2013-04-27 14:59:52

ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ላዕለዎት ሓዋርያዊ ኣካላትን ሊቀ መንበርን ኣብ መክሲኮ ናይ ትላልነፓንቲያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ኣጒይር ረተስን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሞኒካ ዞሪታ እንክሕብራ፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብፁዕ ኣቡነ ካሮሎስ ኣጒይረ ረተስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ርክብ ብሓቂ ደስ ዘብልን ዓርክኻን ናይ ቀረባ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምሳኻ ተዋፊሩ ዘገልግሉ ዝነበሩ ካብ ቀደም ኣትሒዝካ እትፈልጦም ኣብ ናይ እምነት ተመክሮ መካይድትኻን ዝነበሩ ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክትራኸብ ክንደይ ደስ ዘብልን ብፍላይ ድማ ነቲ ተሰኪሞምዎ ዘለዉ ዓቢይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብግብኡ ንምክያድ ብሓይልዮት እግዚኣብሔር ይፍጽምዎ ከምዘለዉ ኩሉ ዝርእዮ ዘሎ ሓቂ ዝምስክር እዩ ኢሎም።
ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተመክሮ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሕይል እዩ ምስ በሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተረኺቦም ዝህብዎ ስልጣናዊ ምዕዳንን ኣስተምህሮን ስብከትን ብዓቢ ሓንቀውንታን ክፉት ልብን ኢና ንጽበዮ ዘሎና። ስለዚህ እቲ ኣብ ብራዚል ዝፍጽምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነቲ ቅዱስነቶም ምስ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ዘለዎም መንፈሳውነት ምትእስሳርን ርእየት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘሕይል እዩ ምስ በሉ ካብ ገጾምን ምዕዳኖም ኩሉ ዝብልዎን ነቲ ተቐቢሎሞ ዘለዉ ዓቢይ ናይ ሮማ ጳጳስን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብሉጽ ኣፍልጦ ዘለዎም ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. እዮም ኢሎም።
ቀጺሎም ኣብ ብራዚል ናይ ካምፖ ግራንደ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዲማስ ላራ ባርቦሳ ብወገኖም ድሕሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ርክብ ኩነት ጥልቂ ሱታፌን ሕውነትን ዝዓሰሎ ከምዝነበረን፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ቅድሚ ምሕራዮም ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ናይ ሓባር ናይ እምነት ጉዕዞ ዝፈልጥዎምን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብዛዕባ ሲኖዶስን ናይ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዳይ ዘለዎ ተራን ድሕሪ ኣቲ ብዝተፈላለዩ ናይቲ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዝሓቕፎም ሓዋርያዊ ድርገታት ኣቢሉ ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታትን ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ላቲን ኣመርካን ካራይብን ብቛንቋ ስፐይን ኣብ ዝዘተየን በዚ መሰረት ድማ ናብቲ ናይ ሓባር ሰነድ ንብምጻሕ ኣብ ብራዚል ኣፓረሲዳ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይብን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝነበሮ ተመክሮ ብሓባር ዝተኻፈሉ እዮም” ቢሎም ብቐረባ ዝፈልጥዎም ከምዝኾኑ ሓቢሮም ኣብቲ እዋን ዘስምዕዎ ዘረባን ዝሃብዎ ትንተናን ብሓቂ ዓሚይቕ ከምዝነበረ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቢያዊ መንፈስ ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መደብ መሰረት ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኽካይድ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ምበል 16 ወሲኖም ከምዝነበሩን እዚ ውሳኔ’ዚ ንዛእ ርእሱ ነቢያውነት መንፈስ ዘለዎ ኰይኑን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ዝተወለዱላ ላቲን ኣመሪካ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያ ብምጻሕ ንኸካይዱ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ መላእ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ በዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ቅዱስ ኣቦና ዙሪያ ክሓብሩ እዮም” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.