2013-05-04 19:02:54

መልእክተ ትንሳኤ ብፁዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ፡


ሞተ ዘኢይመውት፣ ሞተ ከመ ይሥዓሮ ለሞት
ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን
በዓለ ትንሣኤ ፳፯ ሚያዝያ ፳፻፭ ዓ.ም.ግ፤ 05 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ፈ


እዚ ካብ መጽሓፈ ቅዳሴ ዘእምቅመ ዓለም ጠቒስና፣ ኣብ ላዕሊ ኣስፊርናዮ ዘሎና ናይዚ መልእኽትና ኣርእስቲ፣ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ንምሉእ ትርጉም ናይ በዓለ ትንሣኤ ዝገልጸልና እዩ። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ከምዝተወልደ፣ ን33 ዓመት ኣብዚ ምድርዚ፣ ብዘይካ ኃጢኣት፤ ከማና ንቡር ሰብኣዊ ሕይወት እናነበረ ላዕልን ታሕትን ይብል ከምዝነበረ፣ ብፍላይ ኣብተን ናይ መጨርስታ ሠለተ ዓመት፣ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ብወንጌል ከኣ እመኑ እናበለ ጥዑም ናይ ድኅነት ዜና ከምዘበሠረ፣ ሕሙማት ከምዘሕወየ፣ ንዝጠመዩ ከምዝዓንገለ፣ ንዝሞቱ ከምዘተንሥአ፣ ጥበብ ዝመልኦ ምሳሌታትን ብዙኅ ተኣምራታዊ ተግባራትን ከምዝፈጸመ ወንጌላውያን ይትርኹልና እዮም። ብሓጺሩ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሮን፣ ዝመሃሮን፣ ዝገበሮን ኵሉ ንድኅነትና ዝዓለመ ከምዝነበረ ርጉጽ እዩ። ኣብ ክንዲ ነዚ ኵሉ ዝገበሮን ዝመሃሮን ጽቡቕ ግን፣ ምስጋና ዘይኮነ ሕማቕ እዩ ዝተፈድየ። እምቅድመ ዓለም ዝኣርእስቱ ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴና ዝርከብ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ እንጥቀመሉ ኣኰቴተ ቍርባን ከምዝብሎ፣ “ኣኃዝዎ ኣይሁድ ወኣቀምዎ ውስተ ዐውድ፣ ለዘሎቱ ይቀውሙ ሠራዊተ መላእክት በፍርሃት ወበረዓድ፤ ሰቀልዎ ዲበ ዕፅ ወቀነውዎ በቀነዋት፣ ወኰርዕዎ ርእሶ በሕለት፣ ረገዝዎ ገቦሁ በኵናት፣ ኣስተይዎ ልጽምዑ ሓሞተ ወከርቤ ቱሱሓ፣ ለዘኣስተዮሙ ለእስራኤል እም፩ዱ ዕብን ለሰብኣ ዓይን” (ቅዳሴ እምቅደመ ዓለም)። ኣይሁድ ኃዝዎ፣ ነቲ ሠራዊት መላእኽቲ ብፍርሃትን ብራዕድን ዚቖሙሉ ንኣኡ ኣብ መጋባእያ ኣቖምዎ። ኣብ ዕንፀይቲ ሰቐልዎ፣ ብሰላም፣ ብመስማር ሸንከርዎ፣ ርእሱ ብበትሪ ወቕዕዎ፣ ጐድኑ ብኵናት ወግእዎ። ነቲ ንእስራኤል ንሰብዓ ዓይኒ (ሕዝ 3:17፣ ዘኁ 13:1-2) ካብ ሓደ እምኒ ማይ ኣንቲዑ ዘስተዮም፣ ንጽምኡ ሓሞትን ከርበን ዝተሓወሰ ኣስተይዎ (ዘኁ 20:11፣ ዮሓ 19:28-30) ይብል።
ኣብዚ፦ እዚ ኵሉ ክሕደትን ጭካነንስ፣ ንምንታይ እዩ? ንሱኸ፣ ምስቲ ምሉእ መለኮታዊ ክእለቱን ኃይሉን፣ ነዚ ኵሉ ግፍዒ ሱቕ ኢሉ ዝሽከሞ ንምንታይ? ዝብሉ ሕቶታት ክመጹና ናይ ግደን እዩ። ወልደ እግዚኣብሔር ከኣል ኵሉ ክንሱ ነቲ ኵሉ ስቓይን ጭንቅን እውን ብኃይለ መለኮቱ ክሰግሮን ክስዕሮን እናኸኣለ፤ በጃና ክሳቐን ክስዋዕን መረጸ። ኢሳይያስ ነቢይ ከምዝበሎ፣“ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፣ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፣ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከምዝተወቕዐን ከምዝተቐዝፈን ከምዝተዋረደን ጌርና ቆጸርናዮ።ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፤ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፣ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓወና። ኵላትና ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና፦ ነፍስ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፣ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ኵላትና ኣብኡ ኣውደቖ” (ኢሳ 53:4-6)። “ንሕይወቱ ተሓጕሱ ንሞት ወፈያ፣ ምስ በደለኛታት ከኣ ተቖጽረ፣ እወ ኃጢኣት ብዙኃት ፆረ፦ ኃጢእቶም ምእንቲ ኪኅደገሎም ከኣ ምእንቲ በደለኛታት ለመነ” (ኢሳ 53:12)። በተሓሳስባ ሰብ እዚ ኵሉ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ዝኸፈሎ ዋጋ ዕሽነት እዩ። ምስ ኃይሉን ምስ ክእለቱን ከሎስ ንምንታይ “ንካልኦት ኣድኃነ ንርእሱ ግና ኬድኅን ኣይከኣለን፤ ንሱ ንጉሥ እስራኤል እንተደኣ ኮይኑስ፣ እስከ ሕጂ ካብ መስቀል ይውረድ፣ ንሕና ከኣ ብኣኡ ክንኣምን” (ማቴ 27:42) እናበሉ ክሳዕ ዘላግጹሉ ዝተዋረደ? ንዚብል ሕቶ፣ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣምላኽ ግና ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኬኅፍር ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ኃረየ፤ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኬኅፍር ከኣ ንድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ኃረየ” (1ቆሮ 1:27) ዚብል መልሲ ይህበና። መገዲ ሰብን መንገዲ ኣምላኽን፣ ጥበብ ሰብን ጥበብ ኣምላኽን፣ ነንበይኑ እዩ። ናይዚ ዓለም ቁምነገር ኣብ ኃላፊ ፍትወት ሥጋን፣ ሃብትን፣ ሥልጣንን ዝተመስረተ እዩ።
እንደገና ኣብቲ ዝጠቐስናዮ መጽሓፈ ቅዳሴ ከም እንረኽቦ፣ ብዛዕባ ትርጉም ሞት መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ሞተ ዘኢይመውት፣ ሞተ ከመ ይሥዓሮ ለሞት፣ ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን በከመ ኣሰፈዎሙ በቃለ ኪዳን”፦(ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም)። ዘይመውት ሞተ፣ ንሞት ኪስዕሮ ሞተ፣ ከምቲ ብቃል ኪዳን ነቦታት ዘተስፈዎም ንምውታት ኬተንሥኦም ሞተ: (1ቆሮ 15:3-6) ይብል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ስለዝኾነ ብርግጽ ኣይመውትን እዩ፣ ፍጹም ሰብ ስለዝኾነ ከኣ ብርግጽ ሞይቱ፣ ተቐቢሩ እዩ። ሞቱ ግን ተራ ሞት ደቅሰብ ኣይኮነን፣ ንሞት ንሓዋሩ ምእንቲ ክስዕሮ፣ ንኣና ንመወቲ ከኣ ዘለዓለማዊ ሕይወት ምእንቲ ከውርሰና እዩ ዝሞተ። “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ”፣ ዚብል ጽሑፍ ኣብ ትንሣኤ ክርስቶስ እዩ ተፈጺሙ። ሽዑ ጥራይ ኢና፣ “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ? ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ?”(1ቆሮ 15:53-55) እናበልና ናይ ዓወት መዝሙር ክንዝምር ንኽእል። ሞት ንሕይወት እትጻረር እታ ዝዓበየትን ናይ መጨረስታን ጸላኢትና ከም ምዃና መጠን ብመድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እያ እትሰዓር። ምሳኡ ፍጹም ኅብረት እንተሎና ከኣ ንሕናውን ክንዕወተላ ኢና። “ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ እንተ ደኣ ኮይና፦ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና። ሕጂ ግና ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሥአ፣ በዚ ከኣ ናይቶም ዝሞቱ ቦኽሪ ትንሣኤ ኮነ” (1ቆሮ 15:19-20)። ትንሣኤ ማለት እምበኣር፣ ቅድሚ ኵሉ ኣብዚ ምድርዚ ከሎና፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ባርነትን ኃይልታት ጸልማትን፣ ሓራ ምዃን ማለት እዩ። ከም ባርነት ሥጋ፣ ባርነት ስስዕቲ፣ ባርነት ሥልጣን ዝበሉ፣ ሕማቓት ልማዳት ተቖጻጺሮምና እንተለው፣ ኢየሱስ መድኃኒ ሎሚውን ሓራ ከውጽኣና ይኽእል እዩ፣ ብጸጋኡ ክንልወጥ

ንኽእል ኢና። ፋሲካ ማለት ንርእሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ባርነት ናብ ናጻነት፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ጽልኢ ናብ ፍቕሪ፣ ካብ ውግእ ናብ ሰላም ምስጋር ማለት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብኃይሊ መለኮቱ ንመኳንንቲ ጸላም ኣሸኒፉዎም እዩ (ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም)። ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ደቂ ዓወት ገቢሩና እዩ። በዚ ምኽንያት ኢና ለይቲ ፋሲካውን “ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን በዓብይ ኃይል ወሥልጣን፣ ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግኣዞ ለኣዳም” እናበልና ናይ እምነት ጭርሖና ነቃልሕ። ከምቲ ኢሳይያስ ነቢይ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሞት ንሓዋሩ ኬጥፍኦ እዩ። ንንብዓት ከኣ ካብ ዓይኒ ኵሎም ኪደርዞ እዩ” (ኢሳ 25:8) ዝብል ተስፋ ዝህብ ትንቢት ዝተነበየ፣ ብሞትን ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ ኣበው ተፈጺሙ እዩ።
ነዚ ድኅነትዚ ብጭቡጥ ንምውናንን ንምስትምቓርን ግን ናትና ምሉእ ተሳትፎ እውን ይሓትት እዩ። በዚ ጊዜና “ድኂነ፣ ንኣምላኽ ረኺበዮ” ዝብሉ በዚሖም ኣለው። ድኅነት ግን ከይጸዓርካ፣ ብዕድል፣ ኣብ መገዲ እትረኽቦ ኣቕሓ ኣይኮነን። ሽሕኳ ብወገን እግዚኣብሔር ኵሉ እቲ ዘድሊ ናይ ድኅነት ስራሕ ተፈጺሙ እንተኾነ፣ ብወገንና ግን መዓልቲ መጸ ብእምነትን ብተስፋን ብፍቕርን እናነበርና ኢና ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ ድኅነት ኣብ ሕይወትና ብግብሪ ከምዝግለጽ እንገብሮ። ብፍላይ ሎምዘመን፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት እምነት፣ ኣብ ምሥጢረ ፋሲካ፣ ማለት ኣብ ስቅያትን፣ ሞትን፣ ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ምእንቲ ክበራበርን ክድልድልን “እምነት ወስኸና” (ሉቃ 17:5) እናበልና ኣበርቲዕና ክንልምን፣ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ከኣ፣ ንእምነት ዝሕግዙን ዝገልጹን፣ ከም ንግደትታት ምግባር፣ ምሥጢራት ምቕባል፣ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ፣ ዝያዳ ጸሎት ምብጻሕ፣ ዝኣመሰሉ መንፈሳውያን ተግባራት ምፍጻም ኣድላይ እዩ። ንሕና ደቂ ትንሣኤ ኢና ስለዚ ንደቂ ትንሣኤ ዝበቅዕ ሕይወት ክንነብር ይግባእ። በዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስውን፣“ደጊም ንክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ኢልኩም ካብ ተቐበልኩምዎ ብእኡ ንበሩ። ከምቲ ዝተመሃርኩምዎ፣ ኣብኡ ተሠሪትኩምን ተሓኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምን፣ ኣብ እምነት ጽንዑ” (ቆላ 2:6-7) ዝብለና። ኣብ ትንሣኤ ክርስቶስ ምእማን ማለት እምበኣር ንኣኡ ምምሳል፣ ኣሠሩ ምኽታል፣ ትምህርቱ ሰሚዕካ ኣብ ግብሪ ምውዓል፣ ትእዛዛቱ ምሕላው፣ ብሓጺሩ ዕለት ዕለት ፍቓድ እግዚኣብሔር ምፍጻም ማለት እዩ። “ስለዚ ነቲ ሥጋዊ ስሚዕትኩም፣ ማለት ምንዝርና፣ ርኽሰት፣ ፍትወት ሥጋ፣ ክፉእ ትምኒት፣ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ፣ ቅተሉ።...ንስኻትኩም ቀደም ነዚ ነገራትዚ እናገበርኩም ትነብሩ ነበርኩም። ሕጂ ግና ካብ ቍጥዓ፣ ካብ ሕርቃን፣ ካብ ክፍኣት፣ ስም ሰብ ካብ ምጽላም፣ ካብ ዘጸይፍ ዘረባ፣ ዘበለ ኵሉ ረሓቑ “(ቆላ 3:5.7-8)።
መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንማርታ ኃውቲ ኣልኣዛር፣ “ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፣ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ። እቲ ብኣይ ዝኣምን ሕያው ዘበለ ኵሉ ንዘለዓለም ኣይክመውትን እዩ፤ እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ?” ዮሓ 11:25-26) ክብላ ከሎ፣ ብክርስቶስ ዝኣምን ዘበለ ኵሉ፣ ኣብዚ ምድሪ ከሎ እውን ድሮ ሕይወት ትንሣኤ ከምዝጀመረ፣ ዕርቡን ዘለዓለማዊ ሕይወትውን ከምዝተቐበለ የረጋግጸና። ጩራ ሰንበት ትንሣኤ እያ ንጸልማት ዓርቢ ስቕለት ጩራ ተስፋን ትብዓትን እትህባ። ኣብዚ ምድራዊ ጕዕዞና ዘጋጥመና ስቓይን፣ ፈተናን፣ በቲ ኣብ ትንሣኤ መድኃኔ ዓለም ዘሎና እምነትን ተስፋን እዩ ክጽወርን ክስገርን ዝከኣል። ቅዱስ ጳውሎስ እውን፣“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፣ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፣ ሕይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሠዊራ ኣላ”(ቆላ 3:3) ይብለና። ሰንሰለት ባርነትን መንፈሳዊ ሞትን ከሸንፍ ዝኽእል እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ክርስቶስን፣ እቲ ምሳኡ ምሉእ ኅብረት ዘለዎ ኣማንን ጥራይ ከምዝኾነ ግሉጽ እዩ። “ሞተ ዘኢይመውት፣ ሞተ ከመ ይስዓሮ ለሞት፣ ሞተ ከመ ያሕይዎሙ ለሙታን”፤ እቲ ዘይመውት፣ ንሞትና ምእንቲ ክስዕራን፣ ንኣና ንመውትን ድኹማትን ኃይሉን ዓወቱን ምእንቲ ከጐናጽፈና እዩ ነዚ ፋሲካዊ ተኣምር ዝፈጸመ። ስለዚ እምነትና ብምሕዳስ“ትንሣኤከ ለእለ ኣመንነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ” (እስመ ለዓለም ዘትንሣኤ) እናበልና ነዚ ዝመጽእ በዓላት ትንሣኤ ነኽብሮን ንንበሮን። ንኵላትና ኣብ ዓድን በረኻን ወጻእን እንርከብ ቡሩክ በዓለ ትንሣኤ ይግበረልና። እታ ኣብ ማእከል ሓዋርያት ተቐሚጣ መንፈስ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ወዳ ዝተቐበለት ኣዴና እግዝእትነ ማርያም ሀብታት መንፈስ ቅዱስ ተማልደልና። እቲ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ፣ ኣብ ማእከል ኣርድእቱ ደው ኢሉ፣ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” (ዮሓ 20:19) ዝበሎም ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ንነፍስወከፍና ህያብ ሓቀይና ሰላሙ ይዓድለና። ኣሜን።


ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ








All the contents on this site are copyrighted ©.