2013-04-30 18:55:05

ብኃጢአትካ ሕፍረት ክስመዓካ እንከሎ ንምሕረት እግዚአብሔር ዘሰናዱ ናይ ትሕትና ኃይሊ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ናይ ትማሊ ቃለ ወንጌል አመልኪቶም ነቲ ቅ.ዮሐንስ አብ መልእኽቱ “እግዚአብሔር ብርሃን ኢዩ አባኡ ጸልማት ዝበሃል የሎን” ካብ ዝብል ነቂሎም “ኩልና አብ ሕይወትና ገለ ገለ ጸልማት አሎና፣ ወረግ ሓንሳብ ሓንሳብ ሕልናናውን ክ ዓርበናን ክጽልምተናን ይከአል፤ እዚ ግን ብጸልማት ምምልላስ ማለት አይኮነን፣ እንክብሉ ጕዕዞ ሕይወትና ቃልሲ ምዃኑ ገሊጾም፣
“ብጸልማት ምምልላስ ማለት ብገዛእ ርእስኻ ዓጊብካ ድሕነት ከምዘየድልየካ ኮንካ ምምልላስ የስምዕ፤ ጸላማት ዝበሃሉኸስ እዚኦም ኢዮም! በዚ አተሓሳስባ እዚ ዝጐዓዝ አብ ጸልማት ይመላለስ፣ ካብዚ ንድሕሪት ክትምለስ ቀሊል አይኮነን፣ ኮይኑ ቅዱስ ዮሓንስ አብ መል እኽቱ ካብዚ ንክንወጽ እ ደጋጊሙ የዘኻኽር “ሓጢአት የብልናን እንተቢልና ን ር እስና ነታልል ሓቂ ከአ አባና የላን” ይብለና፤ አብ ሓጢአትኩም ተመልከቱ አብ ሓጢአትና ንመልከት ኩልና ሓጢአተኛታት ኢና፤ እዚ መንቀሊ ባይታ ኢዩ፣ ሓጢአትና እንተተናዚዝና ግን ንሱ እሙን ኢዩ፤ ካብ ሓጢአትና ክምሕረናን ካብ ኩሉ ዓገብና ከንጽሓናን ዝኽ እል ጻድቅ ኢዩ፣ ስለዚ እነሆ እቲ ሕያዋይን እሙንን ጻድቅን ጐይታ ንነሳሕ ናባኡ ንመለስ፤ እንክብሉ ሰቢኾም፣
ጐይታ ክምሕረና እንከሎ ፍትሒ የውጽ እ ከመይ ከድሕነናን ክምሕረናን ኢዩ መጺኡ፣ እግዚአብሔር ርኅሩሕን መሓርን አቦ ኢዩ፣ ነቶም ዝፈርህዎን ናባኡ ዝምለሱን ብ ዓይኒ ምሕረት ቍሊሕ ይብሎም፤ ይርድ ኦም ሰላሙ ከአ ይህቦም፣ ኣብ ምሥጢረ ኑዛዜ ዚፍጸም ተአምርከስ እዚ ኢዩ፤ ወላእውን አብ ዘጽርዩ ወትሩ ከም እንመላለሶ አብ መንበረ ኑዛዜ እንተተመላለስና እግዚአብሔር ካብ ምምሓርና አይደክምን፣ ንሕና ጥራሕ መሓረና ቢልና ንቅረቦ፣
“ኮይኑ ግን ክርስቶስ አብ መንበረ ኑዛዜ ከምዞም ሓጺቦም ዘጽርዩ አይኮነን፤ ከም ዘሎናዮ ኰና ክንቀርቦ ኢዩ ዚጽበየና ከመይ ምሳኡ ምርኻብ ሕይወት ኢዩ፣ ምናልባት ጐይታይ እዝን እዝን ገረ ሓቀኛ ሓጢአተይ ክነግር የሕፍረኒ ኢዩ ንብል ንኸውን ኮይኑ ግን እዚ ሕፍረት እዚ ንባዕሉ ክርስትያናዊ ትዕድልቲ ኢዩ፣ አብ ቋንቋና ዘይሓፍር ንብል እዚ ማለት ከአ ሕፍረት ንክስመዖ ክእለት የብሉን ማለት ኢዩ፤ እዚ ስምዒት እዚ ግን ንምሕረት እግዚአብሔር ዘሰናዱ ናይ ትሕትና ኃይሊ ኢዩ፣ እንክብሉ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብሓጢአትካ ምሕፋር መፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ አብ ርእሲ እዚ ከአ ጠበቃ አሎና እቲ ፍታሓዊ ዝኽነ ኢየሱስ ክርቶስ ወትሩ ብምሕረቱን ብድሕነቱን አብ ቅድሚ አቦኡ ምስ ተጣበቀልና ኢዩ፡ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.