2013-04-30 15:34:19

ቦሊቪያ፦ ብፁዓን ጳጳሳት ኣገልገልቲ ሕዝበ እግዚኣብሔር እያቶም


RealAudioMP3 ኣብ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ሞራለስ ገለ ገለ ብፁዓን ጳጳሳት ናይቲ ኣብ ገለ ገለ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዘርፈ ንብረት ተሓተቲ ገዛእ ርእሶም እያቶም እንክብሉ ዝፈነውዎ ወቐሳ ናይ ቦልቪያ ናይ ሳንታ ክሩዝ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኹልዮ ተራዛዝ መሰረት ዘይብሉ ክሲ እንክብሉ ነጺጎም ዝኾነ ይዅን ጳጳስ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን እዩ፣ እቶም ኣብ ቦሊቪያ ዝርከቡ ጳጳሳት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያኖምን ር.ሊ.ጳ. እዮም፣ ቤተ ክርስቲያን ዝዓጽዉን ዝኸፍቱን መፍትሕ ኣብ ጅባኦም ዝሕዙ ማለት ዘይኮነስ ንሕዝበ እግዚኣብሔርን ንዝተናዕቁን ንዝተነጸሉን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዘገልግሉ ከምዝኾኑን ሰብኣዊ ነጻነት ብማንም ክገሃስ ዘይብሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለ ጸጋ ምዃኑን ዝምስክሩን ሕዝቢ እቲ ዝተዓደሎ ነጻነቱ ብማንም ከይምንዛዕን ከይገሃስን ክተግህ ዘስተምህሩን ዝምዕዱን ዝሓንጹን ጓሶት እያቶም” እንክብሉ ቅድሚ ትማሊ ንናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ ብዘይ መረጋግጺ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይዅን ጳጳስን ካልእ ሰብ እውን ወቐሳ ምንዛሕ ጌጋ ምዃኑን መንግስቲ ቦሊቪያ ገለ ገለ ብፁዓን ጳጳሳት ተሓባበርቲ እንክብል ዘቕርቦ ዘሎ ክሲ መፍትሒ ንዝተሓላለኸ ጉዳይ ቦሊቪያ ከምዘይኮነን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ዘለዎ ዘረፋ ደው ክብል ምእመናን ኣቢያተ ክርስቲያኖም ክሕልዉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.