤን ነቲ ብጥምቀት ዝጀመርናዮ ጉዕዞ እምነት ሎሚ ሓዲስናዮ ክንርከብ ነዚ ብሩኽ ትንሣኤ ከም ምኽንያት ተጠቒምና ክንቅይር ንሕተት አሎና። ብጥምቀት አብ ምድረ ተስፋ ዝኾነ አብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት መጺእና። እዛ ሎሚ እነብዕላ ዘሎና ለይቲ እያ አብ ብርሃን አብጺሓትና፥ እዚአ ለይቲ እያ ሕድገት ኃጢአት አውሂባ ደቂ ሰማይ ዝገበረትና። ቅ.ጳውሎስ ነዚ ክገልጸልና እንከሎ “አብ ሞቱ እንካፈል ካብ ኮና አብ ትንሣኤኡ ኸአ ክንካፈል ኢና። ኢየሱስ ንሞት ስዒርዎ እዩ ንሕና እውን ንሞት ክንስዕራ አሎና”።
ንሕና ደቂ ትንሣኤ እምነትና ትንሣኤ እዩ። እምነትና ወላ እኳ እዚ ኩሉ እንርእዮ ክፍአት ይኽበበና፥ ኩሉ ባህርያዊ ዕንወታት ይውረደና፥ድኽነት፥ ጥመት፥ ናይ ዓለም ግፍዒ ኩሉ የጽብበልና አብ ትንሣኤ ብዘሎና እምነት ኩሉ እዚ እንርእዮ ክበንን እዩ፥ ንሕና ከም ኢየሱስ ንሕና ተሓዲስና ክንትንሥእ ኢና። ዝተሓደሰ ሕይወት ክመጽእ እዩ ምኽንያቱ ንኢየሱስ አብነትና ገርና ንገዛ ርእስና እነዕርጎ መስዋዕቲ ስለ ዘሎና።
ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ዘይኮነ ብዛዕባ ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር እዩ ዝነግረና። አብዚ ምድሪ እንከሎና ንዝተንስኤ ኢየሱስ ዝርእዮ ዘሎ አይመስለንን። እምነትና ካብቲ ዘይርኤ ክንጅምሮ አሎና፥”ካብ ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር”። አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ምእማን ካብ መጀመርያ ካብ ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር፥ ካብ ንብዓት ማርያም መግደላዊት፥ ካብ ቀስ ብቐስ ዝዓበየ እምነት ናይ ተኸተልቱ ክጅምር አለዎ። እምነትና ካብቲ ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር ክንወስዶ አሎና። እዚ ነቲ እነማዕብሎ ዘሎና እምነት ከም ምልክት ይኹነና። ከም ጴጥሮስን ከም እቲ ዘፍቅሮ ረድእን እምነትና ቀስ ብቀስ ክዓቢ ካብ ጥርሑ ዝጸንሐ መቃብር አብ ዝዓበየ እምነት ክንበጽሕ እዩ። ንሞት ስዕርና አብ መንግስቱ ምስኡ ክንከውን ክንቅየር ክንሕደስ አሎና።
ሓደ ሰባኻይ ከምዝበሎ “ዝዓበየ ናይ ትንሣኤ ሓቂ እቲ ንሕና ድሕሪ ሞት እንነብሮ ሓዲስ አይኮነን፥ እዚ ዓቢ ነገር አይኮነን፥እቲ ዝዓበየ ነገር ሎሚ ንሕና አብ ክቡር ሕይወት ንነብር አሎና ምኽንያቱ ንዘለዓለም ክነብር ኢና።
እንቋዕ ጥርሑ ዝጸንሐ መቃብር አርአየና! እዚ እዩ እቲ ሰናይ ዜናን ዝበለጸ ዜና ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና።
ምስጢር ትንሣኤ ልዕሊ ኩሉ ዝአመነት ማርያም አደ ኢየሱስ እያ ንሳ ወዳ አብ ቀራንዮ ክስዋእ እንከሎ ምስኡ አብ መስዋእቱ ትሳተፍ ነራ። ንሰማያዊ አቦ ፍቓድካ ይኹን እናበለት ናይ መጀመርያ ምስዋዕቲ አዕሪጋ ክንብል ንኽእል። መስዋዕቲ ክርስቶስ አብ ትንሣኤ ዘብጽሕ ምዃኑ በቲ ዝሓደራ መንፈስ ቅዱስ ተገሊጽዋ እዩ ስለዚ ንወዳ ክስዋዕ ክትርእዮ እንካለ ብርሃን ትንሣኤ አብአ የብርህ ስለ ዝነበር ክትበኪ ክትጉሂ ወንጌላውያን አይነግሩና። ንሳ ምእንቲ ሕድገት ኃጢአት ኢላ ንወዳ በጃ ክሓልፍ ፍቓደኛ ኮይና። ሎሚ ንሕና ደቃ አብ እግሪ መስቀል ደቃ ክንከውን ዝተላበወና ናይ ውልዱነት መብጽዓና ክንሕድስ ሓግዝና ንበላ። ንብርሃን ትንሣኤ ወድኺ ተኻፈልቱ ክንከውን ሓግዝና። አብ ኩሉ ደቂ ትንሣኤ ኮና ንዝአረገ ውዱቕ ጠባይና ቀይርና ብሓዲስ እምነትን መንፈስን ሰበኽትን መስከርትን ክንከውን ለምንልና ንበላ።
ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ካብ ኃጢአትና አተንሢኡ ሰበኽቲ ወንጌሉ ይግበረና። ብሩኽ ብዓለ ትንሣኤ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.